‘ዲፕፌክ’ – እቲ ገጽ ብምቅይያር ናይ ሓሶት ምስልታት ዝሰርሕ ቴክኖሎጂ

ኩሎም ኣብ መርበባት ሓበሬታ እንረኽቦም ጸብጻባት ሓቂ ድዮም?

14 ግንቦት 2015 ዓ.ም

‘ዲፕፌክ’ ሓደ ዓይነት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኰይኑ ክውንነታዊ ናይ ሓሶት ቪድዮታት ንምፍጣር ዝውዕል ‘Deep learning’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰብ ሰርሖ ብልሒ ዝጥቀም ውጽኢት ኮምፒዩተር እዩ።

ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ዝዀነ ሰብ ናይ ሓሶት ምስልታት፡ ድምጽን ቪድዮን ስነ-ጥበባዊ ኰነ ፖለቲከኛ ከምኡ’ውን ዘእምን ነቲ ግሃዳዊ ዝመስል ጽሑፍ ናይ ምፍጣር ዓቕሚ ሂቦምዎ ኣለው።

እዚ ድማ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ (ሰብ ሰርሖ- ብልሒ) ዝተመስርሐ ስነ ጥበባዊ ስረሓት፣ ስነ ጽሑፍ፣ ሙዚቃ ኰነ ስእሊ እናወሰኸ ንክመጽእ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።

ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ኣፍቀርቲ ሙዚቃ ኣብ ብርክት ዝበሉ መድረኻት ማሕበራዊ ሚዲያ ብዝተፈነወ ደርፊ “Heart on My Sleeve” ኣዝዮም ተገሪሞም’ዮም።

እዚ ሙዚቃ ኮኸባት ፖፕ ድሬክን ኣቤል ተስፋየን ድማ ካብቶም በዚ መገዲ ነቶም ደረፍቲ ክመስል ተገይሩ ተሰሪሑ ግን ድማ ልዕሊ ናታቶም ክእለት’ውን ክርኣየሉ ዝኽኣለ እዩ።

እዚ ከም ኣብነት ብምውሳድ ብኤኣይ ዝተሰርሐ ቪድዮ ሓደ ሰብ ብጭቡጥ ፈጺሙ ዘይገበሮ ነገር ከም ዝውዓሎ ንምእማን ዝዓለመ እዩ ክንብል ንኽእል። ናይዚ መጸውዒ ቃል ድማ ‘ዲፕፌክ’ ይብሃል።

‘ዲፕፌክ እንታይ’ዩ?

‘ዲፕፌክ’ ሓደ ትኽክለኛ ገጽ ምስ ካልእ ብኮምፒዩተር ዝማዕበለ ተመሳሳሊ ገጽ ክትካእ ዝገብር ሶፍትዌር እዩ።

እዚ ማለት፡ ዝዀነ ኣብ ግሃድ ዘየጋጠመ ክስተት ከም ዝተፈጥረ ዕላማ ገይሮም ገጽን ድምጽን ዝዀነ ውልቀሰብ ንኮምፒዩተር ብምምሃር ዝፍጠሩ ናይ ሓሶት ቪድዮታት እዮም።

ነዚ ብቕልል ዝበለ መገዲ ንምርዳእ፡ ዲፕፌክ ሓደ ዓይነት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኰይኑ ክውንነታዊ ናይ ሓሶት ቪድዮታት ንምፍጣር ዝውዕል እዩ።

ዲፕፌክ (DeepFake) ዝሰርሑ ሰባት፡ ‘ዲፕ ለርኒንግ’ ዝበሃል ዓይነት ሰብ ሰርሖ ብልሒ (ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ) ተጠቒሞም ዝሰርሑዎ ምስሊ ናይ ሓሶት ፍጻመታት እዩ።

እዚ ቴክኖሎጂ፡ ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ተጠቒሙ ገጽ ሓደ ሰብ ብምልውዋጥ ወይ ብዲጂታል መገዲ ገጽ ብምቕያር ሙሉእ ንሙሉእ ልበወለዳዊ ዝዀነ ምስልታት ይፈጥር።

እቲ ውጽኢት ኣዝዩ ዘእምን ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ኣዝዩ ዝተራቐቐ እናዀነ ይኸይድን ኣየናይ’ዩ ሓቂ ኣየናይኸ ኣትሬፊሻል ንምፍላዩ ኣጸጋሚ እናዀነን መጺኡ ኣሎ።

ነዚ ስዒቡ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ብኸመይ ክንቈጻጸሮ ንኽእል ዝብል ሕቶ ኣብ ምልዓል ክሳብ ዝበጽሕ ንክውንነት ኣብ ምምሳል ብቕልጡፍ ይመሓየሽን ይዓብን ኣሎ።

ዲፕፌን ንምንታይ ዕላማ ይውዕል ኣሎ?

መብዛሕትኡ ግዘ፡ ካብ ፍቓድ ሓደ ውልቀሰብ ወጻእ ዝዀኑ ናይ ሓሶት ቪድዮታት ንምስራሕ፣ ገንዘባዊ ጥቕሚ ንምርካብ ሰባት ንምትላል፣ ኰነ ኢልካ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ንምፍናው፣ ንምዝንጋዕ፣ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ኣገልግሎታትን ምህርታትን ንምልላይ ይውዕል።

ቪድዮታት ዲፕፌክ ኣብ ፖለቲካ’ውን ጸላዊ ተራ ክጻወቱ ተራእዮም’ዮም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፕሬዝደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ሰላም ክእውጅ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ትዊተር ተዘርጊሑ ነይሩ።

ሜታን ዩትዩብን ክእለ ዝገበሩዎ ዩክሬናዊ መዘንኡ ቮሎድሚር ዘለንስኪ ንሩስያ ኢዱ ክህብ ዘርኢ ካልእ ቪድዮ’ውን ነይሩ። እዚ ዩክሬናውያን ዕጥቈም ከውርዱ ነቲ ኲናት ድማ “ናይ ቈልዓ ምትንዃይ” ኢሉ ክገልጾ ዘርኢ ቪድዮ፡ ኣብ ትኽክለኛ ናይ ኢንስተግራም ገጹ ተዘርጊሑ’ዩ።

ብ2018 ዓ.ም ንኣብነት ሓደ ፖለቲካዊ ሓይሊ ቤልጅም፡ ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ቤልጅም ካብ ውዕሊ ክሊማ ፓሪስ ንክትወጽእ ዝጽውዕ መግለጺ እናሃበ ዘርኢ ቪድዮ ዘርጊሑ።

ባራክ ኦባማ ንትራምፕ “ፍጹም ዘይበቅዕ” ክብሎ ወይ’ውን ማርክ ዙከርበርግ “ሙሉእ ምቁጽጻር ዝተሰርቐ መረዳእታ ቢሊዮናት ሰባት ኣለኒ” ክብል እናተመክሐ ዘርኢ ቪድዮታት ኣጋጢሞምኩም ክዀኑ ይኽእሉ።

ድምጺ’ውን ዲፕፌክ ክስራሕ ይኽእል’ዩ – ‘ቮይስ ክሎን’ ፍሉጣት ሰባት ብምፍጣር። ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ሓደ ሓላፊ ኣብ ብሪጣኒያ ዝርከብ ጀርመናዊ ትካል ጸዓት ንድምጹ ብዝመሰለ ሓደ መታለሊ ስልኪ ምስ ተደወለሉ 200 ሽሕ ፓውንድ ክኸፍል ተገዲዱ እዩ።

ክኢላታት መድሕን እቲ ኩባኒያ እቲ ድምጺ ዲፕፌክ ምዃኑ እኳ እንተኣመኑ እቲ መርትዖ ግን ንጹር ኣይነበረን። ተመሳሰልቲ ምትላላት ብተደጋጋሚ ብዋትሳፕ ኣብ ዝልኣኹ ናይ ድምጺ መልእኽታት ከጋጥሙ ጸኒሖም’ዮም።

ዝርግሐ ኢንተርነትን ቴክኖሎጅን ኣዝዩ ኣብ ዝማዕበለለን ዓድታት ቴክኖሎጂ ዲፕፌክ ብማሕበረሰብ ውጉዝ ዝዀኑ ከም ካብ ፍቓድ ወጻእ ዝዳለው ቪድዮታት ግብረ ጽዩፍ ዝበሉ ስረሓት ኣብ ምፍራይ ክውዕል ጸኒሑ እዩ።

ከም ጸብጻብ ዲፕትሬስ ዝተባህለ ትካል ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ብኣቆጻጽራ ኤውሮጳ 2019 ዓ.ም ኣብ ኦንላይን ዝተረኽቡ 96 ሚኢታዊት ቪድዮታት ግብረ ጽዩፍ ብዲፕፌክ ዝተሰርሑ ከም ዝነበሩ ይሕብር።

ዲፕፌክ ዝፈጥሮም ዘለው ስግኣታት ናይ ሓሶት ሓበሬታ

ሰባት ገለ ዘስሕቕ ነገር ንምፍጣር ብዝብል ኣብ ሓቂ ዘይተሞርኰሱ ነገራት ሰሪሖም ብዝተፈላለየ መልክዑ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያን ኢንተርነትን የውዕሉዎ’ዮም።

ድሮ ኣብ ምንጭታት ብኢንተርነት ዝቐርቡ ሓበሬታታትን ተኣማንነት ዛንታታን ዝርኣዩ ምጥርጣራት ከምኡ’ውን ምትላላት ኣለው።

ዲፕፌክ ድማ ኣብ ኢንተርነት ዘሎ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ከጋድዶን ተኣማንነት ሓደ ሓበሬታ ክዘርጎን ተኽእሎ ኣለዎ እዩ ክብሉ ሙሁራት ድሕነት ኢንተርነትን ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስን ይገልጹ።

እቲ ቴክኖሎጂ መዓልታዊ ሓደ ቪድዮ ሓቂ ድዩ ኣይኰነን ንምጽራይ ኣጸጋሚ ናብ ዝዀነሉ ደረጃ እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ። ከምዚኦም ዝበሉ ምዕባለታት ድማ ርኡይ ሞራላዊ፣ ማሕበራውን ፖለቲካውን ትርጉም ኣለዎም።

ኣብተን ዝዓበያ ሃገራት፡ ዲፕፌክ ኣብ ዴሞክራሲአን ብፍላይ ድማ ሃገራዊ መረጻታት ሰፍ ዘይብል ጽልዋ ከየሕድር ዓብዪ ፍርሒ ኣለወን።

ክኢላታት ኮምፒዩተር ሳይንስ ድማ እዞም ሓደጋታት ክንምክት ዘኽእሉና ዝተፈላለዩ ኣማራጺታት ክንርእን እዚኦም ኤኣይ’ውን ክመሃር ክንገብርን ይግባእ ይብሉ።

እዚ፡ ምጽራይ ሓበሬታ፣ ዝኰነ ኣብ ህይወትና ወይ መስርሕ ዴሞክራሲ ጽልዋ ከሕድር ዝኽእል ነገር ከይኸውን ምጥርጣርን ኣገዳሲ ከም ዝዀነ’ውን ይምዕዱ።

ስለዚ ሓደ ቪድዮ ስኑዕ ድዩ ኣይኰነን ብኸመይ ይፍለጥ?

  • እዚ ሓበሬታ ኣብ ካልእ ብኸመይ ኣገባብ ቀሪቡ
  • ነዚ ብዛዕባ ዘቃልሕ ዘሎ ትካል ሰሚዕኹም ትፈልጡ’ዶ
  • እቲ ትሕዝቶ ኣብ ወግዓዊ መርብበ ሓበሬታ ዝወጽአ ድዩ [ንኣብነት፡ ብ .com.co ዝውድእ መርበብ ሓበሬታ ዘይእሙን ክኸውን ይኽእል] ዝብሉ ነጥብታት ኣቐድሙ
  • ኣብ ዙርያ ናይቶም ዝተቐያየሩ ገጻት ምዝናፍ ክህሉ ስለ ዝኽእል ብጥንቃቐ ምርኣይ
  • ከምኡ’ውን ጫፍ ፍሕሶታት ጸጉሪ፣ ስኒ፣ መጋየጺታት ነጸብራቕ ክፈጥሩን ግድፈታት ክህልው ስለ ዝኽእሉ፡ ነዚኦም ተገዲስካ ምስትውዓል ከም ዘድሊ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ይመኽሩ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::