ሽም ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ብምጥቃም ዝተኸፍተ ናይ ሓሶት ኣካውንት ፌስቡክ

A fake Facebook account using the name of General Tsadkan Gebretinsae

22 ሰነ 2016 ዓ.ም

ሽምን ምስልን ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ብምጥቃም ዝተኸፍተ 11 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለዎ ናይ ፌስቡክ ኣካውንት ከም ዘሎ ተዓዚብና።

እዚ ‘General Tsadikan Gebretensae-ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ’ ብዝብል ሽም ዝተኸፍተ ኣካውንት፡ ካብቲ ዝተኸፍተሉ ወርሒ ሰነ 2023 ጀሚሩ ምንቅስቓሳት ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ዝርከቡዎም ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሓበሬታታት የካፍል ምህላው ካብቶም በቲ ገጽ ዝሓልፉ ዘለው መልእኽታት ምግንዛብ ይክኣል።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብቲ ክልል ኣዘራረብቲ ዝዀኑ ዛዕባታት ምምላስ ብሰንኪ ኲናት ካብ ቤት ንብረቶም ዝተመዛበሉ ሰባት፣ ‘ምርግጋጽ ተሓታትነት’ ከምኡ’ውን ምፍታሕ ስግኣታት ጸጥታን ድሕነትን ዝዀኑ ጸገማት ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ኣጀንዳታት ብምልዓል ሓጸርቲ መልእኽቲታት ይሓልፈሉ ዘሎ ገጽ’ዩ።

እዚ ገጽ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ኣብ ቀረባ መዓልታት ብመሰረት ውዕልን መስርሕን ፕሪቶሪያ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ናብ በዓል ዋንኡ ዛበልቲ ድማ ናብ መረበቶም ንምምላስ ኣብ ናይ መወዳእታ ስዓት ንርከብ  ዝብል መልእኽቲ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ጽሑፋት የካፍል ብምንባሩ ሓቃውነቱ ንከነረጋግጽ ብርክት ዝበሉ ተጠቀምቲ ንኢትዮጵያ ቼክ ሓቲቶም ነይሮም’ዮም።

በዚ መሰረት፡ ኢትዮጵያ ቼክ ኣብቲ እዋን ዘዘራረቦ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምኽትል ፕሬዝደንትን ሓላፊ ሴክሬታሪያት ዘይምእኹል ምሕደራን ዴሞክራታይዜሽንን ዝዀነ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ፌስቡክ ከም ዘይጥቀም ኣረጋጊጹ ምንባሩ ይዝከር።

“ፌስቡክ ኣይጥቀምን፤ ኣካውንት’ውን የብለይን። እዚ ገጽ ናተይ ኣይኰነን” ብምባል ብጽሑፍ መልሲ ሂብሉ’ዩ።

ይኹን’ምበር፡ ቁጽሪ ሰዓብቲ እዚ ናይ ሓሶት ገጽ ብምውሳኽ በቲ ናይ ፌስቡክ ኣካውንት ዝሓልፉ ፖለቲካዊ መልኽቲታት ብርክት ዝበሉ ሰባት ‘ሼር’ ብምግባር ናብ ካልኦት የባጽሑ ከም ዘለው ክንዕዘብ ክኢልና ኣለና።

ጀነራል ጻድቃን ኣብ ትግራይ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ጠጠው ንምባል ኣብ ዝተገብረ መስርሕ ሰላም ስምምዕ ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያን ናይሮብን ልዑል ተራ ካብ ሞንጐ ዝነበሮም ፖለቲከኛታትን ወተሃደራውያን ሓለፍትን ሓደ ምዃኑ ይፍለጥ።

ብመሰረት ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ትግራይ መረጻ ክሳብ ዝካየድ ነቲ ክልል ክመርሕ ብ27 መጋቢት 2015 ዓ.ም ስልጣን ኣብ ዝተረከበ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ካቢኔ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ድማ ብደረጃ ምክትል ፕረዚደንት ሓላፊ ሰክሬታርያት ዘይምእኹል ምሕደራን ዴሞክራታይዘሽንን ኰይኑ ተሸይሙ ክሰርሕ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።

ተመሳሲሎም ዝኽፈቱ ናይ ሓሶት ገጻትን ኣካውንታትን ብዘይምስዓብ ካብ ዝርግሐ ናይ ሓሶትን ስኑዓትን ሓበሬታታት ዓርስና ንሓሉ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::