ብሽም ‘ኢቢሲ’ ዝተኸፍተ ናይ ሓሶት ኣካውንት ቴሌግራም

A fraudulent Telegram account was created under the name "EBC."

23 ሕዳር 2016 ዓ.ም

ብሽም ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን (ኢቢሲ) ዝተኸፍተ ናይ ሓሶት ቴሌግራም ምህላው ክንርዳእ ክኢልና ኣለና።

እዚ ናይ ቴሌግራም ኣካውንት ‘EBC (Ethiopia Broadcasting Corporation) Chat’ ብዝብል መጥቀሚ ሽም ዝተኸፍተ ክኸውን እንከሎ፡ መለለዪ ምልክት ኢቢሲ ኣይጥቀምን።

እዚ፡ 1891 ኣባላት ዘለውዎ ኣካውንት ክኸውን እንከሎ ብሃገራዊ ማዕኸን ዜና ኢቢሲ ዝተሰርሑ ጸብጻባት ዝካፈለሉን ኣባላት እቲ ጉጅለ ካብኡ ወጻእ ዝዀኑ ርኢይቶታትን ብብዝሒ ዝለዋወጥሉ ምዃኑ ኢትዮጵያ ቼክ ክዕዘብ ክኢሉ ኣሎ።

እዚ ካብቲ ትካል ወጻኢ ዝዀነ ብሽም እቲ ማዕከን ዜና ተመሳሳሉ ዝተኸፍተ ናይ ሓሶት ኣካውንት ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።

በዚ መሰረት፡ ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን ኣብ ቴሌግራም https://t.me/EBCNEWSNOW ብዝብል መላግቦ ዝርከብ ኰይኑ፡ 112 ሽሕን 892 ‘ሰብስክራይበራት’ን መለለዪ ምልክት እቲ ትካል ዘለዎን’ዩ።

https://www.facebook.com/EBCzena?mibextid=ZbWKwL ድማ መረጋገጺ ምልክት ዘለዎ ትኽክለኛ ናይ ፌስቡክ ኣካውንት እቲ ትካል እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ኢቢሲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቲክቶክን ዩትዩብን ዝጥቀም ኰይኑ፡ https://www.tiktok.com/@ebc_tiktok ብዝብል ኣድራሻ ዝርከብ ልዕሊ 128 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለውዎ ናይ ቲክቶክ ኣድራሻ ከም ዘለዎን፡ https://www.youtube.com/c/EBCworld/ ድማ ናይ ዩትዩብ ገጹ ከም ዝዀነ እቲ ትካል ኣብ ፌስቡክ ኣድራሽኡ ዝዝርግሖም ሓበሬታታት የመልክቱ።

ኢቢሲ፡ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ኣገልግሎት ዜናን እዋናዊ ሓበሬታን ዝህብን ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዝድህስሱ ምድላዋት ዘቕርብን ሃገራዊ ትካል ቴሌቪዥን ምዃኑ ይፍለጥ።

ተመሳሲሎም ካብ ዝኽፈቱ ናይ ሓሶት ኣካውንታትን ዘብጽሑዎ ክሳራታት ዝርግሐ ናይ ሓሶትን ግጉይን ሓበሬታን ዓርስና ንሓሉ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::