ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ምስ ፕሬዝደንት ባይደን ተራኺቡ ድዩ?

ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ምስ ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ተራኺቡ ድዩ?

21 ሓምለ 2015 .

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኣሜሪካ ምብጻሕ ከካይድ ዝቐነየ ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸውረዳ ምስ ፕሬዝደንት ባይደን ተራኺቡ ዝብሉ ሓበሬታታት ብሰፊሑ ክዝርግሑ ተዓዚብና።

‘Woyanay Tigray Media’ ዝተባህለ 258 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለውዎ ናይ ፌስቡክ ገጽ ዝርከቦም ዝተፈላለዩተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ምስሊ ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ባይደንን ርእሰ ምምሕዳር ጌታቸው ረዳን ዝሓዙመልእኽታት ከሕልፉ ቀንዮም ኣለው።

ብፍላይ ‘Woyanay Tigray Media’ ኣብቲ ልዕሊ 10 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለውዎ ናይ ኢንስተግራም ኣካውንቱውን ነዚምስሊ ብምዝርጋሕ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዎም መልእኽታት ምዝርግሑ ተዓዚብና።

ይኹንምበር ክሳብ ሕጂ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኰነ ቤት ጽሕፈቱ ብዛዕባ እዚ ብወግዒ ዝሃቡዎ ሓበሬታ የለን።

ኢትዮጵያ ቼክ ኣብ ወግዓዊ ገጻት ማሕበራዊ ሚዲያ እቲ ርእሰ ምምሕዳር ከምኡውን ቤት ጽሕፈት መንግስቲኣሜሪካን ፕሬዝደንት ባይደንን ብዝገበሮ ዳህሳስ ኣብ ኣሜሪካ ክልቲኦም መራሕቲ ምርኻቦም ዘረጋግጽሓበሬታ ኣይረኸበን።

ቺፍ ካቢኔ ሴክሬታሪያት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይውን ብዛዕባ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ምስ ፕሬዝደንት ባይደንምርኻቦም ዝፈልጦ ሓበሬታ ከም ዘየለ ብምግላጽከምቲ ዝተባህለ ተራኺቦም እንተዝዀኑ ኣቶ ጌታቸውብትዊተር ሓበሬታ ክህበሉ ነይሩክብል ንኢትዮጵያ ቼክ መብርሂ ሂቡ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ክሳብ ሕጂ ኣብኣሜሪካ ምስ ዝተፈላለዩ ሰብ መዚ መንግስቲ እታ ሃገር ከም ዝተራኸበ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖም ሓበሬታታትእኳ እንተጠቐሰ፡ ምስ ፕሬዝደንት ባይደን ብዛዕባ ምርኻቡ ዝገልጽ ዝዀነ ዓይነት ሓበሬታ የለን።

ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ኮሎራዶ ከተማ ዴንቨር ኣብ ዝተወደበ ጽምብል መበል 49 ዓመትምስረታ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ንምስታፍ ናብታ ሃገር ከም ዝኸደን ምስ ዝተፈላለዩ ተወለድቲ ትግራይከም ዝተዘራረበን ይፍለጥ። ኣብ ጻንሒቱ ምስ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣሜሪካ ይራኸብምህላውውን ይገልጽ።

ኣቶ ጌታቸው ትማሊ 20 ሓምለ 2015 . ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ብሮቡዕ ኣብ ካፒቶል ኣሜሪካ ምስ ኣባልኮንግረስ ብራድ ሼርማን ተራኺቡ ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት እቲ ኣባል ኮንግረስ ዝገበሮ ድጋፍብምምስጋን ህልዊ ኩነታት ትግራይን ጉዳይ ሰብኣዊ ኩነታትን ከም ዘብርሃሉ ሓቢሩ።

ክልቲኦም ሰብ መዚ ኣብ ዙርያ ምቁራጽ ሰብኣዊ ረድኤትን ሳዕቤናቱን ዘለዎም ስግኣትን እቲ ኣገልግሎትምብጻሕ ሰብኣዊ ረድኤት ንምጅማር ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያትን ከም ዝተዘራረቡውን ኣቶ ጌታቸው ኣብ መልእኽቱኣስፊሩ።

ብኻልእ ወገን ኣቶ ጌታቸው ሎሚ ምስ ሴናተር ኒውጀርሲ ኮሪ ቡከር፣ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃማይክ ሃመርን ዝርከቡዎም ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣሜሪካ ከም ዝተራኸበ ገሊጹ ኣሎ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::