ግጉይን ናይ ሓሶትን ሓበሬታ ኣብ ምፍላይ ዝሕግዝ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ

social media discussions during conflict

26 ሰነ 2015 .

በብግዝኡ ኣብ ኢንተርነት ዝውዛዕ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ካብ ሓቂ ንላዕሊ ብቕልጡፍ ከም ዝዝርጋሕን ናብዝበዝሑ ሰባት ከም ዝበጽሕን ናይ ሓሶት ዜና ንኣተሓሳስባና ክጸልዎ ከም ዝኽእልን መጽሔት ሳይንስ ኣድቫንስስይገልጽ።

ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ ልዕሊ 800 ሽሕ ሓደሽቲ ኣካውንታት ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይኽፈቱ።

እዚኦም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ መልእኽታትን ስእልታትን ይጥቅዑ፤ ተጠቀምቲዩትዩብ ድማ ናይ ኣማኢት ሰዓታት ሓደሽቲ ቪድዮታት ይጽዕኑ።

ኣብዚ ብዅሉ ኵርናዕ ማእለያ ዘይብሉ ሓበሬታ ዝዝርሓሉ ግዜ ድማ ግጉይን ናይ ሓሶትን ሓበሬታታት ድማ ድሮኣብ መላእ ዓለም ኣብ ልዕሊ ሚድያታት፡ ፖለቲካን ማሕበራዊ ህይወትን ሰፊሕ ዘይምትእምማን ክፍጠር ይገብሩኣለው።

እዚ ከምኢ እንከሎ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ (AI) ሓበሬታ እንፈጥረሉን እንግምግመሉን ኣገባብ ይቕይሮ ኣሎ።

ከም ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ (AI) ዝኣመሰሉ ሓደስቲ ቴክኖሎጂታት ነቲ ሰባት ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚዲያታትብምጥቃም ብስእሊ፣ ጽሑፍን ምስልን ዝውዝዑዎ ግጉያት ሓበሬታታት ዝያዳ ከጋድዱ ይኽእሉ እዮም ዝብሉስግኣታት ምህላዎም ይፍለጥ።

ብቴክኖሎጂ ሰብ ሰርሖብልሒ (ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ) ዝተመስርሑ ትዊታት ዝያዳ ካብቶም ብደቂ ሰባትዝጽሓፉ ትዊታት ዝእመኑ ኰይኖም ይርከቡ ምህላዎም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መጽሄት ሳይንስ ኣድቫንስስዝሓተሞ መጽናዕቲ የመልክት።

ኣብቲ መጽናዕቲ ንቅምሶ ዝተወስዱ ትዊታት ቻትጂፒቲ-3 ብዝተባህለ ቴክኖሎጂ ዝተመስርሑ እዮም።

መዓልታዊ ዝፍጠሩ ዲጂታላዊ ትሕዝቶታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዝፈጥሮስክፍታ ኣዝዩ ዝለዓለ እኳ እንተዀነ፡ እዚ ንምብዳህ ዝሕግዙ ቴክኖሎጂታት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ (AI) ግንበብግዝኡ ክመሃዙ ጸኒሖምን ይምዕብሉ ኣለውን።

1. ፋክቹዋል (Factual)

ፋክቹዋል ተኣማንነት ፍሉያት ዛንታታት ክፈልጡ ንዝደልዩ ተጠቀምቲ ሓበሬታ፣ መተግበሪ፣ ክሮምኤክስቴንሽንን ዌብሳይትን ይህብ።

እዚ ኤኣይ ብሓደ ኣልጎሪዝም ዝሰርሕ ኰይኑ፡ መዓልታዊ ተኣማንነት ልዕሊ 10 ሽሕ ዜናታት ሓበሬታታትይግምግም።

‘Factual’s Chrome’ ዝበሃል ድማ መርበባት ሓበሬታ ብዝርኣኻዮም ቁጽሪ ደረጃ ብምሃብ ኣብ ፍሉይ ኣርእስታትዝቐርቡ ኣዝዮም ተኣማንነት ዘለዎም ጽሑፋት የጉልሕ።

2. ሎጂካሊ (Logically)

እዚ ኣማራጺ ድማ ነጻ መተግበሪ ሞባይልን መርበብ ሓበሬታን ኰይኑ ኣገልግሎት ምጽራይ ሓቅን ምስልንይህብ።

ሎጂካሊሓበሬታታት ንምድላይ ኤኣይ ዝጥቀም ክኸውን እንከሎ ነቶም ነቲ ኣገልግሎት ዝጥቀሙ ንምሕጋዝኣብ ኣጻረይቲ ሓቂ ዝዀኑ ሰባት እውን ይምርኰስ።

እቲ ዝጥቀመሉ ኤኣይ ድማ ውልቃዊ ርእይቶታትን ፍጻሜታትን ንምትንታን ዝተዳለወ እዩ።

ነቲ ዝእክቦ ሓበሬታ ተጠቒሙ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ንዘሎ ሓበሬታን ምርግጋጽን ሓቅነት ንምግምጋም ክኣልዕሊ ሓደ ሚልዮንዶመይናትመርበብ ሓበሬታን መድረኻት ማሕበራዊ ሚድያን ይከታተል።

3. ኣድቨሪፍ.ኤኣይ (Adverif.ai)

‘Adverif.ai’ ናይ ሓሶት መወዓውዒታትንዘይግቡእ ትሕዝቶንንምፍላጥ ዝሕግዝ ብኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስዝሰርሕ ኣገልግሎት እዩ።

ናይ ሓሶት መወዓውዒታት ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ወይ ብኻልእ ሓያሎ ምኽንያታት ጐዳእቲ ክዀኑይኽእሉዮም።

ናይ ሓሶት ዜናውን ብኡ ልክዕ ጐዳኢ እዩ። Adverif.ai ንኽልቲኡ ኣብ ምምካት ዓብዪ ተራ ኣለዎ።

ብሰብ ተሓጊዙ ድማ ብሓደ መላግቦ (ሊንክ) ኣቢሉ ዝመጽእ ንተጠቀምቲ ጐዳኢ ክኸውን ዝኽእል ትሕዝቶንምልላይን ንምሕባርን ይሕግዝ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::