ሜታ ኣብ ዝተሓረያ ሃገራት መሸጣ ‘ሰማያዊ ባጅ’ ከቕርብ ጀሚሩ

11 ግንቦት 2015 ዓ.ም

  1. ሜታ ትኽክለኛ ኣካውንታት ፌስቡክን ቴሌግራምን ዘረጋግጽ ሰማያዊ ባጅ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ከቕርብ ጀሚሩ። ቢቢሲ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ እቲ መሸጣ ሰማያዊ ባጅ ብ9.99 ፓውንድ ዝቐረበ ኰይኑ ነዚ ዝዕድጉ ሰባት መለለዪ መንነት ከቕርቡ ትጽቢት ከም ዝግበረሎ ሓቢሩ። እቲ ሰማያዊ ባጅ ብተወሳኺ ኣብ ኣሜሪካ፣ ኒውዝላንድን ኣውስትራሊያ እውን ይሽየጥ ምህላው ጠቒሱ። ትዊትር ቅድም ኢሉ ‘ሰማያዊ ባጅ’ ንመሸጣ ኣቕሪቡ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።
  1. ብኻልእ ወገን ትዊተር ዓማዊሉ ንውሕ ዝበሉ ቪድዮታት ንክሰቕሉ ዘኽእል ኣሰራርሓ ጀሚሩ። በዚ መሰረት ‘ሰማያዊ ባጅ’ ዘለዎም ተጠቀምቲ ክሳብ ክልተ ሰዓት ንውሓት ከምኡ’ውን ክሳብ ሸሞንተ ጂቢ መጠን ዘለዎ ቪድዮ ክሰቕሉ ይኽእሉ ኢሉ። ትዊተርኣፍረይቲ ትሕዝቶ ካብ መወዓውዒ ዝርከብ እቶት ዝካፈልሉ ኣሰራርሓ ተግባራዊ ከም ዝገብር ክግለጽ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።
  1. ጎናዊ ሳዕቤን ቴክኖሎጂ ሰብ ሰርሖ-ብልሒ ዝቆጻጸር ሕጊ ክዳሎ ከም ዝግባእ ፈጻሚ ስራሕ ኦፕንኤኣይ (OpenAI) ሳም ኣልትማን ሓቲቱ። እዚ ቴክኖሎጂ ኣርቴፊሽል ኢንተለጀንስ ኣመልኪቱ ኣብ ሰኔት ኣሜሪካ ንኡስ ኮሚቴ ጉዳያት ሕጊ ቀሪቡ ምስክርነት ኣብ ዝሃበሉ ዝሃቦ ርኢይቶ እዩ። እወንታዊ ረብሓታት ሰብ ሰርሖ-ብልሒ ዘረድአ ኣልትማን እቲ ቴክኖሎጂ ንዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ካልኦት ኣሉታዊ ተግባራትን ክውዕል ይኽእል እዩ ዝብል ልዑል ስግኣት ከም ዘለዎ ገሊጹ። ነዚ ድማ ሕግን ተቖጻጻሪ ኤጀንስን ከድልዩ እዮም ክብል ተዛሪቡ። ኦፕን ኤኣይ ጃትጂቲፒ ዝምሃዘ ትካል እዩ።

✅️ መላግቦታት ቴሌግራም ኣብዚ ሰሙን ዘቕረብናዮም ሓበሬታታት

– ኣብ መልእኽቲ ሰኑይ ማሕበራዊ ሚዲያ ብኸመይ ንኣሉታዊ ተግባራት ከም ዝውዕልን ክንገብሮም ብዛዕባ ዝግብኣና ጥንቃቐን ኣቕሪብና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2003

– ብሽምን ምልክት ንግድን ዝተኸፍተ ናይ ሓሶት ኣካውንት ቴሌግራም’ውን ኣቃሊዕና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2004

– ኢቢሲ ዝሰርሖ ግጉይ ሓበሬታ ዝምልከት ጸብጻብ’ውን ኣቕሪብና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2005

– ከምኡ’ውን ካብ ዓውዲ ወጻእ ዝቐረበ ስእሊ ኣቃሊዕና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2006

– ብዛዕባ ኢትዮቴሌኮም ዝህቦ ዘሎ ኣገልግሎት ቪፒኤን ዝምልከት መብርሂ’ውን ኣቕሪብና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2007

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::