ብዛዕባ ኢትዮጵያ ቼክ

ኢትዮጵያ ቼክ ብ2020 ዓ.ም ዝተጣየሸ ሓበሬታ ዘጻሪ ትካል እዩ። ብኣቆጻጽራ ኤውሮጳ ካብ ወርሒ ነሓሰ 2020 ዓ.ም ጀሚሩ ኣካል ፕሮጀክት ኢንተር ኒውስ ኰይኑ ጸኒሑ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኬንያ ዝተመዝገበ ሙሉእ ንሙሉእ ናጻ ማሕበር በዓል ሕድሪ ኰይኑ ይሰርሕ ኣሎ። ኢትዮጵያ ቼክ ብቋንቋታት ኣምሓርኛ፣ ትግርኛን ኣፋን ኦሮሞን ዝሰርሖም ስራሕቲ ናብ ሰዓብቱ የቕርብ ኣሎ። ብማሕበራዊ ሚዲያ ኣቢሉ ድማ ንልዕሊ ሸውዓተ ሚሊዮን ሰባት ይበጽሕ ክበጽሕ ክኢሉ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣባል ኔትዎርክ ኣፍሪቃ ፋክትስ ኰይኑ ፈራሚ ዓለምለኻዊ ፋክትቼኪንግ ኔትዎርክ ንምዃን ኣመልኪቱ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ቼክ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሰለስተ ጉዳያት ትኹረት ገይሩ ይሰርሕ። 

  • ምጽራይ ሓበሬታ
  • ትምህርቲ ኣጠቓቕማ ሚዲያን
  • ስራሕቲ ስልጠናን ህንጸት ዓቕምን’ዮም

ኢትዮጵያ ቼክ ብ2020 ዓ.ም ዝተጣየሸ ሓበሬታ ዘጻሪ ትካል እዩ። ብኣቆጻጽራ ኤውሮጳ ካብ ወርሒ ነሓሰ 2020 ዓ.ም ጀሚሩ ኣካል ፕሮጀክት ኢንተር ኒውስ ኰይኑ ጸኒሑ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኬንያ ዝተመዝገበ ሙሉእ ንሙሉእ ናጻ ማሕበር በዓል ሕድሪ ኰይኑ ይሰርሕ ኣሎ። ኢትዮጵያ ቼክ ብቋንቋታት ኣምሓርኛ፣ ትግርኛን ኣፋን ኦሮሞን ዝሰርሖም ስራሕቲ ናብ ሰዓብቱ የቕርብ ኣሎ። ብማሕበራዊ ሚዲያ ኣቢሉ ድማ ንልዕሊ ሸውዓተ ሚሊዮን ሰባት ይበጽሕ ክበጽሕ ክኢሉ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣባል ኔትዎርክ ኣፍሪቃ ፋክትስ ኰይኑ ፈራሚ ዓለምለኻዊ ፋክትቼኪንግ ኔትዎርክ ንምዃን ኣመልኪቱ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ቼክ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሰለስተ ጉዳያት ትኹረት ገይሩ ይሰርሕ። 

  • ምጽራይ ሓበሬታ
  • ትምህርቲ ኣጠቓቕማ ሚዲያን
  • ስራሕቲ ስልጠናን ህንጸት ዓቕምን’ዮም

ሰብ ሞያ ኢትዮጵያ ቼክ

ኤልያስ መሰረት

መስራቲ/ኤዲተር

ኤልያስ መሰረት ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ንኢትዮጵያ ቼክ ክምስርት እንከሎ ድሒሩ ናብ ፕሮጀክትታት ኢትዮጵያ ኢንተርኒውስ ተጸንቢሩ። ሓደ ካብቶም ኣርባዕተ መስረትቲ እቲ ሓቂ ዘጻሪ ጕጅለን ኤዲተርን ኰይኑ ድማ የገልግል። ኤልያስ ካብ 2013 ጀሚሩ ምስ ዝተፈላለያ ዓለምለኻውያን ማዕከናት ዜና ክሰርሕ እንከሎ ብጋዜጠኝነትን ምጽራይ ሓቅታትን ብዝገበሮ ጻዕሪ ሽልማት ጣና 2019 ተሸሊሙ’ዩ። ካብ መፋርቕ 2020 ክሳብ መወዳእታ 2021 ድማ ኤልያስ ኣብ መደብር ሬድዮ ኢትዮ ኤፍ.ኤም ይፍኖ ዝነበረ ኣብ ግጉይ/ዝንቡዕ ሓበሬታ ትኹረት ዝገበረ መደብ ሬድዮ “ልዩ መረጃ” ኣቕራቢ ኰይኑ ሰሪሑ’ዩ። ካብ 2020 ክሳብ 2021 እውን ፕረዚደንት ማሕበር ሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጵያ ነይሩ።

ጽዮን ሞላ

ሓላፊት ፕሮግራማት

ጽዮን ሞላ ካብ ወርሒ ታሕሳስ 2022 ሓላፊት ፕሮጀክት ኰይና ናብ ኢትዮጵያ ቼክ ተጸንቢራ። ፕሮጀክትታት ልምዓት ሚድያ ኣብ ምምራሕ ዕቱብ ተሞክሮ ኣለዋ። ከም ሓላፊት ፕሮግራም ድማ ኣብዚ ሕጂ እዋን ፕሮጀክትታት ትቐርጽ፣ ኣተገባብርኦም ትከታተልን ምስ ለገስቲ ትካላት ዘለው ርክባት ተማእዝንን ኣላ።

ኣሌክሳንደር ዮውሃንስ

ኣተሓባባሪ ፕሮጀክት

ኣሌክሳንደር ዮውሃንስ ኣብ ፕሮጀክታት ምምሕዳር ሰብኣዊ መሰላትን ልምዓት ሚድያን ናይ ብዙሕ ዓመታት ተሞክሮ ዘለዎ ኣተሓባባሪ ፕሮጀክት እዩ። ከም መጠን ኣተሓባባሪ ፕሮጀክት ኢትዮጵያ ቼክ ኣብዚ ሕጂ እዋን ፕሮጀክትታት ብዘይ ገለ ጸገም ንክሳለጡ ንሓላፊት ፕሮግራምን ኣባላት እታ ጋንታን ናይ ምውህሃድ ስራሕቲ ይሰርሕ ኣሎ። ግዘ ገደብን ዋሕዚ ስራሕን ምምሕዳር፣ ከምኡ’ውን ምውህሃድ ፍጻመታት፣ ምውዳብ ኣኼባታትን ቆጸራታትን ዘጠቓልሉ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ናይ ምውጋን ሓላፈነት ኣለዎ።

ኣዲሱ ፍሬው

ተንታኒ ምጽራይ ሓቂ

ኣዲሱ ፍሬው ኣብ 2020 ናብ ኢትዮጵያ ቼክ ክጽንበር እንከሎ ተንታኒ ሓቂ ኰይኑ ይሰርሕ። ኣዲሱ በዓል ሞያ ዲጂታል ሚዲያ ኰይኑ ኣብ ጋዜጠኝነት ናይ ብዙሕ ዓመታት ተሞኩሮ ኣለዎ።

ሃብታሙ ጥበቡ

ተንታኒ ምጽራይ ሓቂ

ሃብታሙ ጥበቡ ብጋዜጠኝነትን ምጽራይ ሓበሬታን ተሞክሮ ብዙሓት ዓመታት ዘለዎ ኰይኑ ካብ 2021 ዓ.ም ኣጻራዪ ሓቂ ኢትዮጵያ ቼክ ኰይኑ ይሰርሕ ኣሎ። ምስ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ብምስራሕ ብርክት ዝበሉ ናይ ሬድዮን ኦንላይንን ዛንታታት ሰሪሑ’ዩ። ኣብ ምፍታሽ ሓቂ ስልጠናታት ናይ ምሃብ ልምዲ’ውን ኣለዎ።

ሕጋዊ ኵነታት ኢትዮጵያ ቼክ

ኢትዮጵያ ቼክ ብሕጊ ዝተመዝገበ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል ምጽራይ ሓቅታት እዩ። ከም ማሕበር በዓል ሕድሪ ድማ ብቑጽሪ ፋይል 2252/D7/3174/MMXXII ኣብ መዝገብ ሰነዳት ሪፓብሊክ ኬንያ ናይሮቢ ተመዝጊቡ ይርከብ። 

መትከላት ዘይሻራውነት

ኢትዮጵያ ቼክ ናጻን ዘይሻራውን ኰይኑ ዝሰርሕ ትካል እዩ። እዚ ምዕዋት ሰብ ሞያ ናብቲ ትካል ክጽንበሩ እንከለው ብዛዕባ ዞም መትከላት ስልጠና ይህብ። እዞም ዝስዐዕቡ ድማ መሰረታዊ መትከላት ዘይሻራውነት እዮም፤  

  • ኣባላት ጋንታ ንዝዀነ ፖለቲካዊ ውድብ ክድግፉን ወይ ጎስጓስ ክገብሩን ኣይክእሉን
  • ኣባላት ጋንታ ንዕላማታት ዝዀነ ይኹን ፖለቲካዊ ውድብ ወይ ጉጅለ ንምድጋፍ ናውታት እቲ ትካል/ ሃብቲ ክጥቀሙ ኣይክእሉን
  • ንሓደ ዝተወሰነ ፖለቲካዊ ኣካል ወይ ውልቀ ሰብ ናይ ሓቂ ምፍታሽ ንምክያድ ገንዘብ/ገንዘብ ምሕታት ፍጹም ክልኩል እዩ።
  • ሰራሕተኛታት ንዝዀነ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ ጉጅለ ንምድጋፍ ኣብ ዝግበር ፖለቲካዊ ሰልፍታት ወይ ፍጻመታት ክሳተፉ ኣይፍቀደሎምን
  • ውልቃዊ ርእይቶታት/ሻራውነት ኣካል ስራሕቲ ምጽራይ ሓዊ ክኸውን ኣይኽእልን 

መተሓሳሰቢ፡ ነዞም ፖሊሲታት ዝጥሕሱ ሰራሕተኛታት ፍትሓዊ ምጽራይ ክግበረሎም እዩ፤ ድሕሪኡ ድማ ነዚ ጥሒሶም እንተተረኺቦም ግቡእ ስጉምትታት ይውሰድ።

ሓገዝ ዝምልከት

ኢትዮጵያ ቼክ ኣብ ኬንያ ዝተመዝገበ ማሕበር በዓል ሕድሪ እዩ። ካብ ወርሒ ነሓሰ 2020 ክሳብ ወርሒ ሕዳር 2022 ኣካል ፕሮጀክትታት ኢትዮጵያ ኢንተርኒውስ ኰይኑ ጸኒሑ። ካብ 1 ታሕሳስ 2022 ጀሚሩ ግን ዓርሱ ክኢሉ ይንቀሳቐስ ኣሎ። ካብ ታሕሳስ 2022 ጀሚሩ እቲ ትካል ካብ ኢንተርኒውስ ብዝረኸቦ ሓገዝ ገንዘብ ስራሕቱ ይውግን ዘሎ ኰይኑ እዚ ሓገዝ ክሳብ ነሓሰ 2023 ዓ.ም ዝጸንሕ’ዩ። 

ክጻረዩ ዝኽእሉ ሓበሬታታት ብኸመይ ንሓሪ?

ኢትዮጵያ ቼክ ክጻረዩ ዝኽእሉ ሓበሬታታት ብመጠን ዘለዎም ዝርግሐ፣ ዘብጽሑዎ ጽልዋን ኣገዳስነቶምን መሰረት ገይርካ ይሕረዩ። ከምኡውን ቀጻሊ ክትትል ሚዲያ ብምግባር ኵሎም ድምጽታት ዝካተትሉ ኣሰራርሓ ተግባራዊ ይገብር።

ፖሊሲ እርማትን ቅርታን

ኢትዮጵያ ቼክ እርማት፣ ቅርታን ግብረመልስን ዘአንግደሉ ግልጺ ኣሰራርሓ ዘለዎ ኰይኑ ጌጋታት ምስ ተፈጥሩ እዋኑ ዝሓዘለወ ስጉምቲ እርማት ይወስድ። ነዚውንእርማትብዝብል ርእሲ ክፍተታት ዝእርም ትሕዝቶ የውጽእ። ብተወሳኺ ኣብ ዝዘርግሖም ሓበሬታታት ምዕባለታት እንክህልውኣፕዴትብዝብል ርእሲ ተወሳኺ ሓበሬታ የቕርብ። ኣብ እንሰርሖም ሓበሬታ ናይ ምጽራይ ስራሕቲ ስሕተት እንተተዓዚብኩም ብዝስዕቡ ኣድራሻታት ተወከሱና፤

ኢሜይል: [email protected]

ሓጺር መልእኽቲ ጽሑፍ፡ +251974058699

ክጻረ እትደልዩዎ ሓበሬታ ወይ ርኢይቶ ኣሎ’ዶ?