ሽምን ምስልን ርእሰ ምምሕዳር ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ብምጥቃም ዝተኸፍቱ ናይ ሓሶት ኣካውንታት ፌስቡክ

Fake Facebook accounts and pages impersonating mr Getachew Reda

12 ሚያዝያ  2015 ዓ.ም

ሽምን ምስልን ርእሰ ምምሕዳር ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብምጥቃም ዝተኸፍቱ ዝተፈላለዩናይ ፌስቡክ ኣካውንታት ምህላዎም ተዓዚብና።

እዚኦም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ዝተኸፍተ Pres. Getachew K Reda ሓዊሱ Getachew K Reda ዝብሉተመሳሳሊ ሽም ዘለዎም ዝተፈላለዩ ምስልታት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝጥቀሙ ዘለው ይርከቡዎም።

ብፍላይ እቲ ‘Getachew K Reda’ ዝብል 11 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለውዎ ናይ ፌስቡክ ገጽ ኣብ ዝጥቅዖም መልእኽታትንኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝመስል (Impersonate) ዝገብር ኮይኑ ገንዘባዊ ሓገዝ ዝሓቱ መልእኽታት እውን የካፍልምህላው ተዓዚብና።

እዚ ካልኦት ተጠቀምትን ሰዓብትን እቲ ናይ ፌስቡክ ገጽ ክፈትውዎን (Like) ናብ ካልኦት የካፍሉዎን ኣለው።ካብዚ ሓሊፉ ገለ ጎነጻዊ መልእኽታት ኣብቲ ገጽ ይርኣዩ።

ብተወሳኺ እቲ ኣብ ቀረባ ጊዜ ‘Pres. Getachew K Reda’ ብዝብል ሽም ዝተኸፍተ ናይ ፌስቡክ ኣካውንትሙሉእ ንሙሉእ ነቲ መራሒ ብምምሳል ፖለቲካዊ መብጽዓታት፣ ሰናይ ተምኒታት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ከሕልፍይስትውዓል።

ክሳብ ሕጂ ትኽክለኛ ኣካውንት ፌስቡክ ኣቶ ጌታቸው ረዳ: ‘Getachew K Reda’ ዝብል ልዕሊ 258 ሽሕ ሰዓብቲዘለዎ https://www.facebook.com/gkreda ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ርእሰ ምምሕዳር ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኑ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2015 . ብቐዳማይሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ከም ዝተሾመ ይፍለጥ።

ተመሳሲሎም ዝኽፈቱ ናይ ሓሶት ገጻትን ኣካውንታትን ብዘይምስዓብ ካብ ዝርግሐ ናይ ሓሶትን ስኑዓትንሓበሬታታት ዓርስና ንሓሉ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::