መልእኽታት ማሕበራዊ ሚዲያ ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ጽልዋ ከሕድሩ ዝገብሩ መገዲታት

ማሕበራዊ ሚዲያ

09 መስከረም፣ 2016 ዓ.ም

ኣብ ምንታይ ኩነታት ኰይንኹም ማሕበራዊ ሚዲያ ትጥቀሙ? ስለ ምንታይን መዓዝንከ ነዞም መድረኻት ትጥቀሙሎም ኣለኹም?

ርግጽ’ዩ፡ ገሊኤና ንጉሆ ካብ ድቃስና ትንስእ እንትንብል፣ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ኣብ እንጥቀመሉ ሰዓት፣ ካብ ስራሕ ናይ ሻሂ ዕረፍቲ ኣብ እንወስደሉ . . . ስማርት ስልክታትና እንተናኽፍ ውሑዳት ኣይኰንናን።

እዘን ዝተፈላለዩ መድረኻት ማሕበራዊ ሚዲያ ዝኸዘና ስልክታት ዝያዳ ኣብ ርሑቕን ቐረባን ምስ ዝርከቡ መሓዙትን ካልኦትን ከራኽባ እንከለዋ፡ ኣእምሮና በዚ መገዲ ኣቢሎም ንዝመሓላለፉ ዝተፈላለየ ትሕዝቶ ዘለዎም ምስልታት፣ ስእልታትን መልእኽታትን ክቃላዕ ይገብራ እየን።

ነቶም በብግዝኡ ዝምዕብሉ ዘለው መድረኻት ማሕበራዊ ሚዲያ ተጠቒሞም ኣተሓሳስብኦም፣ ንዝተፈላለዩ ነገራት ዘለዎም ኣጠማምታ መልእኽቲ ዘሕልፉን ነዚ ከም ምንጪ እቶት ዝጥቀምሉን ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ኣለው።

እዞም ውልቀሰባት ምስ ካልኦት ሰባት ብማንዛ ክራኸቡ ዝገብሩ ከም ፌስቡክ፣ ቲክቶክ፣ ትዊተር፣ ኢንስተግራምን ካልኦትን ዝበሉ ዝተፈላለዩ መድረኻት ማሕበራዊ ሚዲያ ዲጂታላዊ ትሕዝቶታት፣ መልእኽታትን ሓበሬታታትን፣ ስእልን ቪድዮን ንምዝርጋሕ ይጥቀምሎም ምህላዎም ይፍለጥ።

እዚኦም፡ መዓልታዊ ብዓቐን፣ ባህርን ትሕዝቶን – መዘናግዒ ጽሑፋትን ስእልታትን ክሳብ ማሕበራዊ ክብርታትን ፖለቲካዊ ሃዋህውን ሃገር ዘናግዑ ናይ ሓሶት ሓበሬታታትን ዘረባታት ጽልኣትን ዝርከቡዎም – ዝተፈላለዩ ሓበሬታታትን መልእኽታትን ዝዝርግሓሎም ብምዃኖም ኣብ ልዕሊ ተጠቀምቲ ስነ ልቦናዊ ጸቕጢ ክፈጥሩ ጸኒሖምን ኣለውን።

ካብዚ ብዝብገስ እዚ መድረኽ ኣውራ ህይወት ብዙሓት ሰባት ዝቕለሰሉ መድረኽ ብምዃን ዝንባለታት፣ ኣተሓሳስባታትን ርድኢታትን ብዙሓት ሰባት ዝቕረጸሉ መድረኽ ኰይኑ የገልግል ምህላው ኣብዚ ዙርያ ዝተኻየዱ ዝተፈላለዩ መጽናዕታት የመልክቱ።

ምስዚ ብዝተኣሳሰር ድማ እቶም መጽናዕታት ዘልዕሉዎ ሓደ ኣገዳሲ ነገር ኣብ ሞንጐ ማሕበራዊ ሚዲያ ብምጥቃም እነሕልፎ ግዜን ጉዳያት ጥዕና ኣእምሮን (ከም ቃዝኖትን ጭንቀትን ዝኣመሰሉ ጽልዋታት) ዘሎ መላግቦ እዩ።

ብፍላይ እቶም ንጡፍ ኣጠቓቕማ ዘለዎም ሰባት (ትሕዝቶታት እናካፈሉን ሚዲያ ኮንተንት እናፈጠሩን ዝውዕሉ) ሰባት እንተዀይኖም ዝለዓለ ተቓላዕነት ጥዕና ኣአምሮ ኣለዎም። እዚ ድማ እቶም ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት ሚዲያ ስምዒትን ባህርን ሰባት ኣብ ምቕራጽ ዘለዎ እጃም ኣዝዩ ልዑል ካብ ምዃኑ ዝብገስ እዩ።

ነዚ ድማ፡ እዚ ከመይ ተመሓድሮ ብምግነዛብ ስነ ኣእምሮኣዊ ጥዕናኻ ምሕላው ክዝንጋዕ ዘይብሉ ጉዳይ ምዃኑ ሰብ ሞያ ስነ ልቦና የረድኡ።

ብማሕበራዊ ሚዲያ ዝሓልፉ መልእኽታት ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ጽልዋ ከሕድር ዝገብሩ መገዲታት፥

  1. ወልፊ ዘትሕዝ ምዃኑ’ዩ፥ ክኢላታት ጥዕና ከም ዝብሉዎ ንነዊሕ ሰዓታት ኰፍ ምባል ኣብ ኣካላዊ ጥዕና ዘስዕቦ ጉድኣት ኣሎ። ኰፍ ኢልና ግን እንታይ ንገብር? መብዛሕትኡ ግዜ ገለ ትርፊ ደቓይቕ (ወይ ንገሊኦም ሰዓታት) ክህልወና እንከሎ ኣእምሮና ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዛዕባ ዝውግዑ ዘለውን ዝሓልፉ ዘለው መልእኽታትን ክሓስብ ይጅምር።
  1. ሓዘንን ጽዕንዕንታን ዘመንጩ ምዃኑ፥ ጽልዋ እቶም ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ንቓርሞም መልእኽታት ወይ እንሪኦም ቪድዮታትን ስእልታትን ዘለኻሉ ቦታን ኩነታትን ዝውስኖ ኰይኑ፡ ብፍላይ ጐንጽን ዘይምርግጋእን ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ዝነብሩ ሰባት ቀንዲ ተቓላዕቲ በዞም መድረኻት ዝመሓላለፉ ትሕዝቶታት ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም።

ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ኣብ ትግራይ ዝነበረ ጐንጺ፣ ሕጂ ድማ ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ዝቕጽል ዘሎ ጐንጺ ኰነ ኣብ ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርጋእ ዘመንጨዮ ሰፊሕ ዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ዘረባታት ጽልኣትን ይስትውዓል’ዩ።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ብርክት ዝበሉ ንምርኣይ ዘስካሕክሕ ትሕዝቶ ዘለዎም (Graphic videos) ምስልታትን ስእልታትን ንምርኣይ ተቓላዕቲ ዝዀኑ ብዙሓት ሰባት ኣለው። ብኻልእ ወገን ውሑዳት ዘይብሃሉ ሰባት ሞቶም ብማሕበራዊ ሚዲያ ዝርድእሉ ወይ’ውን ዝሰምዕሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ። እዚኦም ተደሚሮም ኣብ ልዕሊ ጥዕና ኣእምሮ ሰባት ቀሊል ዘይብሃል ጽልዋ ይፈጥሩ።

  1. ምብዛሕ ተጻባእቲ ርኢይቶታት፥ ብርክት ዝበሉ ሰባት ሽሞምን ምስሎምን ሓቢኦም ወይ ቀይሮም ኰነ ብትኽክለኛ ሽሞምን ምስሎምን ማሕበራዊ ሚዲያ ከም ዝጥቀሙ ይፍለጥ። ሓላፍነት ዘለዎም ንህንጸት ስነ ምግባር፣ ክእለትን ካልእን ሓሳቦም ዘካፍሉ ሓላፍነት ዝስምዖም ተጠቀምቲ እኳ እንተሃለው ብኣንጻሩ ንመንነት፣ እምነትን ጥዕናን ካልኦት ሰባት ዘናሽው፣ ውልቀሰባት ብሞት ክቕጽዑ፣ ክእሰሩ ወይ ርእሰ ምትሓት ክስምዖም ዝገብሩ መልእኽታት፣ ስእልታት ዘካፍሉ ተጠቀምቲ ንዕዘብ ይገጥሙና’ዮም።

እዞም ተጻባእቲ (hostile) ዝዀኑ ርኢይቶታት ወይ መልእኽታት ድማ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ተቓላዕቲ ዝዀኑ ክፋላት ሕብረተሰብን ልዑል ጽልዋ የሕድሩ። እዚኦም ዝፈጥሩዎ ጽልዋ ዋላ’ውን ግዝያዊ እንተዀነ፡ ኣብ ህይወትካ ዕግበት ክትስእን ዓርሰ እምነትን ከተጉድልን ምኽንያት ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም።

ስለ ዝዀነ ድማ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ እትርእዩዎም ስእልታት፣ ምስልታት ከምኡ’ውን እተንብቡዎም ጽሑፋት ኣብ ስምዒታትኩም ኣሉታዊ ጽልዋ የሕድሩ እንተሃልዮም፡ እንተወሓደ ካብኦም ዕረፍቲ ምውሳድን ስምዒታትካ ምግታእን ይምዓድ።

ካብዚ ሓሊፉ ብቐጻሊ ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘለዎም ሓበሬታታትን ትሕዝቶታትን ብተደጋጋሚ ክመጽኡ ኣብ ዝገብሩ ማሕበራዊ ሚዲያታት ብብዝሒ ክትሪኦም ዘይትደሊ ትሕዝቶታት ደረት ምግባር፣ ኣብ ነብስና ሃሰያ ከውርድ ብዘይኽእል ኣገባብ ብምምራሕ ጥዕና ኣእምሮና ክሕሎ ምግባር ይክኣል’ዩ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::