ባንክ ንግዲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ካብ ሕሳብ ዓማዊል ዝፍጸም ጕሕለት ዘካፈሎ ሓበሬታ

07 ሰኔ 2015 ዓ.ም

ባንክ ንግዲ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ነቲ ባንክ መሲሎም ስልኪ ብምድዋልን ቲክቶክ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ድረ-ገጻት ተጠቒሞም ካብ ሕሳብ ባንክ ዓማዊሉ ጕሕለት ዝፍጽሙ ኣካላት ከም ዘለው ሓቢሩ።

እዞም መታለልቲ ካብ ሞንጐ ዝጥቀሙሎም ግጉያት መልእኽታት ድማ እዞም ዝስዕቡ ይርከቡዎም ይብል፤

  • እቲ ባንክ ብሞባይል ባንኪንግ ኣገልግሎት ልቓሕ ምሃብ ስለ ዝጀመረ ዝስዕብ ‘ኮድ’ ብምእታው ተጠቀምቲ እቲ ኣገልግሎት ኵኑ
  • ኣገልግሎት ባንኪንግ ክንጽግነልኩም ኢና እሞ እቲ እንነግረኩም ቑጽሪ ወይ ‘ኮድ’ ኣእትው
  • ሓበሬታኹም ብትኽክል ስለ ዘይመላእኩም ክነዐርየልኩም
  • ሽልማት ስለ ዝበጽሓኩም እቲ ሽልማት ንክልኣኸልኩም ገንዘብ ኣታዊ ግበሩ
  • ሲስተም ሞባይል ባንኪንግ ‘ኣፕዴት’ ክንገብረልኩም ኢና
  • ናይ ሞባይል ባንኪንግ ከፊትናልኩም ኣለና
  • ባንክና ንተጠቀምቲ ሞባይል ባንኪንግ ክሽልም’ዩ ዝብሉን ካልኦት ተመሳሰልቲ መልእኽታትን ከም ዝርከቡዎም ሓቢሩ።ስለ ዝዀነ ድማ ተመሳሰልቲ መልእኽታት ክበጽሓኩም እንከሎ ናብ ጨንፈር ባንክ ንግዲ ኢትዮጵያ ብምኻድ ወይ’ውን ናብ 951 ብምድዋል እቲ ዝበጽሓኩም ዘሎ ሓበሬታ ትኽክል ምዃኑ ቅድሚ ምርግጋጽኩም ዝዀነ ዓይነት ስጉምቲ ከይትወስዱ ነተሓሳስብ ክብል እቲ ባንክ መዘኻኸሪ ገይሩ ኣሎ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::