ኣብ ትሕቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝወሃቡ ርእይቶታት ምንባብ ሓቀኛ ሓበሬታ ንምርካብ ዘለዎ ግደ

01 ጷጉሜ 2015 ዓ.ም

ገለ ካብቲ ኣብ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢታትና እንርእዮም ሓበሬታታት ሓቃውነቶም ስለ እንጠራጠር ደው ኢልና ክንሓስብ ይገብሩና፤ ስለ ዝዀነ ድማ እቲ ሓቂ ኣየናይ ዝብል ንምፍላጥ ጥሙሕ ይሓድረና እሞ ብዙሕ ቦታታት ንድህስስ።

ነዚ ድማ ትካላት ሚዲያን ሓበሬታ ዘጻርዩን ንድህስስ፤ ንድሕሪት ተመሊስና መረዳእታ ክንረክብ ዝሕግዙና ናውታትን ካልኦት ቴክኖሎጂታትን ንጥቀም፣ ፈተውትናን እንፈልጦምን ሰባት ንሓትት።

ከምዚ ዝኣመሰለ ጻዕሪ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ሓቀኛ ሓበሬታ ይመርሓና። ኣርሒቕና ክንጥምት ምኽኣልና ሓቂ ካብ ዝንቡዕ ሓበሬታ ክንፈሊ የኽእለና።

ሓሓሊፉ ግን ብዙሕ ርሕቐት እንከይኸድና እቲ ሓቂ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተኻፈለ ትሕዝቶ ዘሎ ርእይቶታት (comments) ክንረኽቦ ንኽእል።

ብፍላይ እቲ ዝካፈል ትሕዝቶ ስግኣት ዝመልኦ፡ ስምዒታዊ ዝገብር፡ ትኹረት ብዙሓት ዝስሕብ እንተዀይኑ ኣብ ትሕቲኡ ዝተዋህቡ ርኢይቶታት ምንባብ እቲ ሓቂ ንምፍላጥ ዓብዪ ሓገዝ ኣለዎ።

ኣብ ታሕተዋይ ትሕዝቶ ካብ ዝተውሃቡ ርኢቶታት ነቲ ዝተኻፈለ ሓበሬታ ናይ ሓሶት ምዃኑ ብጭብጢ ኣሰንዮም ዝሟጐቱ፣ ብመንጽር እቲ ሓበሬታ ዓውዳዊ ትሕዝቶ (context) ዝውስኹ፣ እቲ ዝተኻፈለ ምስሊ ዝጸንሐ ወይ ካብ ካልእ ቦታ ዝተወሰደ ምዃኑ ዘቃልዑ፤ ናብ ሓቀኛ ሓበሬታ ዝወስድ መላግቦታት (links) ዘካፍሉ፣ እቲ ትሕዝቶ ዘካፈለ ኣካውንት ተመሳሲሉ ዝተኸፍተ ምዃኑ ዝምስክሩ ሰባት ክንረክብ ንኽእል ኢና።

ኩሉ ግዜ ካብቶም ርእይቶ ዝህቡ ሰባት ተሳተፍቲ ናይቲ ተግባር፡ ኣብቲ ተግባር ዝተፈጸመሉ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት፡ ምስ ተሳተፍቲ ናይቲ ተግባር ዝቐርቡ፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ሓበሬታ ዘለዎም ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ክንሓስብን ክንግምትን ይግባእ።

ሓሓሊፉ እውን ግብረ መልሲ ናይቶም ብቐጥታ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ሰባት ዝህቡዎ መልሲ ክንርኢ ንኽእል።

ስለዚ ኣብ ትሕቲ ኣብ ፌስቡክ፡ ዩትዩብ፡ ቲክቶክ፡ ቴሌግራም፡ ኤክስ-ትዊተርን ካልኦት ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዝካፈሉ ትሕዝቶታት ዝጽሓፉ ርእይቶታት ምንባብ፡ ሓቀኛ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ክሕግዘና ይኽእል።

ናይ ሓሶትን ግጉይን ሓበሬታ ብምቅላዕ፡ ዓውዳዊ ትሕዝቶ ብምውሳኽ፡ ናይ ጽልኢ መልእኽታት ሪፖርት ብምግባር እውን እወንታዊ ኣበርክቶ ክንገብር ንኽእል ኢና።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::