ሓበሬታ፡ መዓዝን ብኸመይን ከነጻሪ ይግባእ?

05 ታሕሳስ፣ 2016 ዓ.ም

ኣብ ዲጂታላዊ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝስትውዓል ዝርግሐ ግጉይን ናይ ሓሶትን ሓበሬታ ብፍላይ ካብ 2016 ንድሓር ብዝለዓለ ቅልጣፈ እዩ ክውስኽ ጸኒሑ ኣሎ።

ብደረጃ ዓለም፡ ክሳብ ጥቅምቲ 2023 ኣብ መላእ ዓለም 5.3 ቢልዮን ተጠቀምቲ ኢንተርነት ነይሮም፤ እዚ ድማ 65.7 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ዓለም ዝሕዝ’ዩ። ካብዚ 4.95 ቢልዮን (61.4 ሚእታዊት) ካብ ህዝቢ ዓለም ክኣ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት እዮም።

ፌስቡክ ሕጂ’ውን ኣብ ዕዳጋ ማሕራዊ መራኸቢታት እቲ ዝለዓለ ተጠቀምቲ ዘለውዎ ኰይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣስታት 2.9 ቢልዮን ወርሓዊ ንጡፋት ተጠቀምቲ ከም ዘለውዎ ጸብጻብ ስታቲስታ የመልክት።

ኣብ ካልኦት ኣማራጺታት ማሕበራዊ መራኸቢታት’ውን ዕብየት ተጠቀምቲ ዝርኣይ ዘሎ ኰይኑ፡ ብኡ ልክዕ መዓልቲ ዝፈርዩ ትሕዝቶታት’ውን ዓቐኖምን ትሕዝቶኦምን እናወሰኸ ይኸይድ እዩ ዘሎ።

ጉዳይ ስኑዕ ወይ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ካብቶም ኣዝዮም ልዑል ስግኣት ዝፈጥሩ ጸገማት ዝርግሐ ሓበሬታ ኰይኑ፡ እዚ ሓሓሊፉ ብደረጃ ገለ ስሩዓት ማዕከናት ዜና ከምኡ’ውን ኣካላት መንግስትን ጸለውቲ ዝዀኑ ውልቀሰባትን’ውን ዝርኣይ ጸገም ይኸውን ኣሎ።

ካብዚ ብዝብገስ፡ ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዛዕባ እንረኽቦም ጽሑፋት፣ ምስልታትን ስእልታትን ቅድሚ ኣሚንና ምቕባልና ኰነ ናብ ካልኦት ሰባት ምክፋልና ጥንቃቐ ክንገብር፣ ሓቃውነቶም ከነረጋግጽ ወይ ከነጻሪ ከም ዘለና ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ይምዕዱ።

ግን ሓበሬታ መዓዝ ኢና ከነጻሪ ዝግብኣና?

ብማእከላይ ገምጋም ተጠቀምቲ ኢንተርነት ኣብ መዓልቲ 151 ደቓይቕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ከም ሜሰንጀርን ቴሌግራምን ከምኡ’ውን ዋትሳፕ ዝበሉ ናይ መልእኽቲ መተግበሪታትን ከም ዘሕልፉን እዚ ድማ ካብ 2015 ጀሚሩ ብ40 ደቓይቕ ወሰኽ ከም ዘርኣየን ጸብጻባት የመልክቱ።

ብኡ ልክዕ፡ ዘጋጥም ዘሎ ዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታ’ውን ይውስኽ’ዩ ዘሎ። ብፍላይ፡ ዝተወደበ ጐስጓስ (organized campaign) ፣ ቅልውላዋት ጥዕናን ጐንጽን ኣብ ዝህልወሉ እዋን  ማእለያ ዘይብሎም ግጉያትን ናይ ሓሶትን ሓበሬታታትን ብዝተፈላለዩ መልክዑ ይዝርግሑ’ዮም።

እዚ፡ ኣብቲ ሓደ ሰብ ክረኽቦ ዝግባእ ቅኑዕ ሓበሬታ ወይ መረዳእታ ጽልዋ ካብ ምሕዳር ብዝሰገረ ብሰንኩ ሰባት ንስነ ልቦናውን ማሕበራውን ቅልውላው ክቃልዑ’ውን ምኽንያት ይኸውን ከም ዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ደው ምባል ሓላፍነት ኵላትና ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ዝዀነ እዋን ብፍላይ ነቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ክንጠራጠር ዝገብሩ ሓሳባት፣ ኣሃዛት ወይ ምስልታት ክህልው እንከለው እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ዳግመ ግምት ክንገብረሉ ይግባእ።

ነዚ ካብ ሞንጐ ዝሕግዙ ነጥቢታት ገሊኦም፥

  1. ዝርዝር ፕሮፋይል ምጽራይ፦ እዚ ከም ስእሊ እቲ ተጠቃሚ፣ ድሕረ ባይትኡ ዝገልጽ ሓበሬታን እቲ ኣካውንት ዝተኸፍተሉ ዕለትን ምጽራይ ዝምልከት’ዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ሓሶት ኣካውንትታት ዘይንጹር ወይ ዘይተማልአ ሓበሬታ’ዩ ዘለዎም።
  1. ኣዕሩኽ/ ሰዓብቲ ምርግጋጽ፦ ናይ ሓደ ሓበሬታ ትረኽበሉ ዘለኻ ኣካውንት ተጠቃሚ መሓዙት ወይ ሰዓብቱ ምፍታሽ ጠቓሚ’ዩ። ሓደ ኣካውንት ኣዝዮም ውሑዳት ኣዕሩኽ ወይ ተኸታተልቲ እንተሃልይዎም (ንኣብነት፡ መብዛሕትኦም ናይ ሓሶት ኣካውንታት ወይ ቦት) ዘጠራጥር ክኸውን ይኽእል
  1. ትሕዝቶ እቲ ሓበሬታ ምጽራይን ንጥፈታት እቲ ኣካውንት ምግምጋምን፦ መብዛሕትኡ ግዜ ትኽክለኛ ኣካውንታት ስሩዕ ንጥፈታት ኣለዎም (ሓበሬታ የካፍሉ፣ ርኢይቶታት ይህቡን ይምልሱን)። ብተወሳኺ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ሓሶት ኣካውንታት ትሑት ጽፈት ዘለዎ ትሕዝቶ፡ ከም ህስስ ዝበለ ስእሊ ወይ ምስኡ ዘይዛመድ ጽሑፍን’ዮም ዝጥቅዑ።
  1. ብተወሳኺ፡ ኣብቶም ትኽክለኛ ኣካውንታት መረጋገጺ ባጅ (ምልክት) ክህሉ ስለ ዝኽእል ነዚኦም ምፍታሽ’ውን ነቲ እንረኽቦ ሓበሬታ ሓቃውነት ንምርግጋጽ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል’ዩ። እዚ ዋላ’ውን ወትሩ ብሕታዊ ምርኩስ እንተዘይኰነ፡ መረጋገጺ ዘለዎም ኣካውንታት ሓቀኛታት ናይ ምዃን ተኽእሎኦም ዝለዓለ እዩ።

ካብዚ ብዝሰገረ፡ ከም ‘reverse image search’ ዝበሉ ሓቃውነት ሓደ ስእሊ ንምርግጋጽ ዝሕግዙ ኣማራጺታት ብቐሊሉ ምጥቃም ትኽእሉ ኢኹም። እዚኦም እቲ ምስሊ ኣብ ካልእ ቦታታት ኣብ ኢንተርነት ተዘርጊሑ እንተነይሩ እሞ እቲ ስእሊ ካብ ካልእ ዝተወስደ ምዃኑ ንምምልካት ሓጋዚ ተራ ኣለዎም።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::