ሽምን ምልክት ንግድን ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ብምጥቃም ዝተኸፈተ ናይ ሓሶት ኣካውንት ቴሌግራም

A fake telegram account opened using the name and trademark of Safaricom Ethiopia

8 ግንቦት 2015 ዓ.ም

ሽምን ምልክት ንግድን ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ብምጥቃም ዝተኸፍቱ ዝተፈላለዩ ናይ ቴሌግራምን ፌስቡክን ኣካውንታት ከም ዘለው ተዓዚብና።

ብፍላይ እዞም ናይ ቴሌግራም ኣካውንታት ሽልማት ዘውህቡ ውድድራት ዝብሉን ካልኦት ናይ ምትላል መልእኽታትን ከም ዘካፍሉ ይርኣዩ።

ካብኦም ሓደ “Safaricom Bonus 1ኛ’ ዝብል ልዕሊ 53 ሽሕ ኣባላት ዘለውዎ ናይ ቴሌግራም ጉጅለ እዩ።

እዚ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት መዓልታዊ ናብቲ ጉጅለ ሓደሽቲ ኣባላት ክጽንበሩ ዝገብሩ ሰባት ናይ ገንዘብን ንዋትን ሽልማታት ከም ዝርኸቡ ዝገልጹ መልእኽታት የሕልፍ።

እንተዀነ፡ እዚ ነቲ ትኽክለኛ መላግቦ ቴሌግራም ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ዝውክል ኣይኰነን።

ኢትዮጵያ ቼክ ቅድም ክብል ኣብዚ ጉዳይ ነቲ ትካል ሓቲቱ ምጽራይ ገይሩ ነይሩ እዩ። በዚ መሰረት፥

ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ኣብ ቴሌግራም https://t.me/Safaricom_Ethiopia_PLC ብዝብል መላግቦ ዝርከብ ኰይኑ፤ https://www.facebook.com/SafaricomET ድማ ትኽክለኛ ናይ ፌስቡክ ገጽ እቲ ትካል እዩ።

ትካል ቴሌኮም ኬንያ ዝዀነ ሳፋሪኮም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ እዩ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ።

ተመሳሲሎም ካብ ዝኽፈቱ ናይ ሓሶት ኣካውንታትን ዘብጽሑዎ ክሳራታትን ዓርስና ንሓሉ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::