ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ‘ደብረፅጽዮን ክመርሕ ኣይኽእልን’ ኢሉ ድዩ?

a doctored video claiming President Getachew Reda is accusing Debretsion of inefficacy. 

29 ሓምለ 2016 ዓ.ም

ኣብ ዝሓለፋ መዓልታት፡ ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ፕሬዝደንት እቲ ክልል ነበር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል [ዶ/ር] “ክመርሕ ኣይኽእልን” ኢሉ ዝብል ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቲክቶክን ፌስቡክን ክዘዋወር ተዓዚብና።

እዚ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ቲክቶክ ‘CR7_ethio’ ኣብ ዝተባህለ መጥቃሚ ተሰኒዑ ዝቐረበ ቪድዮ፡ ‘NationalEr Interest’ ዝተባህለ ብብዝሒ ናብ ፖለቲካዊ ረብሓታት ኤርትራ ዘቕንዑ ሓበሬታታት ዘካፍል ናይ ማእከል ፖሊሲን ስትራቴጂካዊ መፅናዕትን ኤርትራ ምዃኑ ዝሕብር ገፅ’ውን ኣብ ፌስቡክ ጠቂዑዎ’ዩ።

እቲ ‘ደብረጽዮን፡ ተጣሒኑ’ውን ክመርሕ ኣይክእልን! –ጌታቸው ረዳ’ ዝብል ጽሑፍ ዘሰነዮ ኣብቲ 89 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለውዎ ናይ ፌስቡክ ገጽ ዝተጠቅዐ ቪድዮ ሓደ ሚሊዮን ሰባት ክርእዩዎ ከለው ልዕሊ 683 ሰባት ናብ ካልኦት ክባፃሕ ገይሮም እዮም።

ኣብዚ ቪድዮ ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ደብረጽዮን “ክመርሕ ኣይኽእልን፤ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ክመርሕ ኣይኽእልን፤ ተጣሒኑ’ውን ክመርሕ ኣይኽእልን” ክብል ይስማዕ።

ይኹን’ምበር፡ እዚ መልእኽቲ ካብቲ ኣቶ ጌታቸው ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ንቴሌቪዥን እቲ ክልል ዝኾነ ድምጺ ወያነ ትግራይ ዝሃቦ ንልዕሊ ክልተ ሰዓታት ዝፀንሐ ፍሉይ ቃለ መጠይቕ ዝተወሰደን ተሰኒዑ ዝተሰርሐን እዩ።

ኣቶ ጌታቸው ኣብቲ ቃለ መጠይቕ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መንጎ ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ [ህወሓት] ኣጋጢሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ውጥጥ፣ ኣብ ዙርያ እቲ ዝመርሖ ግዝያዊ መንግስቲ የጋጥሙ ኣለው ዝበሎም ማሕለኻታት ብዝርዝር ከም ዝተዛረበ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ ከሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ቅድሚ ምምስራቱ ኣብ ዝነበረ መስርሕ ምምራፅ መራሕቲ ተቓውሞታት ይገጥሞ ከም ዝነበረን ኣብ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ኣለው ዝበሎም ላዕለዎት መራሕቲ ዝመርሑዎም ጸለመታት ይፍጸሞ ከም ዝነበረን ጠቒሱ።

“ኣብቲ መረጻ ግዜ ንዓይ ዝምልከት ጥንክር ዝበለ መርገጺ ዝሓዘ ነይሩ፤ ክመርሕ ኣይክእልንን፤ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ክመርሕ ኣይክእልን ኢሉ ዝኣመነ ግን ኣነ ክመርሕ ክሕግዝ ዝግብኦ ቤት ጽሕፈት ዝመርሕ ሰብ። ተጣሒኑ’ውን ክመርሕ ኣይክእልን ዝብል [ነይሩ]” ክብል ተዛሪቡ’ዩ።

እቲ “ክመርሕ ኣይኽእልን” ዝበሎ ውልቀሰብ ግን ብሽም ካብ ምፅራሕ ተቖጢቡ’ዩ።

ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣቦ መንበር ውድብ ህወሓት ኮይኑ ቅድሚ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ፕሬዝደንት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኰይኑ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2015 ዓ.ም ብቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ከም ዝተሾመ ይፍለጥ።

ኣብቲ ግዜ፡ ኣብ መንጐ መራሕቲ ህወሓት ዝተፈጥረ ውሽጣዊ ውጥጥ ምስረታ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ነዊሕ ግዜ ክወስድ ምኽንያት ከም ዝኾኖ ይግለፅ ነይሩ።

ኣቶ ጌታቸው፡ ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክመርሕ ብቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ኣብ ዝተቐበለሉ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ግን፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊኡ ዘነፃፀሩ ፀለመታት ይፍፀም ከም ዝነበረን ባዕሉ ዝመረፆ ካቢነ ሒዙ ክቕፅል ዘኽእሎ ዕድል ከም ዘይረኸበን ገሊፁ።

ሽዑ፡ “ኣብ ውሽጢ ኣመራርሓ ዘለው እናፈለጡዎ ዝተፃሕፈ ፅሑፍ ኣሎ፤ ብሓንቲ መዓልቲ ድማ ካብ ጅግና ናብ ባንዳ ወሪደ” ብምባል ቤት ፅሕፈት ህወሓት ብዝመርሑ ሰባትን ኣብ ውሽጢ ብዝርከቡ ኣመራርሓን ዝፈልጡዎ መጥቃዕቲ ከም ዝመፅኦ ተዛሪቡ’ዩ።

ተመሳሲሎምን ተሰኒዖምን ዝቐርቡ ሓሳባት፡ ምስሊታትን ስእሊታትን ብዘይምክፋልን ብዘይምስዓብን  ካብ ዝርግሐ ናይ ሓሶትን ስኑዓትን ሓበሬታታት ዓርስና ንሓሉ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::