ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል መስርሕ ምእጋድ ቲክቶክ የሰላስል ኣሎ ድዩ?

Amnesty international called TikTok to ban personalized ads

12 ሕዳር 2016 ዓ.ም

ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ሞንጐ ዝፍነው ማዕከናት ሬድዮ ሓደ ዝዀነ ራድዮ ኤፍ.ኤም መቐለ 104.4 ትማሊ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ማሕበራዊ መራኸቢ ቲክቶክ “ክእገድ መስርሕ ምትእኽኻብ ክታም” የካይድ ከም ዘሎ ሓቢሩ ነይሩ።

እዚ ኣብቲ 28 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለውዎ ናይ ፌስቡክ ገጽ እቲ ትካል ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ ቲክቶክ ኣብ ልዕሊ ሚስጢር ዓማዊሉ ቅሉዕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ሚስጢር ደቂ ሰባት ይፍጽም ምህላው ብምግላጽ “ኣብ ልዕሊ እቲ ማዕከን መስርሕ እግድ የሰላስል ኣለኹ” ክብል ተሓላቒ ሰባዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ገሊጹ ይብል።

ይኹን’ምበር፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብቲ ብኣቆጻጽራ ኣውሮፓ 7 ሕዳር 2023 ዓ.ም፡ እቲ ትካል ተሓላቒ መሰላት ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ‘For You’ ኣብ ዝብል ገጽ ቲክቶክ ትሕዝቶታት ጥዕና ኣእምሮ ዝርእዩ ቈልዑን መናእሰይን ቀልጢፎም ጐዳእቲ ናብ ዝዀኑ ትሕዝቶታት ክስሓቡ ከም ዝኽእሉ የመልክት።

እዚ መጽናዕቲ፡ ኣብ ኬንያ፣ ፊሊፒንስን ኣሜሪካን ዘለው ኣካውንታት ቲክቶክ ቈልዑን መናእሰይን ማእከል ገይሩ ዝተኻየደ መጽናዕቲ’ዩ።

“ኣሰራርሓ ቲክቶክ ምቁጽጻርን ወልፊ ምትሓዝን ዘለዎ ብምዃኑ፡ ተጠቀምቲ ብዝተኻእለ መጠን ንነዊሕ እዋን ኣብኡ ንክጸንሑ ዘቃልዕ እዩ። ብተወሳኺ፡ ትሕዝቶ ዝሓጺ ኣልጎሪዝም እቲ መድረኽ፡ ቅድሚ ሕጂ ብድሆታት ጥዕና ኣእምሮ ንዘለዎም ህጻናትን መንእሰያትን ንኸቢድ ሓደጋታት ጉድኣት ከም ዘቃልዕ የርእዩ” ክትብል ተመራማሪት እቲ ትካል ዝዀነት ሊሳ ዲትመር ገሊጻ።

ብተወሳኺ፡ I feel Exposed”: Caught in TikTok’s Surveillance Web ብዝብል ርእሲ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ፡ ቲክቶክ መሰላት ዝጥሕስ ኣሰራርሓ ምእካብ መረዳእታ ብኸመይ ከም ዝድግፍ የርኢ።

ቲክቶክ፡ ብባህሪኡ ናይ ንግዲ ንድፊ ዘለዎ ብምዃኑ፡ ጐዳእን ተጠቀምቲ ብዛዕብኦም ተወሳኺ ሓበሬታ ንምእካብ ኣብቲ መድረኽ ንክጸንሑ ዝገብርን’ዩ ይብል። ብድሕሪኡ ቲክቶክ ነዚ መረዳእታ ተጠቒሙ ፕሮፋይላት ተጠቀምቲ ይፈጥርን ብዛዕባኦም መደምደምታታት ይህብን።

እዚ ድማ ተጠቀምቲ ብጉጅለታት ብምእካብ ኣዝዩ ብሕታዊ ብዝዀነ ትሕዝቶን መወዓውዒታትን ዒላማ ብምግባር ኣብኡ ንክጸንሑ ይገብሮም ይብል። እዞም ጕጅለታት ነቶም መወዓውዒ ዝሰርሑ ኣካላት ክፉታት ብምግባር ቲክቶክ ብዛዕባ እቲ ተጠቃሚ ዝኣከቦ ሓበሬታን መረዳእታን ምርኵስ ብምግባር ንዝፍነው ፍሉያት ትሕዝቶታት ዝተቓልዑ ይዀኑ።

ቲክቶክ ንህጻናት ሓዊሱ ካብ ተጠቀምቲ መረዳእታታት ብሰፊሑ ከም ዝእክብን ሰባት ንመረዳእትኦም ዝወሓደ መከላኸሊ ከም ዘለዎምን – ብፍላይ ኣብተን ድኹም ምቁጽጻር ዘለወን ሃገራት ዝነብሩ ህጻናት፡ እዚ ድማ ኣብ ዝኸፍአ ምግሃስ መሰል ውልቃዊ ሓበሬታኦም ክወድቁ ከም ዝገብር እዩ ዝጠቅስ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ “ቲክቶክ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ዝዓለመ መወዓውዒታት ብምእጋድ፡ ኣብ ኤውሮጳ ዘለው ጥራሕ መሰላት ኩሎም መናእሰይ ተጠቀምቱ ከኽብር ኣለዎ” ይብል።

ቲክቶክ’ውን ነቲ ‘For You’ ዝብል ትሕዝቶታት መሪጹ ዝሰደሉ መስርሕ ጠጠው ከብሎን ኣብ ክንድኡ ተጠቀምቲ ብሰናይ ፍቓዶም ዝደልዩዎ ትሕዝቶ ክመርጹ ከፍቅደሎምን ክገብር ኣለዎ ዝብል ለበዋ የቕርብ።

ነዚ ስዒቡ፡ ቲክቶክ እዞም ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዒላማ ዝገብሩ መወዓውዒታት ንክእግድን ‘For You’ ብዝብል ሓጻዪ ዝመጽኡ ትሕዝቶታት ጠጠው ከብልን ንምንጋር #FixTikTok ብዝብል ሃሽታግ ዝተዳለወ ጥርዓን ክፍርሙ ይሓትት ከም ዘሎ ብዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘርግሖም ሓበሬታታት የመልክቱ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ቲክቶክ ነዞም ህጹጽ ስጉምትታት መሰል ዘኽብር ንድፊ ንግዲ ክወስድ ክጽውዕ እንከሎ፡ መሰላት ህጻናትን መንእሰያትን ንምሕላውን ንምምላእን ቀያዲ መስርሕ’ውን ከም ዘድልዮ የመልክት። ህጻናት ኣብ ኢንተርነት ውልቃዊ መረዳእታኦም ንከይግሃስ ንምክልኻል መንግስታት “ኩሎም ውልቃዊ መረዳእታ ኣብ ምእካብ ዒላማ ዝገበሩ መወዓውዒታት ብሕጊ ክእግዱዎም” ዝሓሸ ኣማራጺ ምዃኑ’ውን የገንዝብ።

ቲክቶክ፡ ኣየኖት ዓይነት ትሕዝቶታት ከም ዝእገዱን ካብቲ መድረኽ ከም ዝእለዩን ዝቈጻጸረሉ መምርሒ ማሕበረሰብ ከም ዘለዎ ይገልጽ። በዚ መሰረት፡ “ንነብሰ ቅትለትን ነብሰ ምጉዳእን ዘተባብዑን ዘርእዩን ከምኡ’ውን ተዛመድቲ ብድሆታት ጸወታታትን ውዕላትን” ካብቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ይእገዱ ይብል።

ቲክቶክ በብእዋኑ ገምጋማት ጽልዋ ሰባዊ መሰላት ምክያድ ዘጠቓልል መስርሕ ምጽራይ ኣብ ምምዕባል ከም ዘሎ ምግላጹ ድማ እቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ኣሎ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::