ኣብ ኬንያ ብዛዕባ ጀነቲካዊ ምትዕርራይ ዝተገብረሎም ኣእካል ዝምልከት ዝርግሐ ናይ ሓሶትን ዘይተረጋገጸን ሓበሬታታት ወሲኹ

2 ሰነ፣ 2015 ዓ.ም

  1. ኣብ ኬንያ ብጀነቲካዊ ኣገባብ ዝተቐየረ ዕፉን ናብ ውሽጢ ዓዲ ምእታው ዝምልከት ዝርግሐ ናይ ሓሶትን ዘይተረጋገጹን ሓበሬታታት ከም ዝወሰኸ ተገሊጹ። ብሰንኪ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ደርቂ እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ምፍራይን ምእታውን ጀነቲካዊ ምትዕርራይ ዝተገብረሎም ኣእኻል ዝነበረ እገዳ ኣልዒላቶ እያ። ይኹን እምበር ካብ ፍሉጣት ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ብዝስዓበ ተቓውሞ እቲ ውሳነ ብቤት ፍርዲ ተዓጊቱ ይርከብ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብዚ ዙርያ ብኢንተርነትን ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብን ዝፍጸም ናይ ሓሶትን ዘይተረጋገጸን ሓበሬታ እናወሰኸ ይመጽእ ከም ዘሎ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ። ካብዚኦም እቲ ሓደ ‘ሰብ ዝሰርሖ ብጀነቲካዊ መንገዲ ዝተቐየረ እኽሊ ኣብ ደቂ ሰባት ናይ ጾታ ለውጢ የስዕብ እዩ’ ዝብል ብሳይንስ ዘይተረጋገጸ ሓበሬታ ከም ዘሎ ይግለጽ።
  1. ኣብ ሴራሊዮን፡ ዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ረባ ጽልእን ንምግታእ፡ ኣይ ቬሪፋይ (iVerify) ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ስራሕ ጀሚሩ። እዚ ብማሕበር ጋዜጠኛታት ሴራሊዮንን ኢንዲፔንደንት ራዲዮ ኔትወርክ (IRN) ዝተጀመረ መርበብ ሓበሬታ፡ ምዕሩይ ሃዋህው ዝርግሐ ሓበሬታ ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ከም ዝሕግዝ ይንገር። ብመሰረት መርበብ ሓበሬታ ዩኤንዲፒ እታ ሃገር ኣብዚ ወርሒ ኣብ እተካይዶ ሓፈሻዊ መረጻ ዝርግሐ ናይ ሓሶትን መደናገሪን ሓበሬታ ከምኡ’ውን ዘረባታት ጽልኢ ኣብ ምምካት ኣይ ቬሪፋይ ልዑል ተራ ክህልዎ ተስፋ ተገይሩሉ ኣሎ። ካብዚ ሓሊፉ ኢንዲፔንደንት ራዲዮ ኔትወርክ (IRN) ዝተባህለ መደበር ሬድዮ እታ ሃገር፡ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዘይረኽቡ ዜጋታት እታ ሃገር ብዛዕባ’ቲ መረጻ ጽሩይ ሓበሬታ ንክበጽሖም ይሰርሕ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።
  1. ሕብረት ኤውሮጳ ትካላት ቴክኖሎጂ ኣብቲ ብኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዝስራሕን ኣብ ገጻቶም ዝዝርጋሕን ትሕዝቶ ገላጺ ምልክት ክገብርሉ ሓቲቱ። እቲ ሕብረት ከም ጉግል፤ ፌስቡክ፤ ዩትዩብን ቲክቶክን ዝኣመሰሉ ትካልት ቴክኖሎጂ ብሰብ ሰርሖ ብልሒ ተሰሪሖም ብጽሑፍ፣ ስእልን ምስልን ዝዝርግሑ ትሕዝቶታት ብኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ከም ዝተሰርሑ ዘርኢ ምልክት ንክገብሩ ሓቲቱ ክብል ዶቸ ቨለ ኣብዚ ሰሙን ጸብጺቡ። እዚ ስጉምቲ ኣካል እቲ ሕብረት ዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ንምክልኻል ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።

✅️ መላግቦታት ቴሌግራም ኣብዚ ሰሙን ዘቕረብናዮም ጸብጻባት፡

–   ኣብ መልእኽቲ ሰኑይ፡ እዋናዊ ሓበሬታ ንማዕኸናት ዜና ክበጽሐን ምግባር ስኑዕ ሓበሬታ ንምቅላስ ዘለዎ ሓጋዛይ ተራ ዝምልከት ብቋንቋ ኣፋን ኦሮሞ ዳህሲስና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2026

–  ከምኡ’ውን ግልጽነት ብዝጐድሎም መወዓውዒታት ዕድጊታት ቅድሚ ምትላልና ክንገብሮም ዝግብኡና ጥንቃቐታት ዝጥምት ጽሑፍ ኣቕሪብና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2027

–  ብተወሳኺ ሳዕቤን ኣብ እዋን ጐንጺ ካብ ዓውዲ ወጻእ ብግጉይ መልክዑ ዝቐርቡ ዘጋግዩ ስእልታትን ክግበሩ ዝግብኦም ጥንቃቐታትን ሓበሬታ ኣካፊልና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2028

– ብጸሓይ ምኽንያት ዝፍጠር ጽላሎት ብምስላሕ ስእልታት ብኸመይ ምጽራይ ንኽእል ዝብል መብርሂ’ውን ብቪድዮ ቐሪቡ’ዩ፡

https://t.me/ethiopiacheck/2029

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::