ዘጋግዩ ስእልታት አርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ዝፈጠሩዎ ስግኣት ዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታን መፍለዪ ሜላታትን

Disinformation threats posed by AI generated images

09 ሚያዝያ  2015 ዓ.ም

ግዝኡ ናይ ሰብ ሰርሖብልሒ (አርቴፊሻል ኢንተለጀንስ) እዩ።

ነዚ ድማ ኣብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ዝመጽኡ ዓይነታት ቻትጂፒቲ ወይውን ከም ዲፕፌክ ዝበሉእንደልዮ ሓሳብን ድምጺ ሰብን ዝህቡና መሳርሕታት መርኣዪ እዮም።

ሚድጀርኒ (Midjourney) ዳል (Dall-E) ከምኡውን ዲፕኤአይ ብዝተባህሉ መሳርሒታት ኣርቴፊሻልኢንተለጀንስ ዝስርሑ ስእልታት ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብሰፊሑ ይርኣዩ ኣለው።

ገሊኦም ድማ ንማዕከናት ዜና የጋግዩ ኣለው።

ዝኾነ ኣገልግሎት ኢንተርነት ክረክብ ዝኽእል ሰብ እዞም መሳርሕታት ክርእዮምን ብቐሊሉ ክጥቀመሎምንይኽእል።

ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ድማ መጀመርታ ክትሪኦም እንከለኻ ሓቀኛ ዝመስሉ (ንሓቀኛ ምስልታት ዝጸጋግዑ) ስእልታት ምፍጣር ይክኣል።

መስራቲ ኦፒያን አናላይቲክስ ዘላለም ግዛቸውሚድጀርኒመመንጨዊ ሜላታት (creative methods) ዝጥቀምንሕጂ ይመጽኡ ካብ ሞንጎ ዘለው መሳርሒታት ኤአይ ሓደ እዩ ይብል።

እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ጊዜያት ካብ ዝተሰርሐ ተኽሊ፣ እንስሳ፣ ህንጻ ዝኣመሰሉ ነገራት ክፈሊ ዝሰልጠነቴክኖሎጂቪዡዋል ሪኮግኒሽንብምብጋስ ዝያዳ ዝማዕበሉን ዝሰልጠኑን ኮይኖም ከም ዝተሰርሑ ይገልጽ።

እቲ ቴክኖሎጂ ክዓቢ እንከሎ ክንቅይሮ ኣይንኽእልን ኢሎም ተበጊሶም፤ እዚ ድማ ሙዝ ዝብል ጽሑፍእንተሂብናዮ ሙዝ ይስእልዶ፣    ህንጻ እንተኢልናዮ ስኢሉ ይህበናዮ ኣብ ዝብል ቴክኖሎጂ ተበጺሑ ማለትእዩብምባል የረድእ።

ከም ሚድጆርኒ ዝበሉ መሳርሒታት መመንጨዊ ጥበብ (Generative Art) ዝፈጥሩ ክንስእሎ ወይ ክንፈጥሮእንደልዮ ነገር ብጽሑፍ ተዋሂቡዎ ብመልክዕ ስእሊ ኣዳልዩ ዝህብ እዩ።

ዘላለም እዚ ብቐሊል መገዲ ከረድእ እንከሎ ሓምለዋይ እንስሳ ስኣለለይ ኢሉ ንዝህቦ ሰብ ሰርሖብልሒሚድጀርኒ ዝተፈላለዩ ዓይነታት እንስሳ፣ ሕብሪ ይፈልጥ እዩ፣  ነዚ ናይ ኮምፒዩተር ግራፊክስ ተጠቒሙ ይስእሎማለት እዩ።

ሕጂ ኣብ ዝኾነ ዓይነት ስነ ጥበብ ዘለው ቴክኒካት ሰልጢኑ ዝተራቐቐ ጽንሰ ሓሳብ ክስእል ጀሚሩ ኣሎ። እዚብስልጠና ዝመጽአ እዩ ይብል።

ክኢላ ቪዡዋል አርት ዝኾነ ቢንያም ወንድማገኝ ዝተፈላለዩ ምስልታት ንምስራሕ ሚድጀርኒ ይጥቀሙ ካብሞንጎ ዘለው ኢትዮጵያውያን ሓደ እዩ።

ንዝሓለፉ ትሸዓተ ዓመታት ኣብ ‘Digital Art’ ክሰርሕ ዝጸንሐ  ቢንያም እቲ ቴክኖሎጂ ናይ ፈጠራ ሓሳብ ዘለዎምሰባት መበገሲ ሓሳብ ንምርካብ ይሕዞም እዩ ይብል።

ካብ ቀረባ ጊዜያት ናብዚ ብብዝሒ ዝስርሑ ዘለው ቴክኖሎጂታት ሰብ ሰርሖብልሒ መርኣያ ወዲ ሰብ ዝበጽሖደረጃ ምዕባለ ቴክኖሎጂ እኳ እንተኾኑ ጎናዊ ሳዕቤን ስለ ዘለዎም የስግኣና እዩ ዝብሉ ብርክት ዝበሉ ሰብ ሞያእቲ ዓውዲ ኣለው።   

እዚ ድማ እቶም ቴክኖሎጂታት ብቐሊሉ ኣብ ኢድ ብዙሓት ሰባት  ዝኣትው ስለ ዝኾኑ ንዝርግሐ ናይ ሓሶትሓበሬታ ናይ ምቅላዕ ዕድልና ክብ ክብል ይገብሩዎ ዝብል እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ዘርኢ ብሚድጀርኒዝተመስርሐ ስእሊ ንብዙሓት ከዘራርብ ተራእዩ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ ኣብ ኣውስትራሊያ ከንቲባ ከተማ ኸፕበርን ሻየር ዝኾነ ብሪያን ሁድ ቻትጅፒቲ(ChatGPT) ብናይ ሓሶት ሓበሬታን ምጽላም ሽምን ክኸሶ እየ ምባሉ ተገሊጹ ነይሩ።

ቻትጅፒቲ ብዛዕባ እቲ ከንቲባ ካብ ሞንጎ ዝሃቦም ሓበሬታታ ቅድሚ ዓመታት ብላዕ ብምቕባል ብገበን ተኸሲሱተኣሲሩ ከም ዝነበረ ዝገልጽ ግጉይ ሓበሬታ ይርከቦ።

መስራቲ ኦፒያን ኣናላይቲክስ ዘላለም ዝኾነ ሓሳብ ብጽሑፍ ተዋሂቡዎም ስእሊ ካብ ሞንጎ ዝህቡና ሚድጆርኒንዳል ብዝሰገረ ካብ ጽሑፍ ተበጊሶም ድምጺ ዘውጽእ፣ ዝንቀሳቐስ ነገር ክሰትሕ ዝኽእል ኤአይ ይስራሕምህላው ምስ ኢትዮጵያ ቼክ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት ጠቒሱ።

ብዙሕ ሰዓታት ዝወስዱ ነገራት ብቐሊሉ ኮምፒዩተራት ክሰርሑዎም ይግበር እዩ ዘሎ ዝብል ቢንያም ብወገኑከም ሚድጀርኒ ዝበሉ ቴክኖሎጂታት ዝሰርሑዎም ስራሕቲ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ከምኡውን ምጽራይ ሓበሬታዝሰርሑ ሰብ ሞያ ኣጸገምቲ ዝኾኑ ይመስለኒ።

ምኽንያቱ ኣብዚ እዋን እንርእዮም ነገራት ብሙሉኦም ክንኣምኖም ኣይንኽእልን። ንኣብነት ዲፕፌክ እትደልዮሰብ፣ ከተሕልፎ እትደሊ መልእኽቲ ክትክእ ይኽእል።  ናይ ሰብ መንነት ብምትካእ ግጉይ ሓበሬታ የሕልፍ ማለትእዩይብል።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ናይ ነፍሲ ወከፍና ሓበሬታ ብብዝሒ ኣብ ኢንተርነት (ኦንላይን) ስለ ዘሎ ዝኾነ ሰብነዚ መንነት ብምውሳድ ግጉይ ሓበሬታ ከዳሉን ከሕልፍን ዝኽእለሉ ኩነታት ብምህላዩ እዩ ክብል የረድእ።

ምስ ብዝተሓሓዝ ወትሩ ስግኣታት ኣለው እዮም ዝብል ክኢላ ቴክኖሎጂ ዘላለም ብወገኑ ቅድሚ ሚድጆርኒከም ጉግል ዝበሉ ድረገጻት ምስ መሰል ቅዳሕ ብዝተሓሓዝ ዝጥቀሙሎም ምስልታት ትክክለኛ ከም ዘይኮኑይገልጽ።

እዚኦም ንማርኬቲንግ ዝጥቀሙሎም ስእልታት ሰብ ዝመስሉ እምበር ትክክለኛ ስእልታት ኣይኮኑን።  መብዛሕትኦም ኤኣይ ዘመንጭዩዎም እዮም። ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ እውን ኤኣይ ዘመንጨዮም ጸለውቲኣለው። ግን ኣብዚ ዓውዲ ዘሎ ሰብ እዚ ኣይግንዘቦን ማለት ኣይኮነን፤ ስግኣታት ከም ዘለው ይፍለጥ እዩይብል።

መብዛሕትኡ ተጠቃሚ ንሰብ ሰርሖብልሒ ከምኡውን ካልኦት ውጽኢታት ኤኣይ ሓድሽ ስለ ዝኾነ

እቶም ቴክኖሎጂታት ብዘይኣግባብ ናይ ምጥቃም፣ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ንምዝርጋሕ ኣብ ዝገብሩ ስራሕቲከውዕሉዎም  ከም ዝርኣይ ኢትዮጵያ ቼክ ዘዘራረቦም ሰብ ሞያ ይጠቕሱ።

እዚ ዓርሱ ዝኽኣለ ሓደጋ እኳ እንተሃለዎ ግንዛበ እናዕበየ ክመጽእ እንከሎ፣ ቅቡልነት ሓበሬታ ናይ ምጽራይስራሕቲ እንትዓቢ፣ እቲ ቴክኖሎጂ ንሰናይ ግብሪ ዘውዕሉዎ ሰባት እንተበዚሖም እቲ ሓደጋ ክንኪ እዩ ዝብልእምነት ከም ዘለዎ ቢንያም ይዛረብ።   

እቲ ቴክኖሎጂ (ሚድጀርኒ) ሓድሽ ስለ ዝኾነ ግጉይ ሓበሬታ ምስ ምውዛዕ ብዝተሓሓዝ ብዙሓት ጸገማትክፍጠሩ ይኽእሉ እዮም ዝብል ዘላለም፤  እቲ ቀንዲ ዕላማ ከምኡ ከም ዘይኮነ ምግንዛብ የድሊ ክብል የረድእ።

መብዛሕትኡ ግዜ ከምሚድጀርኒን ዳልኢን ዝበሉ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕልሉ መገዲ እንተርኢና ኣብ ስነ ጥበቡእዩ። ኣብ ግራፊክ ዲዛይን ድማ ዓብዪ ለውጢ የምጽእ ኣሎ። ስእሊ ዘይኽእሉ ግን ጠንካራ ናይ ምሕሳብ ክእለትዘለዎም ሰባት ዘገርም ስእሊ ንምፍጣር ይጥቀሙሉ ኣለው። ንጽቡቕ ነገር ክንጥቀመሉ እንተደሊና  እቲ ኣንፈትእንታይ እዩ ዝብል ምግንዛብ የድሊ እዩዝብል እምነት ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ሰባት ብፍላይ ምስ ስእሊ ፖለቲከኛታት ብዝተሓሓዝ ንዝገጥሞም ጥርጣረ ብቐጥታ እሙናት ምንጪታትሓበሬታ ዝኾኑ ማዕከናት ዜና ብምክትታል ንከረጋግጹ ይምከር።

ኤአይ ዘመንጭዮም ስእልታት መጀመርታ ክንሪኦም እንከለና ሓቀኛ ክመስሉ ስለ ዝኽእሉ ሰብ ሞያ እቶምስእልታት ትኹረት ገይርና ክንዕዘቦም የገንዝቡ።

ርግጽኛታት እንተዘይኮይንና ድማ ምንጪ እቲ ስእሊ ንምርኣይ ጻዕሪ ምግባር ይምከር።

ነዚ ድማ Reverse image search Tineye ከምኡውን Yandex ዝበሉ ብምጥቃም ምርግጋጽ ይከኣል።

ኣብዚ ግዜ ከም ሚድጀርኒን ዳልኢን ዝበሉ ሰብ ሰርሖብልሒታት ዘመንጭዩዎም ምስልታት ዓብዪ ክፍትቶምኣብ ኢድ ስለ ዝኾነ ናይ ኢድ ቅርጺ ልቢ ኢልካ ምርኣይ ሓጋዚ ተራ ኣለዎ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::