ኣብ ስፔን ብኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ (AI) ዝተፈጥሩ ምስልታት ዕርቃን ህጻናት ስንባደ ፈጢሮም

18 መስከረም  2016 .

  1. ኣገልግሎት ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝህብ ኤክስ፡ ነቲ ምስ ፖለቲካ ዝተኣሳሰረ ናይ ሓሶትን ግጉይን ሓበሬታርት ሪፖርት ዝግበረሉ ኣገልግሎት ከም ዘቋረጾ ሮይተርስ ሓቢሩ። እቲ ኣገልግሎት ብፍላይ ምስ ምርጫ ዝተኣሳሰር ናይ ሓሶትን ግጉይን ዝተዛብዐን ሓበሬታታት ንምቁጽጻር ኣብ 2022 ናብ ስራሕ ክኣቱ ከም ዝተገብረ ይዝከር። እቲ ኩባንያ ስለ ምንታይ ነቲ ኣገልግሎት ከም ዘቋረጾ ከም ዘይገለጸ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።
  1. ማእከላይ መንግስቲ ህንዲ፡ ናይ ሓሶትን ዝንቡዕን ሓበሬታ ንምቅላስ ዝሕግዝ እማመ የዳሉ ከም ዘሎ ጋዜጣ ሂንዱስታን ታይምስ ሓቢራ። እዚ ‘ዲጂታል ኢንዲያ ቢል’ ዝብል ስያመ ዝተዋህቦ ሓድሽ ሕጊ፡ ምስ ምዕባለ ቴክኖሎጂ ዝተኣሳሰሩ ዝቕልቀሉ ጉዳያት ንምሕዋስ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ነቲ ቅድሚ 23 ዓመት ዝጸደቐ ሕጊ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ዝትክእ ምዃኑ ተገሊጹ። እቲ ሕጊ ናይ ሓሶትን ግጉይን ሓበሬታ ካብ ምክልኻል ብዝሰገረ ኣብ ኢንተርነት ዝፍጸም ምትላል ክዓግት እዩ ተባሂሉ።
  1. ኣብ ደቡብ ስፔን እትርከብ ከተማ ኣልመንድራለጆ፡ ብኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ (AI) ዝተፈጥረ ዕርቃን ህጻናት ደቂ ኣንስትዮ ዘርኢ ምስሊ ብዘይ ፍቓደን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስ ተዘርግሐ ስንባደ ከም ዝፈጠረ ቢቢሲ ሓቢሩ። ክሳብ ሕጂ ካብ 11 ክሳብ 17 ዓመት ዝዕድሚአን 20 ኣዋልድ ግዳያት ናይዚ ተግባር ምዃነን ተገሊጹ ኣሎ፡ ፖሊስ ድማ ነቲ ፍጻመ ይምርምሮ ከም ዘሎ ይንገር።

መላግቦታት ቴሌግራም ኣብዚ ሰሙን ዝሃብናዮ ሓበሬታ

– ኣብ ናይ ሰኑይ መልእኽትና፡ ተራ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ህንጸት ሰላም ዝድህስስ ጽሑፍ ኣንቢብና።

https://t.me/ethiopiacheck/2196

– ኣብ ጎንደር ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ዘርኢ እዩ ብዝብል ዝተዘርግሐ ቪድዮ እውን ፈቲሽና

https://t.me/ethiopiacheck/2197

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::