ስለ ምንታይ’ዩ ኩሉ ዌብሳይት ‘ኵኲሳት’ ክንቕበል ዝደሊ?

website cookies

28 መጋቢት 2015 ዓ.ም

ምናልባት ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ሞባይል ስልክኹም ወይ ኮምፒዩተር ዝዀነ ሓድሽ መርበብ ሓበሬታ ከፊትኩም እንተነይርኩም- ‘እዚ ገጽ ኵኲስ ይጥቀም’ዩ’ – ‘ኩሎም ተቐበል’ ወይ ‘ኩሎም ንጸግ’ ዝብል ሓበሬታ ርኢኹም ትዀኑ ኢኹም።

እዚ፡ እቲ ዝኸፈትኩምዎ መርበብ ሓበሬታ ምንቅስቓሳት ተጠቀምቲ ንምክትታል ኵኲስ ይጥቀም ከም ዘሎ ዝሕብርን ንክቕበሉዎ ክትሰማምዑ ዝሓትትን እዩ።

እቲ ምክትታል ድማ ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ንዝህልወኩም ተመኩሮ “ንምዕባይ” ምዃኑ ብምግላጽ “ናይ ኩኪ ፖሊሲኡ” እቲ መርበብ ሓበሬታ ከተንብቡ ይዕድም።

መብዛሕትና ግን ብዙሕ ከይተገደስና “እወ እሰማማዕ” ዝብል ጠዊቕና ኢና ንሓልፍ። እንተነጺግኻዮ ድማ ሓሓሊፉ እቲ መርበብ ሓበሬታ ኣይሰርሕን ክብለካ ይኽእል።
ኵኲስ እንታይ’ዩ?

ኵኲስ፡ መርበባት ሓበሬታ ናብ እትግልገልሉ መሳርሒ ዝልእኽዎም ንኣሽቱ ሰነዳትት (ፋይላት) ኰይኖም፡ ድሕሪኡ እቶም መርበባት ሓበሬታ ነቲ ተጠቃሚ ንምክትታልን ብዛዕብኡ ሓበሬታ ንምዝካርን ይጥቀሙሉ።

ሰብ ሞያ ድሕነት ሳይበር ኵኲስ “መርበብ ሓበሬታ ኣብ ኮምፒተርካ፡ ቴለፎንካ ወይ ካልእ መሳርሒኻ ዘቐምጦ ‘ብሎክ ዳታ’ [ወይ] ሓበሬታ እዩ” ይብሉ።

እዚኦም፡ መጀመርታ ስሉጥ ኣጠቓቕማ ኦንላይን ንክህሉ ተሓሲቦም ክፍጠሩ እንከለው እቲ ቴክኖሎጂ ፈለማ፡ እቲ ሰርቨር ናይ መእተዊ ሓበሬታ (login information) ወይ ከከም ድሌታትኹም ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ዘሎ ውልቃዊ ሓበሬታኹም ንክዝክር እዩ ተማሂዙ።

ኩሎም ኵኲስ ግን ማዕረ ከም ዘይኰኑ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። ብዛዕባኹም ሓበሬታ ኸዚኖም ዝጸንሑ ዝከታተሉኹም ኩኪታት ኣለው፤ እዚኦም ድማ ኣብ ዝዀነ ነገር ኣብ እትእልሽሉ እዋን ዝተፈላለዩ መወዓውዒታት ይልእኹልኩም ማለት እዩ።

እቲ ሓበሬታ ተጠቀምቲ ኢንተርነት ግዳያት ድልየቶም፣ ዕድምኦም፣ ጾታኦምን ዓሌቶምን ዝዀኑ መግለጺታቶም ዒላማ ዝገበረ መወዓውዒ ክዀኑ ይገብር ማለት እዩ።

እቶም ኣብ መርበባት ሓበሬታ ዝሓሸ ተሞክሮ ተጠቃሚ ዝህቡና ኩኪስ፡ ከም ናይ ዜና ምርጫና፡ ከምኡ’ውን ኣብ ናይ ኦንላይን ዕዳጋታት ውልቃዊ ሓበሬታና ንገድፍ እንተዀይን ነዞም ሓበሬታታት ዝእክቡ’ዮም።

‘ናይ ቀዳማይ ወገን ኵኲስ’ ዝብሃሉ መብዛሕትኡ ግዜ “ኣገደስቲ” ወይ “ኣድለይቲ” ኩኪስ ተባሂሎም ዝጽውዑ ኰይኖም፡ ኣበየኖት መርበባት ሓበሬታ ከም ዝበጻሕካን ክንደይ ግዜ ኣብዙ ከም ዝጸናሕካን ሓበሬታ ይእክቡ።

‘ናይ ሳልሳይ ወገን ኵኲስ’ ግን ምስ ሚስጥራውነት ሓበሬታ ብዝተሓሓዝ ካብቶም ኣካታዕቲ ዝዀኑ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ባህርያትካ ንመወዓውዒ ዝዓለመ ባህርያትካ ዝከታተሉ ኰይኖም ቀጥታዊ ኣካል ናይቶም እትበጽሖም መርበባት ሓበሬታ ኣይኰኑን።

ኣብ ክንድኡ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውሽጢ መወዓውዒታት፣ ቪድዮታት ወይ ኣርማታት መርበብ ሓበሬታ’ዮም ዝስኵዑ። ናይ ፌስቡክ “like” ዝብል መጠወቒ ንርእሱ ናይ ሳልሳይ ወገን ኵኲስ ይጥቀም’ዩ።

ተጠቀምቲ ካብ መርበብ ሓበሬታ ናብ መርበብ ሓበሬታ ዝከታተሉ ሳልሳይ ወገን ኵኲስ፡ ብኣፕል፡ ማይክሮሶፍትን ሞዚላን ተኣጊዶም ኣለዉ።

መርበባት ሓበሬታ ግና ንተጠቀምቲ ንምክትታል ናይ ገዛእ ርእሶም ናይ ቀዳማይ ወገን ኩኪስ ክጥቀሙ ክኽእሉ እዮም።

ስለዚ ኵኲስ ሕማቕ ድዩ?

ኩኪስ ብባህሪኡ ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ኣይኰነን። ብቐንዱ መርበብ ሓበሬታ ዝያዳ ምቹእ ንምግባር ኣገደስቲ መገዲ’ዮም፤ ንኹሎም ኩኪስ ምዕጻው ድማ ኣብ ኦንላይን ንዝህልወናተሞክሮ ክግድቦ ይኽእል’ዩ።

ይኹን’ምበር ልክዕ ከምቶም ካልኦት ባእታታት ኢንተርነት ንጽቡቕ ይኹን ንሕማቕ ክውዕሉ ይኽእሉ።

እቲ ዝዓበየ ጉዳይ ኵኲስ ብዛዕባ ታሪኽ ምድህሳስካ (History) ውልቀሰባት ሓበሬታ ክእክቡን ክዕቅቡን ከምኡ’ውን ንኻልኦት ኣሕሊፎም ክህቡ ይኽእሉ’ዮም ብምባል ክኢላታት ድሕነት ሳይበር የረድኡ።

መወዓዋዕቲ ድማ ኣበይ ከም ዝጸናሕካ፣ ድልየታትካ እንታይ ምዃኑን እንታይ ድሌታትካ ምዃኑን ምስ ድልየታትካ ዝመሳሰሉ ነገራትን ንምፍላጥ ኣብ ኮምፒዩተርካ ዘለው ኲኲታት ክርእዩዎም ይኽእሉ።

ብድሕሪኡ ነዚ ሓበሬታ ናብ ካልኦት ወገናት ብምሻጥ ዝያዳ መወዓውዒታት ከርእዩኻ ይኽእሉ።

ነዚኦም ንምቁጽጻር ምስ እትደልዩ ግን ኣብ ‘setting’ መርበብ ሓበሬታኹም ምትዕርራይ ክትገብሩ ትኽእሉ።

ንኣብነት ኣብ ክሮም፡ ‘Privacy and security’ ኣብ ዝብል ‘Cookies and other site data’ ዝብል ክፍሊ ኣገደስቲ ኣማራጺታት ሒዙ ይርከብ።

እዚ ንኹሉ ኩኪስ ክተፍቅድ፣ ኵኲስ ሳልሳይ ወገን ንክትዓግቶ ወይ ኩኪስ ምሉእ ብምሉእ ከተወግዶ ምምራጽ የኽእል።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::