ኢትዮጵያ ኢንተርነት ብምዕጻዋ ጥራይ ልዕሊ 144.8 ሚሊዮን ዶላር ኣታዊ ከም ዝኸሰረት ተገሊጹ

30 ሰነ 2015 .

  1. ኢትዮጵያ ኢንተርኔት ብምዕጻዋ፡ ካብ 9 ለካቲት ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ጥራይ ልዕሊ 144.8 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከም ዝኸሰረት ተገሊጹ። እዚ፡ ምዕጻው ኢንተርነት ዘስዕቦ ቁጠባዊ ጽልዋ ዘጽንዕ ኢንተርነት ሶሳይቲ (Internet Society) ዘውጽኦ ጸብጻብ ምዃኑ ሰሙናዊት ጋዜጣ ካፒታል ሓቢራ። ኣብ ኢትዮጵያ ካብ መጋቢት 2015 ጀሚሩ መተግበሪታት ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ፣ ዩቱትዩብ፣ ቲክቶክን ቴሌግራምን ተኣጊዶም ከም ዘለው ይፍለጥ።
  1. ትማሊ ሜታ ንትዊተር ዝትክእ ሓድሽ መድረኽ ማሕበራዊ ሚድያ ኣላልዩ። እዚ “Threads” ዝበሃል ሓድሽ ማሕበራዊ ሚዲያ ምስ ኢንስታግራም ዝተኣሳሰር ምዃኑ ክንዕዘብ ክኢልና ኣለና። መስራቲ ሜታ ማርክ ዙከርበርግ እውን ትሬድ መድረኽ ሓሳባት ኰይኑ ከገልግል ምዃኑ ገሊጹ። ዋና ትዊተር ኤሎን መስክ ድማ ምስጢራትን መሰላት ምህዞን ብዘይምኽባር ኣብ ልዕሊ ሜታ ክሲ ክምስርት ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።
  1. ሕቡራት ሃገራት ኣብ መፋርቕ ናይዚ ሰሙን ኣብ ኦንላይን ዝፍጸም ናይ ጽልኢ መልእኽታት ንምክልኻልን መፍትሒ ንምሃብን ዘኽእል ሓድሽ ፖሊሲ ወግዓዊ ገይሩ። እዚ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ምጽናት ዓሌት ሕቡራት ሃገራት ወግዓዊ ዝገበሮ ፖሊሲ ኣብ ውሽጢ ሃገራትን ብደረጃ ዓለምን ብኢንተርነት ንዝፍጸም መልእኽቲ ጽልኢ ንምክልኻልን መፍትሒ ንምርካብን ፍሉይ መሳርሒ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጹ።

መላግቦታት ቴሌግራም ኣብዚ ሰሙን ዘቕረብናዮም ጸብጻባት፡

– ኣብ መልእኽቲ ሰኑይ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ንምፍላይ ዝሕግዙ ቴክኖሎጂታት ሰብ ሰርሖ ብልሒ ዝድህስስ ጽሑፍ ኣቕሪብና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2066

– ብሽም ስነ ጥበባዊ ቴድሮስ ካሳሁን (ቴዲ ኣፍሮ) ዝተኸፍተ ስኑዕ ኣካውንት ቲክቶክ’ውን ኣቃሊዕና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2068

– ሜትር ታክሲታት ብዛዕባ ዝኸፍሉዎ ግብሪ ዝምልከት መብርሂ’ውን ኣቕሪብና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2069

– ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ ዘቕረቦ ጸብጻብ ቁጠባዊ ዕብየት ፈቲሽና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2070

– ብተመሳሳሊ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ፈረንሳ ኢንተርነት ክቋረጽ ተወሲኑ ብምባል ዝተዛረቦ ኣጻሪና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2072

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::