“ፌስቡክ ኣይጥቀምን፤ ኣካውንት’ውን የብለይን” – ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ንኢትዮጵያ ቼክ

fake account alert

08 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

ሽምን ምስልን ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ብምጥቃም ዝተኸፍተ ናይ ፌስቡክ ኣካውንት ምህላው ተዓዚብና።

እዚ ‘General Tsadikan Gebretensae-ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ’ ብዝብል ሽም ዝተኸፍተ ኣካውንት ምንቅስቓሳት ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ዝርከቡዎም ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሓበሬታታት የካፍል ምህላው ካብቶም በቲ ገጽ ዝሓልፉ ዘለው መልእኽታት ምግንዛብ ይክኣል።

ካብዚ ሓሊፉ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንዝተፈላለዩ ዛዕባታት ሰላምን ጸጥታን ኣመልኪቶም ዘውጽኦም መግለጺታት፣ መናእሰይ ትግራይ ኣብ ዓውደ ውግእ ዝነበሮም ተሳትፎ ኣብ ትምህርቲ ክደግሙዎ ዝጽውዑ መልእኽታት፣ ንህልውን መጻእን ጸጥታዊ ኩነታት እቲ ክልል ዝምልከቱ ለበዋታት ዝሓዙ መልእኽታት ብቋንቋታት ትግርኛን ኣምሓርኛን ይውዝዕ ኣሎ።

ኣብ ቀረባ መዓልታት ብመሰረት ውዕልን መስርሕን ፕሪቶሪያ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ናብ በዓል ዋንኡ ተበዛበልቲ ድማ ናብ መረበቶም ንምምላስ ኣብ ናይ መወዳእታ ስዓት ንርከብ ብዝብል ኣብቲ ገጽ ዝተጠቅዐት ጽሕፍቲ ልዕሊ 166 ሰባት ሼር ብምባል ናብ ካልኦት ከባጽሑዋ እንከለው ገለ ተጠቀምቲ እቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ድማ ቅዳሕ እዚ ጽሑፍ ብምውሳድ ሓቃውነት እዚ ናይ ፌስቡክ ኣካውንት ክሓቱ ተዓዚብና።

ኢትዮጵያ ቼክ ኣብዚ ጉዳይ ዘዘራረቦ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምኽትል ፕሬዝደንትን ሓላፊ ሴክሬታሪያት ዘይምእኹል ምሕደራን ዴሞክራታይዜሽንን ዝዀነ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ፌስቡክ ከም ዘይጥቀም ኣረጋጊጹ።

“ፌስቡክ ኣይጥቀምን፤ ኣካውንት’ውን የብለይን። እዚ ገጽ ናተይ ኣይኰነን” ብምባል ብጽሑፍ መልሲ ሂቡ።

ቅድም ኢሉ ብርእሰ ምምሕዳር ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝተኸፍቱ ዝተፈላለዩ ናይ ፌስቡክ ኣካውንታት ምህላዎም ኣቃሊዕና ነይርና።

ጀነራል ጻድቃን ኣብ ትግራይ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ጠጠው ንምባል ኣብ ዝተገብረ መስርሕ ሰላም ስምምዕ ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያን ናይሮብን ልዑል ተራ ካብ ሞንጐ ዝነበሮም ፖለቲከኛታትን ወተሃደራውያን ሓለፍትን ሓደ ምዃኑ ይፍለጥ።

ብመሰረት ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ትግራይ መረጻ ክሳብ ዝካየድ ነቲ ክልል ክመርሕ ብ27 መጋቢት 2015 ዓ.ም ስልጣን ኣብ ዝተረከበ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ካቢኔ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ድማ ብደረጃ ምክትል ፕረዚደንት ሓላፊ ሰክሬታርያት ዘይምእኩል ምሕደራን ደሞክራታይዘሽንን ኮይኑ ተሸይሙ ከምዘሎ እቲ ሰብመዚ እቲ ክልል ኣፍሊጦም።

ተመሳሲሎም ዝኽፈቱ ናይ ሓሶት ገጻትን ኣካውንታትን ብዘይምስዓብ ካብ ዝርግሐ ናይ ሓሶትን ስኑዓትን ሓበሬታታት ዓርስና ንሓሉ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::