ሽምን ምስልን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብምጥቃም ዝተኸፍተ ናይ ሓሶት ኣካውንታት ፌስቡክ

Fake Facebook accounts and-pages impersonating Getachew Reda

09 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

ሽምን ምስልን ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብምጥቃም ዝተኸፍቱ ዝተፈላለዩ ናይ ፌስቡክ ኣካውንታት ብብዝሒ ምህላዎም ተዓዚብና።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2021 2021 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኣውሮፓ) ዝተኸፍተ ‘Getachewu K Reda’ ዝብል ናይ ፌስቡክ ገጽ ሓዊሱ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ሽምን ምስልን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝሓዙ ኣካውንታት ምህላዎም ኢትዮጵያ ቼክ ብዝገበሮ ዳህሳስ ክርዳእ ክኢሉ ኣሎ።

ብፍላይ እዚ ‘Getachewu K Reda’ ብዝብል ዝተኸፍተ ናይ ውልቂ ‘ብሎግ’ ምዃኑ ዝገልጽ ናይ ፌስቡክ ኣካውንት 41 ሽሕ ሰዓብቲ ክህልውዎ እንከለው ካልኦት 36 ሽሕ ተጠቀምቲ ነቲ ገጽ ‘ላይክ’ ብምግባር ይስዕቡዎ ኣለው።

እዚ ገጽ ምስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ጸጥታዊ ዘይምርግጋእ ብዝተሓሓዝ ምንጮም ዘይተረጋገጸ ሓበሬታታት፣ ክብሪ ሰባት ዘይሕልው ቃላት ዝሓዙ ኣሉታዊ መልእኽታትን ካልኦትን ዝዝርግሓሉ ዘሎ እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ መንግስቲ ፌደራል “ስምምዕ ፕሪቶሪያ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ተግባራዊ ክኸውን እንተገይሩ” ትግራይ ኣንጻር መንግስቲ ፌደራል “ስጉምቲ” ክትወስድ እያ ዝብል መልእኽቲ በዚ ብሽም ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝተኸፍተ ናይ ፌስቡክ ኣካውንት ክውዛዕ ተገይሩ ኣሎ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ስምምዕ ፕሪቶሪያ መሊኡ ክትግበር ዘኽእሉ ስራሕቲ ከካይድ ምጽንሑ ብምግላጽ እቲ ስምምዕ ሰላም ንክሳኻዕ ምስ ማእኸላይ መንግስቲ ዘለዎ ርክብ ኣጠናኺሩ ከም ዝቕጽል ምግላጹ ይፍለጥ።

ካብዚ ሓሊፉ ካልኦት ብሽም እቲ ርእሰ ምምሕዳር ዝተኸፍሉ ብርክት ዘለዎ ናይ ፌስቡክ ኣካውንታት ኣለው’ዮም።

ነዚ ኣመልኪቱ ኢትዮጵያ ቼክ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዘዳለዎ ጸብጻብ Pres. Getachew K Reda ከምኡ’ውን Getachew K Reda ዝብሉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰዓብቲ ዘለውዎም ዘጋግዩ ስኑዓት ኣካውንታት ምህላዎም ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።

እቲ ‘Getachew K Reda’ ብዝብል ሽም ዝተኸፍተ ኣካውንት 11 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለውዎ ኰይኑ፡ ካልእ ‘Pres. Getachew K Reda’ ዝብል ምህላው’ውን ክንዕዘብ ክኢልና ኣለና።

ክሳብ ሕጂ ግን ትኽክለኛ ኣካውንት ፌስቡክ ኣቶ ጌታቸው ረዳ: ‘Getachew K Reda’ ዝብል ልዕሊ 258 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለዎ https://www.facebook.com/gkreda ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኰይኑ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2015 ዓ.ም ብቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ከም ዝተሾመ ይፍለጥ።

ተመሳሲሎም ዝኽፈቱ ናይ ሓሶት ገጻትን ኣካውንታትን ብዘይምስዓብ ካብ ዝርግሐ ናይ ሓሶትን ስኑዓትን ሓበሬታታት ዓርስና ንሓሉ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::