ርጡብ ሓበሬታ ብኸመይ ንረክብ?
06 ሓምለ 2015 ዓ.ም
ናይ ሓሶት ሓበሬታ ንስምዒትናን ፍርሕናን ብምቁጽጻር ነቲ ትኽክል መሲሉ ዝቐረበ ሓበሬታ ከነንብቦ ናይምግባር ሓይሊ ዘለዎ ብምዃኑ ኣንጻር ግጉይ ሓበሬታ ዝግበር ቃልሲ ብልክዕ ጥዕና ሰባት ምሕላው’ዩ ዝርአ።
ገለ ዓበይቲ ዜናታት ወይ ፍጻመታት ድማ ዋሕዚ ግጉይ ሓበሬታታት፣ ቪድዮታት ወይ ዝተመስርሑ ድምጺታትማሕበራዊ ሚዲያ ክውስኽ ምኽንያት ይዀኑ’ዮም።
እዚ ዋሕዚ ድማ ሰባት ንዝተፈላለዩ ፍጻመታት ዝርድእሉ ዝንባለታት ይጸልዮ ምህላው ግሁድ እዩ።
ኢትዮጵያ ቼክ ግጉይ ሓበሬታ ብኸመይ ክፍለጥን ክረጋገጽን ይኽእል ዝብል ኣንፈት ዝህቡ ብርክት ዝበሉጽሑፋትን ቪድዮታትን ሓቲሙ ብመርበብ ሓበሬታኡን ማሕበራዊ ሚዲያታትቱን ከካፍል ጸኒሑ እዩ።
ይኹን’ምበር ሓደ እሙን ዝመስል ሓበሬታ ዘለዎ ጽሑፍ “ናይ ሓሶት ዜና” ክኸውን ይኽእል’ዩ።
እዞም ጽሑፋት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝውዝዕሉ እዋን ድማ ነቲ ዑደት ግጉይ ሓበሬታ ክቕጽልይገብሩ።
ከምዚ ዓይነት ጽሑፍ ቅድሚ ምክፋልካ ሓቃውነቱ ንምፍላጥ፡ ኣብ ኢንተርነት ዜናታት ብኸመይ ከም ከምዝሰርሕ ንምርዳእ ይሕግዝ።
ወትሩ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ርጡብ ሓበሬታ ብምክፋል ተሞክሮ ንዘለዎም መርበባት ሓበሬታ ምውካስ ሓለፋኣለዎ።
ኣጻረይቲ ሓቂ ከምኡ’ውን ጋዜጠኛታት ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ቅኑዕ ዝርግሐ ሓበሬታ ንክህሉተዛቢዖም ወይ ተጋኒኖም ከምኡ’ውን ኰነ ኢሉ ሰባት ንምግጋይ ዝቐርቡ ምስልታት፣ ስእልታትን ጽሑፋትን ብምምርማር ርጡብን ሚዛናውን ዋሕዚ ሓበሬታ ክህሉ ኣብ ምግባር ይሰርሑ ኣለው።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተመራመርቲ ‘ሶሻልትሩት’ ዝተባህለ ፕሮጀክት፡ ኣብ ኢንተርነትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ትሕዝቶ ናይ ሓሶት ዜና ምልክት ዝገብር ወይ ዝነግር መሳርሒ ኣዳልዮም እዮም።
እቲ ‘ዲጂታል ኮምፓንዮን’ ዝበሃል ሶፍትዌር፡ ተኣማንነት ናይ ሓደ ሓበሬታ ክምርምር ይኽእል።
ንሓደ ጽሑፍ፣ ምስሊ፣ ምንጪን ጸሓፍን እቲ ሓበሬታ ብምትንታን፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ደቓይቕ ደረጃተኣማንነት እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ዘመላኽት ነጥቢ ይህብ – ካብ ሓደ ክሳብ ሓሙሽተ ኮኾብ ደረጃ ከምዝህበና መጽሄት መጽናዕትን ምህዞን ሕብረት ኤውሮጳ ዝዀነ ሆራይዘን ይጠቅስ።
እዚ ዝህቦ ነጥቢ ድማ እቲ ትሕዝቶ ምስ ካልእ ሓሶት ኰይኑ ዝተረኽበ ዓይነት ትሕዝቶ ኣዝዩ ዝመሳሰልእንተዀይኑ ናይ መጠንቀቕታ ቀይሕ ምልክት ከም ዝህብ ተመራመርቲ ሶሻል ትሩዝ ይገልጹ።
ካብዚ ሓሊፉ፡ መዓልታዊ ብዝተፈላለዩ መልክዑ ዝመጽኡና ሓበሬታታት ንምጽራይ ዝሕግዙ ብዙሓት ቀለልቲኣማራጺታት ክህልው እንከለው፡ ካብኦም ሓደ ‘ጉግል ፋክት ቼክ ኤክስፕሎረር’ ምጥቃስ ይክኣል።
‘Google Fact Check Explorer’ መርመርቲ ሓቂ. ጋዜጠኛታትን ተመራመርትን ኣብ መላእ ዓለም ዝተወዝዑዝተጻረዩን ዘይተጻረዩን ሓበሬታታት ንምርካብ ዝሕግዝ ኰይኑ፡https://toolbox.google.com/factcheck/explorer ብምእታው ብቐሊሉ ምጥቃም ይክኣል።
ካብዚ ብተወሳኺ ዘጠራጥሩ ምስልታት፣ ቪድዮታትን ጽሑፋትን ክትረኽቡ እንከለኹም ‘Get-Metadata Viewer’ ብምጥቃም ዝርዝር እቶም ሓበሬታታት ዝተሰከሙዎ ጭብጢታት ብምርኣይ ምርግጋጽ ይክኣል።
እዚ ኣብ ኦንላይን ብናጻ ዝርከብ መሳርሒ ምጽራይ ሓበሬታ ኰይኑ ኣብ https://www.metadata2go.com/ ዝደለኹሞ ስእሊ ወይ ቪድዮን ጽሑፋትን ከተእትው እንከለኹም ንዕኡ ዝምልከት ሓበሬታ ማለት እቲ ስእሊዝተወሰደሉ ቦታ፣ ሰዓት፣ ዝተቐየረሉ ዕለት፣ ቅርጺ ወይ ዓቐን እቲ ትሕዝቶ ብዝርዝር ይርከብ።
ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ
ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::