ኮይንኤምቪ (coinmv) መታለሊ ገጽ’ዶ ትኽክለኛ ቢዝነስ?

ኮይንኤምቪ

24 መጋቢት 2015 ዓ.ም

ኣብ ኢንተርነት ምትላል ዝፍጽሙ ሰባት ካብ ዝዀነ ግዜ ንላዕሊ ብብዝሒ ይመጽኡ ኣለው፤ ክሪፕቶከረንሲታት ድማ ነዚኦም ዓብዪ ሓገዝ ይገብሩሎም ኣለው።

ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ ሸርፊ ክሪፕቶ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ተጠላብን ተፈታውን እናዀነ መጺኡ እዩ። ጐና ጐኒ ምስ ክሪፕቶከረንሲ ብዝተሓሓዝ ዝፍጸሙ ምትላላት ቑጽሮም ይውስኽ ኣሎ።

ትካል መርመራ ገበን ኣሜሪካ ኤፍቢኣይ ኣብ ቀረባ ወግዓዊ ኣብ ዝገበሮ ዓመታዊ ጸብጻብ ገበን ኢንተርነት ኣብ 2022 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኣውሮፓ) ኣብ ኦንላይን ብዝተፈጸሙ ምትላላት ልዕሊ 10 ቢሊዮን ዶላር ከም ዝጠፍአ ኣፍሊጡ።

እዚ ኣብ 2021 ዓ.ም ካብ ዝነበረ ክሳራ 6.9 ቢሊዮን ዶላር ወሰኽ 46 ሚኢታዊት ኣርእዩ።
እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ካብ ሞንጐ ዝተፈጸሙ ናይ ኢንተርነት ምትላላት እዚ ዝዓበየ ዓመታዊ ክሳራ ከም ዝዀነ ጸብጻብ እቲ ቢሮ የመልክት።

ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ሰብ መዚ ግብጺ ኣብ ልዕሊ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰብ ሃፍቲ ናይ ኢንተርነት ምትላል ክሪፕቶ ፈጺሞም’ዮም ዝበሉዎም 13 ዜጋታት ወጻኢ ዝርከቡዎም 29 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዘውዓሉ ጸብጻባት የመልክቱ።
እዚ “ሆግፑል” ዝተባህለ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝተመዝገበ ትካል ኰይኑ እቶም ዓማዊል “ብምትላል ምስ ኣጽመዱዎም ጥቕማጥቕሚ ገንዘብ ከም ዝረኽቡ ቃል ኣትዮምሎም ነይሮም” ክብል ዓቃቢ ሕጊ እታ ሃገር ይገልጽ።
እዚ ድረ ገጽ “ካብ ማይኒንግ ክሪፕቶካረንሲ ከምኡ’ውን ኣገልግሎት ንግዲ ዓበይቲ መኽሰባት” ዝብል ቃል ኣትዩ።
ምስ’ዚ ብዝተሓሓዝ ተኸታተልቲ ኢትዮጵያ ቼክ ምስ ክሪፕቶከረንሲ ዝተሓሓዙን ጥርጣረ ክሓድሮም ዝገበሩን ትካላት ከነጻርየሎም ይሓቱ’ዮም።

ካብ ሞንጐ እዚኦም እቲ ሓደ ብ2013 ዓ.ም ከም ዝተጣየሸ ዝገልጽ ‘ኮይንኤምቪ’ (coinmv) ዝተባህለ ትካል’ዩ።
“ህይወት ታሪኽ እቲ ትካል” ኣብ ዝብል ዝተቐመጠ ኣድራሻ ስልኪ ኰነ ኢሜይል ብዘይምህላው እቲ ትካል ብቐጥታ ምርካብ

ኣይተኻእለን።

ኣብቲ ድረ ገጽ ዝሰፈረ “ፍቓድ ንግዲ” ግን እቲ ትካል ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ኮሎራዶ ዝተመዝገበ ከም ዝዀነ የርእይ።
እዚ “ፍቓድ ንግዲ” ግን ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዝኣተወ ምዃኑ ክንግንዘብ ክኢልና ኢና፤ ካብዚ ሓሊፉ ዝተፈላለዩ ናይ ቃላት ጌጋታት ይርኣዩዎ።
እዚ ድማ እቲ ትካል ኣጠራጣሪ ክኸውን ገይሩ’ዩ።

ጉግል ብዛዕባ እቲ ትካል ካብ ሞንጐ ዝህበና ሓሙሽተ ቀዳሞት ውጽኢታት “ኤምቪኮይን – ሕጋዊ ዶ መታለሊ (legit or scam)? ዝብሉ’ዮም።

ገለ ድረ ገጻት ትኽክለኛ ድዮም ኣይኰኑን ዝብል ንምርግጋጽ እንጥቀመሎም ‘ስካምአድቫይዘር’ ከምኡ’ውን ‘ስካም ዲቴክተር’ ድማ ብዛዕባ እቲ ትካል ዝሃቡዎ ትንታነ ንርአ።

ስካምአድቫይዘር ትንተና ኮምፒዩተር ተጠቒሙ ኣብ ዝሃቦ ውሳነ እቲ ትካል ትኽክለኛ ምዃኑ ዘርኢ SSL ሰርተፊኬት (Secure Sockets Layer) ከም ዝረኸበን እቲ ድረ ገጽ ንውሕ ንዝበሉ ዓመታት ዝጸንሐ ምዃኑን ይገልጽ።
እንተዀነ ሓደ ትካል መዓዝ ተመዝጊቡ ዝብል ክንፈልጥ ዝሕግዝ ‘WHO-IS’ መንነት ዋና እዚ ድረ ገጽ ሕቡእ ምዃኑን ኣብ ልዕሊ እቲ ድረ ገጽ ዝቐረቡ ኣሉታዊ ገምጋማት ከም ዘለውን ብምግላጽ ትሕዝትኡ ንክንምርምር ኣይፈቕደልናን ይብል።
ስካም ዲቴክተር ብወገኑ ዶሜይን እቲ ትካል ብ2017 ዓ.ም ከም ዝተኸፍተ ብምግላጽ ሪከርድ እቲ ድረ ገጽ ድኹም ምዃኑን ናብ ዘጠራጥሩ ድረ ገጻት ዝጽግዐሉ ዕድል 45 ሚኢታዊት እዩ ይብል።

ብተወሳኺ፡ www.coinmv.com ምስ ፍሉጥ መለዋወጢ ክሪፕቶ ዝተኣሳሰረ ከም ምዃኑ መጠን እቲ ድረ ገጽ ዝተሰርሐሉ ኣገባብ ድኹም ስለ ዝዀነ ተኣማንነቱ ከም ዝስኣነ ብምሕባር ንግዝኡ ኣጠራጣሪ ከም ዝዀነ የርኢ። “እዚ ምስ ኣመሓየሹ እቲ ሓበሬታ ከነመሓይሾ ኢና” ይብል።

እዚ ድረ ገጽ ንክምርምሩ ኢትዮጵያ ቼክ ዘዘራረቦም ሰብ ሞያ ቴክኖሎጂ ብወገኖም እቲ ዌብሳይት ብትኽክለኛ መገዲ ዝተመዝገበ እኳ እንተዀነ እቲ “ናይ ኮይን” ቢዝነሶም “ስካም” ምዃኑ ዘርኢ’ዩ ዝብል ግምት ኣለዎም።
“መታለሊ ናይ ምዃን ልዑል ዕድል ኣለዎ” ዝብል በዓል ሞያ ክሪፕቶካረንሲ ኣብነት ተፈራ ምስዚ ብዝተሓሓዝ ዝለዓሉ ብርክር ዝበሉ ሓደጋታት ክህልው ይኽእሉ’ዮም ክብል ይዝርዝር።

እቲ ሓደ፡ እቶም ዝተዓዳደጊ ሰባት መዓልታዊ ንቑጛት ተጠቀምቲ ኣብ ዘለውሉ ልውውጥ ክጥቀሙ ምድላዮም ኰይኑ ናይ ውልቂ መፍትሕ ተጠቀምቲ ወይ ድማ ዋና መፍትሕ እቲ ልውውጥ ዘይምዃኖም ድማ ካልእ ምኽንያት ከም ዝዀነ የረድእ።
እዚ ማለት በቲ ካልእ ሸነኽ ዘለው እቲ ዕዳጋታት ዝከታተሉ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ክሪፕቶ እቲ ተጠቃሚ ክርእዩን እቲ ክሪፕቶ ብድሕሪት ክረኽቡዎን ከውጽኡዎን ይኽእሉ (ንኣብነት መለዋዋጢ ካናዳ FTX ዝዀነ ‘Quadriga’ 190 ሚሊዮን ዶላር ተጠቀምቲ ካናዳ ሒዙ ጠፊኡ’ዩ)።

ብኻልእ ወገን ሕጋዊ እንተዀኑ’ውን ኣብ ዝዀነ እዋን ከታልሉን ገንዘብ እቶም ተጠቀምቲ ሒዞም ክጠፍኡ ከም ዝኽእሉን እቶም ሰብ ሞያ የረድኡ።

ካብዚ ሓሊፉ ዘይተፈልጡ ልውውጣት ኣብ ዙርያ ድሕነት ዝለዓለ ደረጃ የብሎምን።
“እዚ ትካል ድማ ዋላ’ውን ሕጋዊ እንተዀነ እቲ ናይ ገንዘብ ልውውጥ፣ ዕምቈት ዕዳጋ፣ ዝርግሕኡን ክፍሊታት ዕድጊትን መሸጣን ኣይፍለጡን። ኣየናይ በዓል መዚ ቑጽጽር ፍቓድ ከም ዝሃቦም ኣይንፈልጥን፤ ድጋፍ ዓሚል (custom support) ከም ዘለዎም እኳ ኣይንፈልጥን” ይብል ኣብነት።

ክሪፕቶካረንሲ ብሓጺሩ ዘይድህሰስ ዲጂታላዊ ባጤራ እዩ። እዚ ድሕንነት ልውውጥ ገንዘብ ዘረጋግጽ፣ ምፍጣር ተወሳኺ ኣሃዱታት ዝቈጻጸርን ምትሕልላፍ ገንዘብ ዘረጋግጽን ጽኑዕ ‘ክሪፕቶግራፊ’ ዝጥቀም መሳርሒ ሸርፊ ክኸውን ዝተዳለወ ዲጂታላዊ ባጤራ እዩ።

መዓልታዊ ንጡፋት ተጠቀምቲ ክሪፕቶ ኣብ ዘለውሉ ምሻጥን ምግዛእን ሓፈሻዊ ሕጊ ክሪፕቶ ምዃኑ ዝገልጽ ኣብነት ጥሕሰት ሓበሬታ ንከየጋጥም ድሕነት ተጠቀምቲ ንምሕላው ልዑል ንውሓት ዘለዎም ስጉምታት ድሕነት ኣብ ዘለወሉ ልውውጥ ንተዓዳደግ ክብል የረድእ።

ከም (Binance)፣ ክራከን (Kraken)፣ ቢንግ ኤክስ (Bing X)፣ ባይቢት (Bybit)፣ ዴልታ (Delta)፣ ኮይንቤዝ (Coinbase)፣ ኦኬኢኤክስ (OkEx)፣ ቢትሜክስ (Bitmex)፣ ጌት ኣይኦ (gate io)፣ ዊቡል (WeBull) ሕጋዊ’ዮም ክብል ይጠቅስ።
ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ባይናንስን ቢንግ ኤክስን ዝጥቀሙ ኰይኖም ባይቢት ተመራጺ ክሪፕቶ ምዃኑ ኣብነት ይዛረብ።
ብምኽንያት እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ምኽንያታት ግን Binance፣ Bing X ከምኡ’ውን Bybit ክጥቀሙ ይመክር።
ሒደት ሃገራት ቢትኮይን ሕጋዊ መተዓዳደጊ ክኸውን ገይረን እየን። ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ብፍላይ ሃገራት ምዕራብ ሕጋዊ ኰይኑ የገልግል ኣሎ።

ከም ቦሊቪያ፣ ቻይና፣ ኢራንን ኮሎምቢያን ዝበላ ሃገራት ግን ቢትኮይን ከልኪለን ወይ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ኣዊጀን እየን።
ኣብ ኢትዮጵያ እዚ ኣገባብ መተዓዳደጊ ምጥቃም ሕጋዊ ኣይኰነን። ሃገራዊ ባንክ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከም ቢትኮይን ዝበሉ ክሪፕቶከረንሲታት ኣብ ዕዳጋታት እታ ሃገር ምጥቃም ኣፍልጦ ኣይተዋህቦን ብምባል ኣብ ረብሓ ከይውዕል ከልኪሉ’ዩ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::