ዘረባ ጽልኣትን ናይ ሓሶት ሓበሬታን ኵለ መዳያዊ ድሕነትን ሰላምን ዜጋታትን ሃገርን ኣብ ዘናግዕ ዘሰክፍ ደረጃ ከም ዝርከብ ተገሊጹ

16 ሰኔ 2015 ዓ.ም

  1. ዘረባ ጽልኣትን ናይ ሓሶት ሓበሬታን ኵለ መዳያዊ ድሕነትን ሰላምን ዜጋታትን ሃገርን ኣብ ዘናግዕ ዘሰክፍ ደረጃ ከም ዝርከብ በዓል መዚ መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጵያ ገሊጹ። እቲ በዓል መዚ ዘካየዶ መጽናዕቲ ኣብ ሓሙሽተ ማዕከናት ማሕበራዊ ሚዲያ (ፌስቡክ፣ ቴሌግራም፣ ዩትዩብ፣ ትዊተርን ቲክቶክን) ካብ 23 ታሕሳስ 2014 ክሳብ 23 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም ኣብ ዘሎ ግዜ ዘሎ ዝርግሐ ዘረባ ጽልኣትን ናይ ሓሶት ሓበሬታን ትኹረት ከም ዝገበረ ጠቒሱ። በዚ መሰረት ዝርግሐ ዘረባ ጽልኣትን ናይ ሓሶት ሓበሬታን ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ ምህላው ክርዳእ ከም ዝኽኣለ እቲ ኣብዚ ሰሙን ዝዘርግሖ ጸብጻብ የመልክት። ኣገልግሎት ማሕበራዊ ሚዲያ ዝህቡ ትካላት ኣመልኪቱ ዳህሳስ ዝተገብረሎም ትካላት ማሕበራዊ ሚዲያ ተጠቀምቲ ንመጥቃዕቲ ዘቃልዑ መልእኽታት ካብ ማዕከኖም ንምእላይን ዜጋታት ካብ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ብዘቐምጡዎ መምርሕን ሕግን ግቡእ ስጉምታት ከም ዘይወሰዱ እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ።
  2. ማሕበራወት ኣክሲዮን ብኹሎም ማዕከናት ዜና ዘሕልፉዎም መወዓውዒታት ሕጊ ዝተኸተሉ ክዀኑ ከም ዝግባእ ሚኒስቴር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ገሊጹ። እቲ ሚኒስቴር ምስ በዓል መዚ ዕዳጋ ካፒታል ብምትሕብባር ማሕበራት ኣክሲዮን ብመራኸብቲ ሓፋሽ ዘቃልሑዎም መወዓውዒታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ እዩ ነዚ ዝገለጸ። መወዓውዒታት መሰጣ ኣክሲዮን ብሚዲያን ካልኦት ኣማራጺታትን ናብ ሕብረተሰብ ክበጽሑ እንከለው እቲ ሕብረተሰብ ናብ ዘየድሊ ክሳራ ንከይቃላዕ ሕግን ኣግባብን ተኸቲሎም ክሰርሑ ከም ዝግባእን እቲ ሕብረተሰብ’ውን እዞም መልእኽታት ትኽክለኛ ምዃኖም ኣቐዲሙ ከረጋግጽ ከም ዝግባእን ኣገንዚቡ።
  3. መንግስቲ ኣውስትራሊያ ትዊተር በቲ ማዕከን ማሕበራዊ ሚዲያ ኣቢሎም ዝመሓላለፉ መልእኽታት ጽልኣት ንምቁጽጻርን ንምክልኻልን ዝገብሮ ዘሎ ስጉምቲ ዝምልከት መብርሂ ክህብ ሓቲቱ። ነዚ ግዘ ገደብ ሒደት መዓልታት ዝሃበ ኰይኑ ኣብቲ ዝተጠቐሰ ግዜ ካብ ትዊተር መብርሂ እንተዘይረኺቡ ግን ከቢድ መቕጻዕቲ ከም ዝድንግግ ኣፍሊጡ። እቲ መቕጻዕቲ ድማ ኣብ መዓልቲ 700 ሽሕ ዶላር ኣውስትራሊያ ከም ዝኸውን ኣፍሊጡ።

️∆ መላግቦታት ቴሌግራም ኣብዚ ሰሙን ዘቕረብናዮም ሓበሬታታት፡

– ኣብ ናይ ሰኑይ መልእኽትና ምጽራይ ሓበሬታን ማሕለኻታቱን ዝምልከት ጽሑፍ ኣቕሪብና፡
https://t.me/ethiopiacheck/2039

– ከምኡ’ውን ኢትዮ-ቴሌኮም ኣገልግሎት ጻውዒት ስልኪ ዝህብ ማእኸል ዓጽዩ ብዝብል ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ዳህሲስና፡ https://t.me/ethiopiacheck/2040

– ጉዳይ ናብ ኤምባሲ እስራኤል ንምእታው ተወሳኺ ቘጸራ ሓዙ ዝተባህሉ ሰባት እውን ዳህሲስና፡ https://t.me/ethiopiacheck/2042

– ናይ ድምጻዊ ሚዛን ተስፋይ ኣካውንት ዩትዩብ ዝምልከት ምጽራ ድማ ገይርና:
https://t.me/ethiopiacheck/2043

– ብተመሳሳሊ ብሽም ድምጻዊ ጉቱ ኣበራ ዝተኸፍቱ ኣካውንታት ፌስቡክ ኣጻሪና:
https://t.me/ethiopiacheck/2044

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::