ዘጋግዩ ስእልታት አርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ዝፈጠሩዎ ስግኣት ዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታን መፍለዪ ሜላታትን
09 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም
ግዝኡ ናይ ሰብ ሰርሖ–ብልሒ (አርቴፊሻል ኢንተለጀንስ) እዩ።
ነዚ ድማ ኣብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ዝመጽኡ ዓይነታት ቻትጂፒቲ ወይ‘ውን ከም ዲፕፌክ ዝበሉእንደልዮ ሓሳብን ድምጺ ሰብን ዝህቡና መሳርሕታት መርኣዪ እዮም።
ሚድጀርኒ (Midjourney)፣ ዳል– ኢ (Dall-E) ከምኡ‘ውን ዲፕኤአይ ብዝተባህሉ መሳርሒታት ኣርቴፊሻልኢንተለጀንስ ዝስርሑ ስእልታት ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብሰፊሑ ይርኣዩ ኣለው።
ገሊኦም ድማ ንማዕከናት ዜና የጋግዩ ኣለው።
ዝኾነ ኣገልግሎት ኢንተርነት ክረክብ ዝኽእል ሰብ እዞም መሳርሕታት ክርእዮምን ብቐሊሉ ክጥቀመሎምንይኽእል።
ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ድማ መጀመርታ ክትሪኦም እንከለኻ ሓቀኛ ዝመስሉ (ንሓቀኛ ምስልታት ዝጸጋግዑ) ስእልታት ምፍጣር ይክኣል።
መስራቲ ኦፒያን አናላይቲክስ ዘላለም ግዛቸው ‘ሚድጀርኒ‘ መመንጨዊ ሜላታት (creative methods) ዝጥቀምንሕጂ ይመጽኡ ካብ ሞንጎ ዘለው መሳርሒታት ኤአይ ሓደ እዩ ይብል።
እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ጊዜያት ካብ ዝተሰርሐ ተኽሊ፣ እንስሳ፣ ህንጻ ዝኣመሰሉ ነገራት ክፈሊ ዝሰልጠነቴክኖሎጂ ‘ቪዡዋል ሪኮግኒሽን‘ ብምብጋስ ዝያዳ ዝማዕበሉን ዝሰልጠኑን ኮይኖም ከም ዝተሰርሑ ይገልጽ።
“እቲ ቴክኖሎጂ ክዓቢ እንከሎ ክንቅይሮ ኣይንኽእልን‘ዶ ኢሎም ተበጊሶም፤ እዚ ድማ ሙዝ ዝብል ጽሑፍእንተሂብናዮ ሙዝ ይስእል‘ዶ፣ ህንጻ እንተኢልናዮ ስኢሉ ይህበናዮ‘ዶ ኣብ ዝብል ቴክኖሎጂ ተበጺሑ ማለትእዩ” ብምባል የረድእ።
ከም ሚድጆርኒ ዝበሉ መሳርሒታት መመንጨዊ ጥበብ (Generative Art) ዝፈጥሩ ክንስእሎ ወይ ክንፈጥሮእንደልዮ ነገር ብጽሑፍ ተዋሂቡዎ ብመልክዕ ስእሊ ኣዳልዩ ዝህብ እዩ።
ዘላለም እዚ ብቐሊል መገዲ ከረድእ እንከሎ ሓምለዋይ እንስሳ ስኣለለይ ኢሉ ንዝህቦ ሰብ ሰርሖ–ብልሒሚድጀርኒ ዝተፈላለዩ ዓይነታት እንስሳ፣ ሕብሪ ይፈልጥ እዩ፣ ነዚ ናይ ኮምፒዩተር ግራፊክስ ተጠቒሙ ይስእሎማለት እዩ።
ሕጂ ኣብ ዝኾነ ዓይነት ስነ ጥበብ ዘለው ቴክኒካት ሰልጢኑ ዝተራቐቐ ጽንሰ ሓሳብ ክስእል ጀሚሩ ኣሎ። እዚብስልጠና ዝመጽአ እዩ ይብል።
ክኢላ ቪዡዋል አርት ዝኾነ ቢንያም ወንድማገኝ ዝተፈላለዩ ምስልታት ንምስራሕ ሚድጀርኒ ይጥቀሙ ካብሞንጎ ዘለው ኢትዮጵያውያን ሓደ እዩ።
ንዝሓለፉ ትሸዓተ ዓመታት ኣብ ‘Digital Art’ ክሰርሕ ዝጸንሐ ቢንያም እቲ ቴክኖሎጂ ናይ ፈጠራ ሓሳብ ዘለዎምሰባት መበገሲ ሓሳብ ንምርካብ ይሕዞም እዩ ይብል።
ካብ ቀረባ ጊዜያት ናብዚ ብብዝሒ ዝስርሑ ዘለው ቴክኖሎጂታት ሰብ ሰርሖ–ብልሒ መርኣያ ወዲ ሰብ ዝበጽሖደረጃ ምዕባለ ቴክኖሎጂ እኳ እንተኾኑ ጎናዊ ሳዕቤን ስለ ዘለዎም የስግኣና እዩ ዝብሉ ብርክት ዝበሉ ሰብ ሞያእቲ ዓውዲ ኣለው።
እዚ ድማ እቶም ቴክኖሎጂታት ብቐሊሉ ኣብ ኢድ ብዙሓት ሰባት ዝኣትው ስለ ዝኾኑ ንዝርግሐ ናይ ሓሶትሓበሬታ ናይ ምቅላዕ ዕድልና ክብ ክብል ይገብሩዎ ዝብል እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ዘርኢ ብሚድጀርኒዝተመስርሐ ስእሊ ንብዙሓት ከዘራርብ ተራእዩ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ ኣብ ኣውስትራሊያ ከንቲባ ከተማ ኸፕበርን ሻየር ዝኾነ ብሪያን ሁድ ቻትጅፒቲ(ChatGPT) ብናይ ሓሶት ሓበሬታን ምጽላም ሽምን ክኸሶ እየ ምባሉ ተገሊጹ ነይሩ።
ቻትጅፒቲ ብዛዕባ እቲ ከንቲባ ካብ ሞንጎ ዝሃቦም ሓበሬታታ ቅድሚ ዓመታት ብላዕ ብምቕባል ብገበን ተኸሲሱተኣሲሩ ከም ዝነበረ ዝገልጽ ግጉይ ሓበሬታ ይርከቦ።
መስራቲ ኦፒያን ኣናላይቲክስ ዘላለም ዝኾነ ሓሳብ ብጽሑፍ ተዋሂቡዎም ስእሊ ካብ ሞንጎ ዝህቡና ሚድጆርኒንዳል–ኢ ብዝሰገረ ካብ ጽሑፍ ተበጊሶም ድምጺ ዘውጽእ፣ ዝንቀሳቐስ ነገር ክሰትሕ ዝኽእል ኤአይ ይስራሕምህላው ምስ ኢትዮጵያ ቼክ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት ጠቒሱ።
ብዙሕ ሰዓታት ዝወስዱ ነገራት ብቐሊሉ ኮምፒዩተራት ክሰርሑዎም ይግበር እዩ ዘሎ ዝብል ቢንያም ብወገኑከም ሚድጀርኒ ዝበሉ ቴክኖሎጂታት ዝሰርሑዎም ስራሕቲ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ከምኡ‘ውን ምጽራይ ሓበሬታዝሰርሑ ሰብ ሞያ ኣጸገምቲ ዝኾኑ ይመስለኒ።
“ምኽንያቱ ኣብዚ እዋን እንርእዮም ነገራት ብሙሉኦም ክንኣምኖም ኣይንኽእልን። ንኣብነት ዲፕፌክ እትደልዮሰብ፣ ከተሕልፎ እትደሊ መልእኽቲ ክትክእ ይኽእል። ናይ ሰብ መንነት ብምትካእ ግጉይ ሓበሬታ የሕልፍ ማለትእዩ” ይብል።
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ናይ ነፍሲ ወከፍና ሓበሬታ ብብዝሒ ኣብ ኢንተርነት (ኦንላይን) ስለ ዘሎ ዝኾነ ሰብነዚ መንነት ብምውሳድ ግጉይ ሓበሬታ ከዳሉን ከሕልፍን ዝኽእለሉ ኩነታት ብምህላዩ እዩ ክብል የረድእ።
ምስ‘ዚ ብዝተሓሓዝ ወትሩ ስግኣታት ኣለው እዮም ዝብል ክኢላ ቴክኖሎጂ ዘላለም ብወገኑ ቅድሚ ሚድጆርኒከም ጉግል ዝበሉ ድረገጻት ምስ መሰል ቅዳሕ ብዝተሓሓዝ ዝጥቀሙሎም ምስልታት ትክክለኛ ከም ዘይኮኑይገልጽ።
“እዚኦም ንማርኬቲንግ ዝጥቀሙሎም ስእልታት ሰብ ዝመስሉ እምበር ትክክለኛ ስእልታት ኣይኮኑን። መብዛሕትኦም ኤኣይ ዘመንጭዩዎም እዮም። ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ እውን ኤኣይ ዘመንጨዮም ጸለውቲኣለው። ግን ኣብዚ ዓውዲ ዘሎ ሰብ እዚ ኣይግንዘቦን ማለት ኣይኮነን፤ ስግኣታት ከም ዘለው ይፍለጥ እዩ” ይብል።
መብዛሕትኡ ተጠቃሚ ንሰብ ሰርሖ–ብልሒ ከምኡ‘ውን ካልኦት ውጽኢታት ኤኣይ ሓድሽ ስለ ዝኾነ
እቶም ቴክኖሎጂታት ብዘይኣግባብ ናይ ምጥቃም፣ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ንምዝርጋሕ ኣብ ዝገብሩ ስራሕቲከውዕሉዎም ከም ዝርኣይ ኢትዮጵያ ቼክ ዘዘራረቦም ሰብ ሞያ ይጠቕሱ።
እዚ ዓርሱ ዝኽኣለ ሓደጋ እኳ እንተሃለዎ ግንዛበ እናዕበየ ክመጽእ እንከሎ፣ ቅቡልነት ሓበሬታ ናይ ምጽራይስራሕቲ እንትዓቢ፣ እቲ ቴክኖሎጂ ንሰናይ ግብሪ ዘውዕሉዎ ሰባት እንተበዚሖም እቲ ሓደጋ ክንኪ እዩ ዝብልእምነት ከም ዘለዎ ቢንያም ይዛረብ።
እቲ ቴክኖሎጂ (ሚድጀርኒ) ሓድሽ ስለ ዝኾነ ግጉይ ሓበሬታ ምስ ምውዛዕ ብዝተሓሓዝ ብዙሓት ጸገማትክፍጠሩ ይኽእሉ እዮም ዝብል ዘላለም፤ እቲ ቀንዲ ዕላማ ከምኡ ከም ዘይኮነ ምግንዛብ የድሊ ክብል የረድእ።
መብዛሕትኡ ግዜ ከም “ሚድጀርኒን ዳል–ኢን ዝበሉ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕልሉ መገዲ እንተርኢና ኣብ ስነ ጥበቡእዩ። ኣብ ግራፊክ ዲዛይን ድማ ዓብዪ ለውጢ የምጽእ ኣሎ። ስእሊ ዘይኽእሉ ግን ጠንካራ ናይ ምሕሳብ ክእለትዘለዎም ሰባት ዘገርም ስእሊ ንምፍጣር ይጥቀሙሉ ኣለው። ንጽቡቕ ነገር ክንጥቀመሉ እንተደሊና እቲ ኣንፈትእንታይ እዩ ዝብል ምግንዛብ የድሊ እዩ” ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ገሊጹ።
ሰባት ብፍላይ ምስ ስእሊ ፖለቲከኛታት ብዝተሓሓዝ ንዝገጥሞም ጥርጣረ ብቐጥታ እሙናት ምንጪታትሓበሬታ ዝኾኑ ማዕከናት ዜና ብምክትታል ንከረጋግጹ ይምከር።
ኤአይ ዘመንጭዮም ስእልታት መጀመርታ ክንሪኦም እንከለና ሓቀኛ ክመስሉ ስለ ዝኽእሉ ሰብ ሞያ እቶምስእልታት ትኹረት ገይርና ክንዕዘቦም የገንዝቡ።
ርግጽኛታት እንተዘይኮይንና ድማ ምንጪ እቲ ስእሊ ንምርኣይ ጻዕሪ ምግባር ይምከር።
ነዚ ድማ Reverse image search፣ Tineye፣ ከምኡ‘ውን Yandex ዝበሉ ብምጥቃም ምርግጋጽ ይከኣል።
ኣብዚ ግዜ ከም ሚድጀርኒን ዳል–ኢን ዝበሉ ሰብ ሰርሖ–ብልሒታት ዘመንጭዩዎም ምስልታት ዓብዪ ክፍትቶምኣብ ኢድ ስለ ዝኾነ ናይ ኢድ ቅርጺ ልቢ ኢልካ ምርኣይ ሓጋዚ ተራ ኣለዎ።
ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ
ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::