“ቋንቋ ኦሮምኛ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ክወሃብ’ዩ ዝብል ሓበሬታ ጌጋ’ዩ” – ሰብ መዚ ትግራይ

Misinformation that Oromo language will be taught in Tigray schools

2 ግንቦት 2015 ዓ.ም

‘Toosh Tarree Page’ ዝተባህለ ናይ ፌስቡክ ገጽ መንግስቲ ትግራይ “ካብ ዝቕጽል ዓመት ጀሚሩ ቋንቋ ኦሮሞ ኣብ ኩሎም ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ከም ዝወሃብ ኣፍሊጡ” ዝብል ሓበሬታ ዘርጊሑ ተዓዚብና።

እዚ ልዕሊ 118 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለውዎ ናይ ፌስ ቡክ ገጽ እቲ “ዜና ብስራት!!!” ብምባል ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ብቋንቋ ኦሮምኛ ዝዘርግሖ ሓበሬታ 30 ሰባት ‘ሼር’ ክብሉዎ እንከሎ ካልኦት ብዙሓት’ውን ነቲ ሓበሬታ ናይ ምፍታው ምልክት ኣርእዮምሉ።

‘Toosh Tarree Page’ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ክልላዊ ቴሌቪዥን ትግራይ ብ30 ሚያዚያ 2015 ዓ.ም ሰብ መዚ ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይን ኢንስቲትዩት መጽናዕትን ምርምርን ኦሮሞን ቋንቋን ባህልን ክልቲአን ክልላት ንምዕባይ ብሓባር ንምስራሕ ከም ዝተሰማምዑ ዝገልጽ ሓበሬታ ኣሰንዩ ዝጠቅዖ ምስሊ’ውን ተጠቒሙ ኣሎ።

ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ኣብቲ ክልል ዘለዋ ቋንቋታት ንምዕባይን ንምልማዕን ንዝሰርሕ መንግስታዊ ትካል እዩ።

ኣብዚ ምስሊ ዝርኣይ ዳይሬክተር ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ዶክተር ዳኒኤል ተኽሉ ድማ፡ ቋንቋ ኦሮምኛ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ንክመሃር ናይ ምውሳን ስልጣን ከም ዘይብሉ ብምግላጽ እቲ ሓበሬታ “ፍጹም ጌጋ’ዩ” ክብል ንኢትዮጵያ ቼክ ተዛሪቡ።

ኣብቲ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ምስ ትካል መጽናዕቲ ባህሊ ኦሮሞ ዝነበረ መድረኽ ዘተ “ከምኡ ዓይነት ሓበሬታ ኣይተላዕለን” ዝበለ ዶክተር ዳኒኤል “ብሞያ ክንደጋገፍ፣ እቲ በጺሑና ዘሎ መጉዳእቲ ከሕዊ ብዝኽእል ዓቕሚ ብዘፍቀደ’ውን ናይ ንዋት ደገፍ ንክግበረልና፤ ብኡ ኣቢልና ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ኦሮሞን ትግራይን ዝጸንሐ ሕውነታዊ ርክብ ክጠናኸረሉ ዝኽእል ዕድል ክፈጥር’ዩ ብዝብል ተዛቲና ንቐጻሊ ብሓባር ዘስርሐና ሰነድ ተፈራሪምና ኢና” ኢሉ።

ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶክተር ኪሮስ ጉዕሽ ብወገኑ እቲ ሓበሬታ ግጉይ ምዃኑ ንኢትዮጵያ ቼክ ኣረጋጊጹ።

“ሕዚ ሓድሽ ዓይነት ትምህርት ኣይንውስኽን፤ ተመሃሮ ኣብ ዕድሚኦም ኣብቲ ክበጽሑዎ ዝግባእ ብርኪ ትምህርቲ ንክበጽሑ እቶም ዝነበሩ ዓይነታት ትምህርቲ’ውን ነኪና ኢና ንምህር ዘለና። ስለዚ ሓድሽ እንውስዀ ቋንቋ የለን” ክብል መብርሂ ሂብሉ።

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ድሓር ድማ ኲናት ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት ተቛሪጹ ዝጸንሐ ትምህርቲ፡ ካብ ዝሓለፉ ቀረባ ሰሙናት ክጅምር ከም ዝተገብረ ሓበሬታታት ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል የመልክቱ።

ተዛቢዖም ብጌጋ ካብ ዝቐርቡ ስኑዓት ሓበሬታታት ዓርስና ንሓሉ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::