ገዲም ፖለቲከኛ ኣይተ ስብሓት ነጋ ዓሪፎም ብዝብል ዝውዛዕ ዘሎ ናይ ሓሶት ሓበሬታ
16 መስከረም 2017 ዓ.ም
ኣብ ኢትዮጵያ ገዲም ፖለቲከኛ ዝኾኑ አይተ ስብሓት ነጋ “ሎሚ ዓሪፎም” ብዝብል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ተዓዚብና።
እዚ @thinkoughtunique ኣብ ዝብል ናይ ቲክቶክ ገፅ ዝተጠቅዐ ሓበሬታ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣይተ ስብሓት ነጋ “ኣብ መቐለ ክፍፀም’ዩ” ፤ ኣብ ካልእ ልጣፍ ድማ “ኣብ ካቴድራል” ከም ዝተፈጸመ ዝገልፁ ሓበሬታታት ሒዙ ኣሎ።
ኣብቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ካልኦት ልዕሊ 200 ሰባት ነዚ ሓበሬታ “ሼር” ገይሮምዎ ኣለው።
ይኹን’ምበር ኢትዮጵያ ቼክ ብዝገበሮ ምፅራይ እቲ ሓበሬታ ናይ ሓሶት ከም ዝኾነ ከረጋግጽ ክኢሉ ኣሎ።
ኣይተ ስብሓት ነጋ ነባር ተጋዳላይ ውድብ ህወሓት ኮይኖም ካብ ተራ ተዋጋኣይ ክሳብ ላዕለዋይ መሪሕነት እቲ ውድብን ካልኦት መንግስታዊ ሓላፍነታትን ኮይኖም ኣገልግሊሎም እዮም።
ብ2018 ዓ.ም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መፅአ ድማ ካብቶም ‘ብኽብሪ’ ዝተሰናበቱ ላዕለዎት መራሕቲ ከም ዝኾኑ ይፍለጥ።
ኣብቲ ንኣስታት 30 ዓመታት ንኢትዮጵያ ዝመርሐ ህወሓት/ኢህወደግ፡ ተሰማዕን ዓቢይ ጽልዋ ዝነበሮም ኣይተ ስብሓት፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ምስ ተወልዐ ብሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ቁፅፅር ኣትዮም ተኣሲሮም ከምዝነበሩ ይዝከር።
ብድሕሪኡ ግን መንግስቲ ፌደራል ኣይተ ስብሓት ነጋር ንዝርከብዎም ኣብ ቀይዲ ዝፀንሑ መራሕቲ ህወሓትን ትግራይ ነበር ኣሳታፊ ሃገራዊ ዘተ ንምክያድ ብዝብል ካብ ማእሰርቲ ብምሕረት ተፈቲሖም።
ድሕሪኡ ጥዕናዊ ፀገም ኣጋጢሙዎም ንሕክምና ናብ ኣሜሪካ ከምዝኸዱ ክግለፅ ፀኒሑ’ዩ።
ኵል ግዜ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ብዘይምስዓብን ብዘይምክፋልን ካብ ዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ዓርስና ንሓሉ።
ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ
ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::