ፋክቲፋይ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ዝገበሮ መጠን ዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ዘረባታት ጽልኣትን ኢትዮጵያ

TikTok agrees to have its content moderated in Kenya

29 መጋቢት 2015 ዓ.ም

  1. ፋክቲፋይ ኢትዮጵያ ዝተባህለ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ብተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ካብ ሞንጎ ዝጥቅዑ 10 ልጣፋት እቲ ሓደ ግጉይ ሓበሬታ ወይ’ውን ዘረባ ጽልኣት ምዃኑ ብመጽናዕቲ ከም ዘረጋገጸ ኣዲስ ማለዳ ጸብጺቡ። እቲ መጽናዕቲ ኣብ ፌስቡክ፣ ቴሌግራምን ትዊተርን መሰረት ገይሩ ብቴልኖሎጂ ማሽን ለርኒንግ ዝተኻየደ ምዃኑ ሓቢሩ። ብቋንቋታት ኣምሓርኛ፣ ትግርኛን ኦሮምኛን ዝተዳለው ሓደ ሚሊዮን ልጣፋት ኣብቲ መጽናዕቲ ከም ዝተገምገሙ ክግለጽ እንከሎ ካብዚኦም እቶም 50 ሽሕ ናይ ሓሶት ሓበሬታ፣ 30 ሽሕ ናዕቢ ዘለዓዕሉ፣ 25 ሽሕ ድማ ዘረባታት ጽልኣት ኮይኖም ተረኺቦም።
  2. ህንዲ ትማሊ ኣብ ሕጊ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ብዝገበረቶ ምምሕያሽ ፌስቡክ፣ ትዊተርን ካልኦት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ዝህቡ ትካላት ጉዳያት መንግስቲ ዝምልከት ናይ ሓሶትን ዝንቡዓትን ሓበሬታታት ከየተኣናግዱ ኸልኪላ። እቲ ምምሕያሽ እቶም ኩባኒያታት ናይ ሓሶትን ዝንቡዕን ሓበሬታ ንምጽራይ መንግስታዊ ዝኾኑ ትካላት ምጽራይ ሓበሬታ ጥራይ ክጥቀሙ ዘገድድ እዩ። እቲ ሕጊ ዘየኽብሩ ኣገልግሎት ማሕበራዊ ሚዲያ ህዝቡ ትካላት ከምኡ’ውን ኩባኒያታት ቴሌኮም መንግስቲ ዝገብረሎም ሓለዋ ክቋረጽ ምዃኑ ኣፍሊጣ።
  3. ቲክቶክ ኣብ ፕላትፎርሙ ዝዝርግሑ ናይ ሓሶት ሓበሬታታትን ሕማቕ ዘረባታትን ዝምልከት ምምሕያሽ እንተዘይገይሩ ክሳብ ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ከም ዝወስድ መንግስቲ ቬትናም ኣፍሊጡ። ዳይሬክተር በዓል መዝ ሚዲያ እታ ሃገር ኳንግ ቱ ዱ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ቲክቶክ ዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ምክልኻል ክንዲ’ቲ ትጽቢት ዝግበሮ ሓላፍነት ኣይዋጻእን ዘሎ ክብል ከሲሱ። እቲ ዳይሬክተር ንፌስቡክን ዩትዩብን እውን ክነቅፍ እንከሎ መንግስቲ ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ግንቦት ኣብ ልዕሊ ቲክቶክ ዓሚቕ መርመራ ከም ዝካይድ ገሊጹ።

    ✅️ ኣብዚ ሰሙን ዘቕረብናዮም ሓበሬታታትን መላግቦታት ቴሌግራምን

    – ኣብ መልእኽቲ ሰኑይ ምስ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ምጽራይ ሓበሬታ ዝተሓሓዝ ሓበሬታ ብቋንቋ ኦሮምኛ ኣቕሪብና
    https://t.me/ethiopiacheck/1947

    – ከምኡ’ውን ምስ ናይ ሓሶት ሓበሬታታትን መልእክታት ጽልኣትን ብዝተሓሓዝ ዓብዪ ስግኣት ፈጢሩ ብዛዕባ ዘሎ ቴክኖሎጂ ‘Voice Cloning’ ሓጺር መብርሂ ኣቕሪብና
    https://t.me/ethiopiacheck/1951
    – ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጽ ሰልፊ ህዝብታት ዓፋር ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ኣጻሪና ኣቕሪብና
    https://t.me/ethiopiacheck/195

    – መርበባት ሓበሬታ ክንጥቀም እንከለና ብዛዕና እንሪኦም ኲኪስ እውን ብትግርኛ ኣቕሪብና
    https://t.me/ethiopiacheck/1953

    – ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ኣጋጢሙ ብዛዕባ ዝተባህለ ምቁራጽ ኣገልግሎት ኢንተርነት እውን ሓበሬታ ኣቕሪብና https://t.me/ethiopiacheck/1954

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::