‘መቐለ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ስርሑ ክጅምር’ዩ ዝብል ሓበሬታ ጌጋ’ዩ’ – ዩኒቨርሲቲ መቐለ ንኢትዮጵያ ቼክ

4 መጋቢት 2015 ዓ.ም
ብሰንኪ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኲናት ናይ ምምሃር ምስትምሃር ስርሑ ጠጠው ዘበለ ዩኒቨርሲቲ መቐለ “ካብ ዝቕጽል ሰሙን ጀሚሩ” ስርሑ ክጅምር እዩ ክብል “Tigray Today/ትግራይ ቱ ደይ” ዝተባህለ ናይ ፌስቡክ ገጽ ሓበሬታ ኣውጺኡ።
እዚ ካብ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣብዚ ናይ ፌስቡክ ገጽ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ ኣስታት 24 ሽሕ ነባር ተመሃሮ ድማ ኣብ ዝቕጽሉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ትምህርቶም ከም ዝዛዝሙን ካብ ወርሒ መስከረም 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ሓደሽቲ ተመሃሮ ከም ዝቕበልን ይገልጽ።
ካብዚ ሓሊፉ እቲ ዩኒቨርሲቲ ንዝሓዞም መደባት ዘድልዮ ባጀት ካብ መንግስቲ ከም ዝተፈነወሉ ትግራይ ቱ ደይ ኣብቲ “ጽቡቕ ዜና” ኢሉ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ይጠቅስ።
እዚ ሓበሬታ ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ልዕሊ 138 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለውዎ ትግራይ ቱ ደይ ዝተባህለ ናይ ፌስቡክ ገጽ ልዕሊ 2.4 ሽሕ ሰባት ‘ላይክ’ ክገብሩዎ እንከለው 371 ሰባት ድማ ናብ ካልኦት ኣካፊሎምዎ (ሼር ኢሎምዎ)።
ካልኦት ገጻትን ብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያን’ውን ብብዝሒ ነዚ ሓበሬታ ዘርጊሖምዎ ኣለው።
ይኹን’ምበር እዚ ሓበሬታ ስኑዕ ከም ዝዀነ ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓን እቲ ዩኒቨርሰቲ ንኢትዮጵያ ቼክ ኣረጋጊጾም።
ብተወሳኺ መቐለ ዩኒቨርሲቲ’ውን ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ወግዓዊ ናይ ፌስቡክ ገጹ ኰነ ትዊተር ኣድራሽኡ ዝዘርግሖ ሓበሬታ የለን።
ፕሬዝደንት ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዶክተር ፋና ሓጎስ እቲ ዩኒቨርሲቲ ስርሑ ንምጅማር ምስ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብቐረባ ይሰርሕ እኳ እንተሃለወ ኣብ ልዕሊ እቲ ዩኒቨርሲቲ ዝበጽሐ ዕንወት ንምሕዋይን ዳግመ ህንጸት ንምክያድን ናይ ገዛእ ርእሱ ግዜን መስርሕን ዝሓትት እዩ ኢላ።
“ስርሑ ክጅምር’ዩ፤ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ግን ኣይኰነን። ብርግጽ ነዚ ንምግባር ኣዋርሕ ዝሓትት’ዩ” ክትብል ንኢትዮጵያ ቼክ መብርሂ ሂባ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ክሳብ ሕጂ ንተመሃሮኡ ዘቕረቦ ጻውዒት ከም ዘየለ ብምግላጽ “ንሕና (እቲ ዩኒቨርሲቲ ወይ ሚኒስትሪ ትምህርቲ) ተመሃሮና ዳግማይ ክንቅበል ድሉዋት ኣብ ዝዀንናሉ እዋን ወግዓዊ መግለጺ ክንህብ ኢና” ክትብል ፕሬዝደንት ዶክተር ፋና ሓቢራ።
ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ
ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::