ሽምን ምስልን ስነ ጥበባዊት ሰላማዊት ዮሃንስ ብምጥቃም ዝተኸፍቱ ናይ ሓሶት ኣካውንታት ፌስቡክ

fake facebook pages and accounts impersonating artist selamawit yohannes

07 ሚያዝያ  2015 ዓ.ም

ሽምን ምስልን ድምጻዊት ሰላማዊት ዮሃንስ ዝተኸፍቱ ዝተፈላለዩ ናይ ፌስቡክ ኣካውንታት ምህላዎም ተዓዚብና።

እዚኦም Selemawit Yohannes ሰላማዊት ዮሐኒስ፣ Selemawit Yohannes ሰላማዊት ዮሃንስ (Celebrator) ዝብሉ ይርከቡዎም።

እዞም ናይ ፌስቡክ ኣካውንታት ካብ ልዕሊ 120 ሽሕ ክሳብ 312 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለውዎም ልዕሊ 14 ናይ ሓሶት ኣካውንታት ምህላዎም ተዓዚብና።

እዞም ብኸም Selemawit Yohannis ሰላማዊት ዮሐንስ ዝብል ሽም ዝተኸፍቱ ስኑዓት ገጻት ዘይተረጋገጹን ዘናዕቡን ፖለቲካዊ መልእኽታት ዝጥቅዓሉ ምዃኑ ይርኣይ።

ካልእ ልዕሊ 300 ሽሕ ሰዓብቲ ዘልውዎ Selamawit Yohannes ሰላማዊት ዮሃኒስ ብዝብል ሽም ዝተኽፍተ ናይ ሓሶት ኣካውንት ፌስቡክ ድማ ትሕዝቶታት “addisgo.com” ዝተባህለ ድረ ገጽ ዝዝርግሖም ኣብ ዙርያ ኢትዮጵያውያን ስነ ጥበባውን ዝውግዑ ገለ ዘይተረጋገጹ ሓበሬታታት ከምኡ’ውን ቃና ዝተባህለ ቴሌቪዥን ዘመሓላልፎም ፊልምታት ዝጥቅዓሉ መርበብ ሓበሬታ የካፍሉ ምህላዎም ኢትዮጵያ ቼክ ዝገበሮ ምጽራይ የመልክት።

ድምጻዊት ሰላማዊት ዮሃንስ ነዚኦም ሓዊሱ ብርታት ዝበሉ ብሽማ ዝተኸፍቱ ናይ ሓሶት ኣካውንታት ፌስቡክ ምህላዎም ሓቢራ።

ንሳ ኣብቲ መረጋገጺ ምልክት ዘለዎ (ሰማያዊ ምልክት) ዘለዎን ትኽክለኛ ኣካውንትን ምዃኑ ዝገለጸትሉ መጥቀሚኣ ብቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዝሕለፈቶ መልእኽቲ ብሽማ ዝተኸፍቱ ናይ ሓሶት ኣካውንታት ምህላዎም ኣረጋጊጻ።

ትኽክለኛ ኣካውንት ፌስቡክ ስነ ጥበባዊት ሰላማዊት: ‘Selamawit Yohannis Amabw’ ዝብል 27 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለዎ https://www.facebook.com/selamawit.yohannis.94?mibextid=LQQJ4d ምዃኑ ኣብሪሃ።

እታ ድምጻዊት ብቋንቋታት ኣምሓርኛ ትግርኛን ስራሕታ ናብ ሰዓብታ ከተቕርብ ምጽንሓ ይፍለጥ።

ተመሳሲሎም ዝኽፈቱ ናይ ሓሶት ገጻትን ኣካውንታትን ብዘይምስዓብ ካብ ዝርግሐ ናይ ሓሶትን ስኑዓትን ሓበሬታታት ዓርስና ንሓሉ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::