ኣቶ ጌታቸው ረዳ ፕሬዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኰይኑ ተመሪጹ ድዩ?

Getachew Reda has a huge influence in Tigray's Ethiopia politics

9 መጋቢት 2015 ዓ.ም

“ኣቶ ጌታቸው ረዳ ፕሬዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኰይኑ ተመሪጹ” ከምኡ’ውን “ግዝያዊ ፕሬዝደንት ትግራይ ኰይኑ ከም ዝተሾመ ወግዓዊ ኰይኑ” ዝብሉ ሓበሬታታት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብሰፊሑ ይዝርግሑ ኣለው።

እንተዀነ ኢትዮጵያ ቼክ ኣብዚ ዙርያ ብዝገበሮ ምጽራይ ኣቶ ጌታቸው ነቲ ቦታ ብህወሓት ከም ዝተሓጸየ እምበር ፕሬዝደንት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኰይኑ ብዛዕባ ምምራጹ ዝዝርግሑ ዘለው ሓበሬታታት ሓቃውነት ከም ዘይብሎም ኣረጋጊጹ።

“እቲ መስርሕ ኣይተወድአን፤ ኣቶ ጌታቸው ዝተሓጸየሉ ቦታ ከም ዝረክብ ግን ብሰፊሑ ትጽቢት ይግበር” ክብል ሓደ ሽሙ ክርቋሕ ዘይደለየ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ህወሓት ገሊጹ።

እዚ ውልቀሰብ ንኢትዮጵያ ቼክ ኣብ ዝሃቦ ቃል “እቲ መስርሕ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ክዛዘም’ዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር” ኢሉ።

ቴሌቪዥን ትግራይ ሎሚ ንጉሆ ኣብ ፌስቡክ ገጹ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣቶ ጌታቸው ብህወሓት ከም ዝተመረጸ ይሕብር።

ኣብዚ ዙርያ ጸብጻብ ዝዘርግሐ ድምጺ ራድዮ ኣሜሪካ (ቪኦኤ) ነዚ ከረጋግጽ እንከሎ “ኣመራርሓ እቲ ክልል ኣብ ጉዳይ ኣወዳድባ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ምስ መንግስቲ ፌደራል ዘትዮም ምስ ኣጽደቑ ሹመት አቶ ጌታቸውን ካልኦት ኣባላት ካቢኔ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳርን” ከም ዝፍጸም ኣመልኪቱ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::