‘እዚ ጕዳይ ኣብ ዝዀነ መድረኽ ኣልዒለዮ ኣይፈልጥን’ – ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንኢትዮጵያ ቼክ

4 ሓምለ 2016 ዓ.ም
ሎሚ፡ ፕሬዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ኣኼባ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት መንቀሊ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ‘መረጻ ትግራይ’ እዩ ክብል ተዛሪቡ ብዝብል ዝተጠቅዐ ሓበሬታ ተዘርጊሑ ነይሩ።
እዚ ኣብ ፌስቡክ ልዕሊ 130 ሽሕ ሰዓብቲ ብዘለውዎ ‘ባሻ ደስታ’ ዝብል መጥቀሚ ኣካውንት ዘለዎ ደስታ ገ/ሃዋርያ ዝተባህለ ውልቀሰብ ዝተጠቅዐ ሓበሬታ ኣቶ ጌታቸው ረዳ “ኲናት (እቲ ጄኖሳይድ ማለት’ዩ) ዝተፈጸመልና መሰልና’ዩ ኢልና መረጻ ስለ ዘካየድና’ዩ። ሕዚ’ውን መሰልና’ዩ ኢልና ጕባኤ እንተኣካይድና ኣብ ኲናት ከእትወና ይኽእል’ዩ” ክብል ከም ዝተዛረበ ይገልጽ።
እዚ ድማ፡ ኣብ ኣኼባ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ከም ዝተዛረቦ ጠቒሱ።
ነዚ መበገሲ ብምግባር፡ እቲ ጸሓፊ ብሽም ዘይጠቐሶም መራሕቲ ብጕባኤ ዘይኰነ ብሕጊ ክሕተቱ ኣለዎም ብምባል፡ ህዝቢ “መሰሉ ብዝሓተተ ቁጽሪ ‘ኲናት ከይኽፈተልካ’ እናበሉ” ብምፍርራሕ ሸኽሚ ህዝቢ ኰይኖም ክነብሩ’ዮም ዝደልዩ ብምባል ይኸስስ።
ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ጽልዋ ካብ መንጐ ዘለዎም ተጠቀመቲ ሓደ ዝዀነ ደስታ ገ/ሃዋርያ፡ ነዚ ዘቕረቦ ክሲ ብመርትዖ ኣየሰነዮን፤ ስእሊ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብምጥቃም ግን ነቲ ርእሰ ምምሕዳር ይነቅፍ።
እዚ ጽሑፍ ክሳብ ሕጂ 97 ሰባት “ሼር” ብምግባር ናብ ካልኦት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ከባጽሑዎ እንከለው፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ጽሑፍ ልዕሊ 500 ርኢይቶታት ተዋሂቦም ኣለው።
ኣብ ወግዓዊ ገጽ ፌስቡክ ውድብ ህወሓትን ካልኦት ማዕከናት ሓበሬታን ግን፡ ነቲ ኣቶ ጌታቸው ኢሉዎ ዝተባህለ ሓሳብ ዘረጋግጹ ሓበሬታታት ከም ዘየለው ክንዕዘብ ክኢልና ኢና።
ኣብዚ ጕዳይ ርኢይቶ ክህብ ኢትዮጵያ ቼክ ዝተወከሶ ፕሬዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ’ውን፡ “እዚ ጕዳይ ኣብ ዝዀነ መድረኽ ኣልዒለዮ ኣይፈልጥን” ብምባል ስኑዕን ናይ ሓሶት ሓበሬታን ከም ዝዀነ ኣረጋጊጹ።
ህወሓት ብ27 ሰነ 2024 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኣውሮፓ] ብፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ማእከላይ ኮሚቴ እቲ ውድብ ኣብ ውሽጡ ዘጋጠሙ ጸገማትን ብድሆታትን ዝምልከት ገምጋማት ከም ዘካየደ ሓቢሩ ነይሩ። እንተዀነ፡ ዝርዝር ኣብቶም መድረኻት ዝተልዓሉ ሓሳባት ኣየቐመጠን።
ብተወሳኺ ኣኼባ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ክካየድ ከም ዝቐነየ ክግለጽ ጸኒሑ ኣሎ።
ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲታት ብወግዓዊ ገጽ ፌስቡክ እቲ ውድብ ዝወጽአ ሓበሬታ ኣብ ዝሓለፈ ሮቡዕ መድረኽ ላዕለዎት ኣመራርሓ ክካየድ ከም ዝቐነየን ብምኽንያት እቲ ኣብዚ ሰሙን ዝተኻየደ ካልኣይ ዙርያ ገምጋም ኣፈጻጽማ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ተቛሪጹ ዝነበረ ኣኼባ ሎሚ ዓርቢ ክቕጽል ምዃኑን የመልክት።
ድሕሪ’ዚ “መበል 14 ጉባኤ ኣብ ቀረባ እዋን ክካየድ” ምዃኑ ይሕብር።
ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ዝተፈጥረ ውጥጥ ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመታት ዝዘለቐ ደማዊ ኲናት ከም ዝተኻየደ ይፍለጥ።
እዚ፡ ምኽንያት ሞት ኣማኢት ኣሽሓትን ምምዝባልን ሚሊዮናትን ከም ዝዀነ ክግለጽ እንከሎ እቲ ኲናት ደው ንምባል ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ከም ዝተፈረመ ይዝከር።
ኣቶ ጌታቸው ረዳ ድማ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2015 ዓ.ም ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኰይኑ ተሸይሙ።
ፖለቲካ ትግራይ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ምዕባለታት ዝርኣዮ ኰይኑ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ተመሳሳሎም ብዝኽፈቱ ናይ ሓሶት ገጻትን ኣካውንታትን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘቕንዑ ግጉያት ሓበሬታታት ክመሓላለፉ ጸኒሖም’ዮም።
ኵል ግዜ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ብዘይምስዓብ ካብ ዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ዓርስና ንሓሉ።
ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ
ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::