ኩሎም ኣብ መርበባት ሓበሬታ እንረኽቦም ጸብጻባት ሓቂ ድዮም?

20 ለካቲት፣2015
መርበብ ሓበሬታ (Website) ዓብዪ መኽዝን ሓበሬታ እዩ። እቲ ሓበሬታ ድማ ኣብ ዲጂታላዊ መሳርሒ ስለ ዝኽዘን ዲጂታላዊ ትሕዝቶ ይበሃል።
መዓልታዊ ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት ብምድላይ እንከታተሎም ኰነ እንፍትሾም ብርክት ዝበሉ መርበባት ሓበሬታ ሚዲያታትን (Websites) ገጻት ማሕበራዊ ሚዲያን ኣለው’ዮም።
ካብ ኩሎም መርበባት ሓበሬታን ጸብጻባቶም ዝዝርግሑሎም ማሕበራዊ ሚዲያታትን እንረኽቦ ሓበሬታ ግን ትኽክለኛ ወይ ሓቀኛ ድዩ? ክንኣምኖከ ንኽእል’ዶ።
ኣብ መጽሓፍቲ ንህጻናት ዝቐርቡ ሓበሬታታት ብክኢላታት ዝተጻሕፉን ዝተጸንዑን ስለ ዝዀኑ ክእመኑ ይኽእሉ።
እቶም ኣብኡ ዝሰፈሩ ሓቅታት ድማ ሓቀኛን ናይ ኣጸሓሕፋ ጌጋታት ዘይብሎምን እዮም።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ዝዀነ ሰብ ክኣ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት ክጽሕፍን ክዝርግሕን ስለ ዝኽእል ኣብ ሓደ ዌብሳይት ዘሎ ሓበሬታ ወትሩ ብክኢላ ዝጽሓፍ ኣይኰነን።
እዚ ማለት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝርከቡ ገለ ዲጂታላዊ ትሕዝቶታት ዘተኣማምኑ ኣይኰኑን። ካብዚ ብዝብገስ እቲ ሓበሬታ ዘይቅኑዕ ወይ ግዜኡ ዝሓለፎ ክኸውን ይኽእል እዩ።
በዚ መሰረት ዘይእመን መርበብ ሓበሬታ እንታይ ይመስል ዝብል ንምፍላጥ ዝሕግዙ ምልክታት ኣለው’ዮም፤ እዚኦም ድማ፥
- መብዛሕትኡ ግዜ ቅዲ እቲ መርበብ ሓበሬታ ብኣግባቡ ዝተሰርሐ ዘይመስል እንተዀይኑ
- እቲ ዝጽሑፍ ብኣግባቡ ዘይተሰርዑ ሓሳባትን ንኸተንብቦ ኣጸጋሚ ዝዀነ ሓሳብን እንተሒዙ
- ኣብ ገጽ እቲ መርበብ ሓበሬታ ክኣ ብዙሕ መወዓውዒታት ዝረኣዩ እንተዀይኖም
- ብዛዕባ እቲ መርበብ ሓበሬታ ዝርዝር መብርሂ እንተዘይሃልዩ፡ መላግቦታት እቲ መርበብ ሓበሬታ ሓቀኛን ተኣማንን ናይ ምዃን ዕድሉ ዘጠራጥር ይገብሮ።
ብተዛማዲ ሓቀኛን ተኣማንን ሓበሬታ ዘካፍሉ ሚዲያታት ኣብ ድረ ገጻቶም ማሕበራዊ ሚዲያኦም ከምኡ’ውን ኣብ ዝሰርሑዎም ጸብጻባት ኣዝዮም ኣገደስቲ መብርሂታትን ሓበሬታትን ብግልጺ የቐምጡ እዮም።
እዚኦም፡ ብዛዕባ መንነት እቲ ሚዲያ (ቑጽሪ ስልኪ፣ ኢሜይልን ዝርከበሉ ቦታን ዝምልከት ዝርዝር ኣድራሻ)፣ ምንጪ እቲ ዝሰርሑዎ ጸብጻብ ከምኡ’ውን መንነት ነቲ ሓበሬታ ዝሰርሐ ሰብ ብግልጺ ዘቐምጡ እዮም።
ብሰንኪ ዝርግሐ ናይ ሓሶት ዜናታትን ሓበሬታታትን ዝበጽሕ ዘሎ ክሳራታት ንምንካይ ኣጻረይቲ ሓቂን መርመርቲ ጉጅለታትን ኣብ መርበባት ሓበሬታን ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝርኣዩ ግጉያት ሓበሬታ ንምልላይን ንምቅላዕን ይሰርሑ ኣለዉ’ዮም።
ንስኻትኩም’ውን፡ ኣዝዮም ረዘንትን ብዘእምን ኣቀራርባን ኣብ መርበባት ሓበሬታ እትርኽቡዎም ጸብጻባት ቅድሚ ምእማንኩምን ናብ ካልኦት ምክፋልኩምን፡ እቲ ሓበሬታ ምስ ካልእ ምንጪ ሓበሬታ ከተነጻጽሩዎ፣ ድሕረ ባይታ እቲ ጸሓፊ ከተጻርዩ፣ እቲ ሓበሬታ ዝተዘርግሓሉ ዕለት ክትርእዩ ጽዓሩ።
ኣድራሻ እቲ መርበብ ሓበሬታ ድማ፡ ብhttps:// ‘ዶ ይጅምር ዝብል ብምርግጋጽ፡ ዝርግሐ ግጉይ ሓበሬታ ዝፈጥሮም ዘለው ማሕበረ-ቁጠባውን ፖለቲካውን ስክፍታታት ኣብ ምንካይ እጃምኩም ኣወፍዩ።
ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ
ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::