ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ‘ኣዋጅ ህጹጽ ግዘ’ ኣዊጁ ድዩ?

Did the Tigray Interim Administration ‘declare a state of emergency?

6 ነሓሰ 2016 ዓ.ም

ምክትል ፕረዚደንትን ሰክሬታሪያት ካቢነ ሰላምን ጸጥታን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ንኩነታት ጸጥታ እቲ ክልል ኣመልኪቱ ዝተፈላለዩ መብርሂታት ዝሃበ ኮይኑ ብፍላይ እቲ ትማሊ ንገለ ክህልው ዝኽእሉ ኽልከላታት ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ ግን የዘራርብ ኣሎ።

ዝተፈላለዩ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ’ውን ኣብ ትግራይ ‘ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ድዩ ተኣዊጁ?’፣ እቲ ተገይሩ ክውሰድ ዝሕሰብ ዘሎ ስጉምቲታት ካብ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ዝፍለ ኣይኮነን . . . ዝብሉ ሕቶታት ከልዕሉን ርኢይቶታት ክህቡን ተዓዚብና።

እቲ ሓላፊ ጸጥታ ካብ መፋርቕ እዚ ወርሒ ጀሚሩ ኣብቲ ክልል ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ ህዝባውን ሃይማኖታውን በዓላት ከም ዝህልው ብምምልኻት ነዚኦም መሰረት ዝገበረ መደባት ከም ዘውጽአ ተዛሪቡ።

ካብ በዓል ኣሸንዳ ጀሚሩ፣ መውሊድ፣ ሓድሽ ዓመት፣ መስቀል፣ ጥምቀት ዝበሉን ድሕሪኡ ዝኽበሩ ሃይማኖታዊ በዓላትን ከም ዘለው ብምልዓል እዚኦም “ብዙሕ ሰብ ዝተኣኻኸበሎም በዓላት እዮም። እዚኦም ድሕነት ተሓልዩ ክኽበሩ ብዘኽእል ምድላው ገይርና ኣለና” ይብል።

ካብዚ ብዝሰገረ ሙሁራት ትግራይ ዝወደቡዎን ዝሳተፍሉን ኮንፈረንስ ከም ዝህሉ ካብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ዝመጽኡ ተወለድቲ እቲ ክልል ዝኾኑ ኣጋይሽ ክኣቱ ትጽቢት ከም ዝግበር ድሮ ኣሸንዳ ዝግበር ሓቢሩ።

ኣብዚ ግዜ “ኣብ ኣዳራሻት ዝግበሩ ኮንፈረንሳት ኣለው’ዮም። መብዛሕትኡ ግን ካብ ገዛ ወጻእ ዝኽበር፡ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ብብዝሒ ዝሳተፋሎም በዓላት ስለ ዝኾኑ ኩሉ ህዝቢ፡ ን24 ሰዓት ጸጥትኡ ውሑስ ኮይኑ ኣብ ዝደልዮ ሰዓትን ቦታን ዝንቀሳቐሰሉ ውሑስ ኩነታት እንፈጥረሉ ምትዕርራይ ገይርና ኣለና” ኢሉ።

መራሕቲ ህወሓት ከካይዱዎ ምስ ዝሕሰብ ዘሎ ጉባኤ ብዝተሓሓዝ ድማ ኣብ ውሽጢ ኣመራርሓ ህወሓት ጸገም ተፈጢሩ ከም ዘሎ ብምጥቃስ እቲ ኣፈላላያት ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ከም ዘለዎ ኣተሓሳሲቡ።

“ኣብ ትግራይ ናብ ጸጥታ ሓደጋ ዝሰጋገር ፖለቲካዊ ወጥሪ ክህሉ የብሉን፤ ክህሉ’ውን ኣይኽእልን። ናብኡ ዝሰጋገረሉ ኵነታት እንተሃልዩ እቲ ናይ ጸጥታ ሓይሊ ስርሑ ክሰርሕ እዩ” ኢሉ።

ካብዚ ሓሊፉ ብድጋፍ ይኹን ብተቓውሞ ዝኾነ ዓይነት ዕግርግር ዝፈጥር ምንቅስቓሳት ከምኡ’ውን ሰልፊ ክካየድ ከም ዘይብሉ ኣጠንቂቑ።

“ክሳብ ዝተወሰነ እዋን ብፍላይ ምስ መቐለ ተኣሳሲሩ ክሳብ በዓል ኣሸንዳ ዝውዳእ ብዙሕ ሰብ ኣብ ደገ ዘኽብረሉ ንጸጥታ ሓደጋ’ውን ከቃልዕ ዝኽእል ኩነታት ክህሉ ስለ ዝኽእል፡ ዝዀነ ጸገም ጸጥታ ክህሉ ኣይንፈቅድን። ዝኾነ ጭርሖ ሒዝካ፡ ካብ ፖለቲካ ወጻኢ ዝኾነ’ውን ጭርሖን መበገሲን ሒዝካ፡ ኣብ ፖለቲካ’ውን ተቓዊምካ ወይ ደጊፍካ ዝግበር ሰልፊታት ኣይንፈቅድን” ይብል።

እዚ ካብ መዓዝ ጀሚሩ ክሳብ ኣየናይ ግዜ ተግባራዊ ዝኸውን ደረታት ከም ዝኾነ ግን ኣየነጸረን።

እንተኾነ “ጸገም ጸጥታ ዘስዕብ ዝኾነ ደራኺ ነገር ክሳብ ዘይሃለወ ኣብ ዝኾነ ቦታ ወይ ኣዳራሽ፡ ዝኾነ ዓይነት ፖለቲካዊ ምይይጥ ክግበር ይክኣል እዩ። ሰላማዊ ክሳብ ዝኾነ ኣብ ዝኾነ እዋን፣ ኣብ ዝኾነ ቦታ፡ ኣብ ዝኾነ ናይቲ ከተማ ክፍሊ ፖለቲካዊ ምይይጥ ኣኼባ ክግበር ይክኣልን’ዩ” ክብል ተዛሪቡ።

እንተኾነ እቲ ሓላፊ ኣብቲ ክልል ‘ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ’ ከም ዝተኣወጀ ብወግዒ ኣይሓበረን።

ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት እታ ሃገር ዝካየዱ ዘለው ጎንጺታት ስዒቡ ማእኸላይ መንግስቲ ዝተፈላለዩ ገደባት ምንቅስቓስን ሰዓት እቶ እቶን ዘካተቱ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ተግባራዊ ክገብር ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።

እዚኦም ምኽንያት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኮይኖም’ዮም ዝብል ነቐፌታ ክለዓል ክገብሩ ምጽንሖም ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ መንግስቲ ድሕነት ዜጋታት ንምሕላው ብዝብል ተግባራዊ ዝገብሮም ከም ዝኾኑ ይምጉት።

ኣብዚ እዋን ብሰንኪ እቲ ኣብ ውሽጢ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ተፈጢሩ ዘሎ ኣፈላላይ ኣብ ትግራይ ቀሊል ዘይብሃል ስግኣት ተፈጢሩ ከም ዘሎ ይግለጽ።

እዚ ብቐንዱ እቲ ህወሓት ኣብ ቀረባ ከካይዶ ዝሕሰብ ዘሎ መበል 14 ጉባኤ ከምኡ’ውን ሕጋዊ መስርሕ ምዝገባ እቲ ውድብ ዘንቀሎ ከም ዝኾነ ዝንገረሉ ውጥጣት ንመሪሕነት እቲ ውድብ ኣብ ክልተ ገሚዑዎ ከም ዘሎ ምግንዛብ ይክኣል።

ብዓርቢ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ነቲ ንኲናት ትግራይ ስዒቡ ሕጋዊነቱ ተሰሪዙ ዝጸንሐ ውድብ ህወሓት ‘ብፍሉይ ኩነታት’ ከም ዝመዝገቦ እኳ እንተኣፍለጠ ህወሓት ‘ዘቕረብኩዎ ካልእ፤ ዝተመለሰለይ ግን ካልእ’ ብምባል ነቲ ውሳነ ከም ዝነጸጎ ይዝከር።

ምስቲ ውድብ ኣብ ውጥጥ ኣትዩ ዝርከብ ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ’ውን ኣብቲ ናብ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ዝጽሓፎ ደብዳበ “እቲ ህወሓት ናብ ቦርድ መረጻ ዘቕረቦ ሕቶ ምዝገባ፡ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ዘይፈልጦ፣ ውልቀሰባት ብጕጅለ ተወዲቦም ዝገበርዎ ዘይግቡእ ተግባር እዩ” ብምባል ነጺጉዎ።

ኣቐዲሙ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ ምስ ተቓወምቲ ውድባት እታ ሃገር ኣብ ዝገበሮ ዘተ ጉዳይ ምዝገባ ህወሓት ዝተለዓለ ኮይኑ ‘ህወሓት ናብ ቦርድ መረጻ ብምኻድ ብሕጋዊ መንገዲ ተመዝጊቡ ወይ ሕጋዊ ፍቓዱ ክምለስ ብምግባር እዩ ጉባኤ ከካይድ ዘለዎ። ከምኡ እንተዘይገይሩ፡ ቦርድ መረጻ ንህወሓት ሕጋዊ ሰልፊ’ዩ እንተዘይኢሉዎ ግን ኣብ መረጻ ክሳተፍ ኣይክእልን፤ መንግስቲ’ውን ክኸውን ኣይኽእልን ምባሉ ይዝከር።

እዚ እንተዘይተፈጺሙ ክፈጥሮ ዝኽእል ወጥሪ ከም ዘሎ ብምምልኻት እዚ ዳግም ናብ ጐንጺ ከየምርሕ ስግኣት ከም ዘለዎ ሓቢሩ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቦርድ መረጻ ንህወሓት ብፍሉይ ኩነታት ከም ዝመዝገቦ እኳ እንተገለጸ እቲ ውድብ ግን ኣይተቐበሎን።

እዞም ምዕባለታት ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዝነብር ህዝብን ነቶም ዝምዕብሉ ዘለው ኩነታት ዝዕዘቡ ዘለው ውልቀሰባትን ኣዝዩ ልዑል ዝክፍታ ዝፈጠረሎም ኮይኑ እቲ ክልል ዳግም ናብ ኲናት ከየምርሕ ስግኣት ብዙሓት ከም ዝኾነ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::