‘ናይ ፌስቡክ ገጽ የብለይን’ – ቢሮ ሰላምን ጸጥታን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

‘ናይ ፌስቡክ ገጽ የብለይን’ - ቢሮ ሰላምን ጸጥታን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

ጥቅምቲ 16፣  2016 .

ብሽም ቢሮ ሰላምን ጸጥታን ትግራይ ዝተኸፍተ ስኑዕ ናይ ፌስቡክ ኣካውንት፡ ዝተፈላለዩ ግጉይ ሓበሬታታት ይውዝዕ ከም ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ ደብዳበ ክሳብ ሕጂ ብሽም እቲ ቢሮ ዝኸፈቶ ወግዓዊ ናይ ፌስቡክ ኣካውንት ከም ዘየሎ ብምግላጽ ተጠቀምቲ ካብ ግጉይን ዝንቡዕን ሓበሬታ ጥንቃቐ ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ።

እዚ ‘ቢሮ ሰላምን ፀፅታን ትግራይ’ ብዝብል ሽም ዝተኸፍተ ኣካውንት 1.5 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለውዎ ክኸውን እንከሎ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ሰባት ብዛዕባ ኣብ ከተማታት መቐለ፣ ዓዲግራት፣ ኣክሱምን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን ትግራይ ብዛዕባ ዝንቀሳቐሱ ኤርትራውያን ሓበሬታ ብውሽጢ ክህቡ ዝጽውዕ መልእኽቲ ዘርጊሑ እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብ ትግራይ ግፋ ከምኡ’ውን ምልመላ መናእሰይ ኣሎ፣ ሓይልታት ትግራይ ናብ ዶባት ኤርትራ ይጽግዑ ኣለው ዝብሉ ዝርከቡዎም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምድንጋር ዝፈጥሩ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ይውዝዑ ኣለው ዝብሉ መልእኽታት ዘርጊሑ ነይሩ።

ይኹን’ምበር፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብሽም እቲ ቢሮ ዝኸፈቶ ናይ ፌስቡክ ገጽ ከም ዘየለ ብምግላጽ እቶም በዚ ገጽ ዝወጽኡ ሓበሬታታት “ቢሮና ዘይዘርግሖ ምዃኑ” ንሕብር ብምባል “ህዝቢ ካብ ዝዀነ ይኹን ምድንጋርን ጐናዊ ሳዕቤናቱ ክድሕንን ነዘኻኽር” ኢሉ።

ኣድላዪ እንተዀይኑ ድማ፡ ናይ ባዕሉ ገጽ ብምኽፋት ሓበሬታ ከብጽሕ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ካብዚ ብዝሰገረ፡ እቶም ኣብቲ ክልል ግፋ መናእሰይ ከም ዘሎ፣ ሰራዊት ናብ ዶባት ኤርትራ ይጽጋዕ ኣሎ ዝብሉ ሓበሬታታት “ሓሶት” እዮም ክብል ነጺጉ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ኣብ ትግራይ ዝቘመ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ምምሕዳር ኰይኑ ኣብ ውሽጢ ዝተፈላለያ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስትን ካቢኔን ዝሓዘ ምዃኑ ይፍለጥ።

ግጉይን ናይ ሓሶትን ሓበሬታ ብዘይምክፋልን ተመሳሲሎም ዝኽፈቱ ናይ ሓሶት ኣካውንታት ብዘይምስዓብን ዝርግሐ ዝንቡዕ ሓበሬታ ኣብ ምንካይ እጃምና ነበርክት።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::