ኣትሌት ጉዳፍ ጸጋይ ‘ዕውትቲ ኣትሌት እዚ ዓመት’ ኮይና ድያ?

ኣትሌት ጉዳፍ ጸጋይ 'ዕውትቲ ኣትሌት እዚ ዓመት' ኮይና ድያ?

ጥቅምቲ 15፣  2016 .

ኣብ ዝሓለፋ መዓልታት ኣትሌት ጉዳፍ ጸጋይ “ብልጽቲ ኣትሌት ዓለም ኮይና ተዓዊታ” ብምባል ብርክት ዝበሉ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ናይ እንኳዕ ደስ በለኪ መልእኽታት ክሰዱ ተዓዚብና።

ይኹን’ምበር: ውጽኢት እቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ወግዓዊ ዝኾነ ሕርያ ኣትሌት እዚ ዓመት ጌና ወግዓዊ ኣይኮነን ዘሎ።

ኣትሌት ጉዳፍ ጸጋይ ሓንቲ ካብቶም ኣትሌቲክስ ዓለም ንውድድር “ኣትሌት እዚ ዓመት” (Athlete of the Year 2023) ዝሓረየን 11 ኣትሌታት ደቂ ኣንስትዮ ዓለም እያ።

እዚ ውድድር ብኽልቲኡ ጾታ ዝካየድ ኮይኑ: ኣትሌት ትእግስት ኣሰፋ ኣብ ዝርዝር እተን ሕጹያት ዝኣተወት ኢትዮጵያዊት ኣትሌት እያ።

እዞም ኣትሌታት ካብ ህዝቢ ዝረኽቡዎ ድምጺ ንምክታት መስርሕ  ምሃብ ድምጺ ብኣ.ኤ 11 ጥቅምቲ 2023 ክጅመር እንከሎ: ቀዳም 28 ጥቅምቲ 2023 ፍርቂ ለይቲ ክእክል ወይ ክዕጾ እዩ።

ኣትሌቲክስ ዓለም: ወግዓዊ ዝገበረን ዝርዝር 11 ሕጹያት ደቂ ኣንስትዮ ተወዳደርቲ ሽልማት ኣትሌቲክስ ዓለም 2023 ካብ ሽዱሽቲአን ክፍላተ- ዓለም ብፓነል ዓለምለኸ ክኢላታት ኣትሌቲክስ ዝተሓረያ ምዃነን ገሊጹ እዩ።

እቶም ተወዳደርቲ ብሓፈሻ: ኣብ ቻምፖዮንሺፕ ኣትሌቲክስ ቡዳፔስት 23 ከምኡ’ውን ካልኦት ውድድራት ዘመዝገብዎ ውጽኢትን ዘርኣዩዎ ጸብለልታን ኣብ ግምት ክኣቱ እዩ።

ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ኣብ ዓመተ 2023 ብ10 ሽሕ ሜትሮ ኣብ ቡዳፔሰትን ሻምፖዮና ዓለምን ተዓዋቲት ሜዳልያ ወርቂ ብምዃን ክብረ ወሰን ክተመዝግብ ክኢላ እያ።

ኣትሌቲክስ ዓለም ከም ዝብሎ: ካውንስል ኣትሌቲክስ ዓለምን ስድራን ድምጾም ብኢሜይል ዝልኣኽ ኮይኑ ኣፍቀርቲ ኣትሌቲክስ ድምጾም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት እቲ ትካል ይህቡ።

ስለዝኾነ ድማ: ስእሊ እቶም ሕጹያት ተወዳደርቲ ኣብ ፌስቡክ፣ ኤክስ፣ ኢንስተግራምን ዩትዩብን ብምዝርጋሕ ሰባት ስእሊ ነቲ ክዕወት ዝደልዩዎ ኣትሌት ላይክን ሪትዊትን ብምግባር ድምጺ ክህቡ ገይሩ ኣሎ።

ድምጺ ካውንስል ኣትሌቲክስ ዓለም 50% ዝሕዝ ክኸውን እንከሎ: ቤተሰብ ኣትሌቲክስ ዓለምን ህዝብን ዝህብዎ ድምጺ ድማ ነፍሲ ወከፍ 25% ናይቲ ናይ መወዳእታ ድምጺ ዝሕዙ ክኾኑ እዮም።

እቲ ክሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ መስርሕ ምሃብ ድምጺ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ክዕጾ እንከሎ: ኣብ መወዳእታ መስርሕ እቲ ሕርያ ንሽልማት ኣትሌት እዚ ዓመት ዝወዳደሩ ሓሙሽት ደቂ ኣንስትዮን ሓሙሽተ ደቂ ተባዕትዮን  ካብ 13-14 ሕዳር 2023 ክግለጽ እዩ።

ተዓወትቲ ድማ 11 ታሕሳስ 2023 ብማሕበራዊ ሚዲያታት ኣትሌቲክስ ዓለም ወግዓዊ ክኾኑ ምዃኖም ሓበሬታ ደረ-ገጽ እቲ ትካል የመልክት።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::