‘ተመሃሮ 12 ክፍሊ ዝፍተንሉ ግዜ ብዝምልከቶ ኣካል ክግለጽ’ዩ’ –ዶ/ር ኪሮስ ጉዕሽ

Fake notice bearing the name of Tigray education bureau circulating on social media ተመሃሮ

ጥሪ  22፣  2016 .

ትማሊ፡ ኣብ ትግራይ 27 ጥሪ 2016 ዓ.ም ሃገራዊ ፈተና ክወሃብ ምዃኑ ዝሕብር ደብዳበ ብማሕበራዊ ሚዲያ ተወዚዑ ነይሩ።

እዚ፡ ብ20 ጥሪ “ካብ ቢሮ ትምህርቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናብ ቤት ጽሕፈት ኩለን ወረዳታትን ከተማታትን ክ/ከተማታታትን” ከም ዝተጽሓፈ ዝጠቅስ ደብዳበ ግን፡ ስኑዕን ግጉይ ሓበሬታ ዝሓዘን ምዃኑ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ገሊጹ።

ኢትዮጵያ ቼክ ብዝገበሮ ምጽራይ’ውን፡ እቲ ደብዳበ ምትዕርራይ ዝተገብረሉ፣ ጸገማት ኣጸሓሕፋን ሰዋሰውን ዘለዎ ምዃኑ ክግንዘብ ክኢሉ’ዩ።

ቅድም ኢሉ፡ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ምስ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብምርድዳእ ተመሃሮ 6 ጥሪ 2016 ዓ.ም ክፍተኑ መደብ ሒዙ ከም ዝነበረ ዶ/ር ኪሮስ ኣዘኻኺሩ።

እንተዀነ፡ እተን ተፈተንቲ 12 ክፍሊ ዝፍተኑለን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፡ ተመሃሮአን ድሒረን ምቕባል ብምጅማረን፡ እቲ ፈተና ኣብቲ ዝተትሓዘሉ ዕለት ክካየድ ኣይክኣለን።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ግዜ እቶም ተመሃሮ ንፈተና እንተተዳለውሉ ዝሓሸ’ዩ ብዝብል ፈተና ዝወሃበሉ ግዜ ከም ዝተናውሐ ዶ/ር ኪሮስ ንኢትዮጵያ ቼክ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣብሪሁ።

በዚ መሰረት፡ እቶም ተመሃሮ ዝፍተንሉ ግዜ፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ወግዓዊ ኣብ ዝገብሮ ግዜ ሰሌዳ ከም ዝኸውን ኣገንዚቡ።

ምቅድዳሕን ስርቂ ናይ ፈተና ወረቐትን ብምትራፍ እቲ መስርሕ ፈተና ተኣማኒ ንምግባር ብዝብል ካብ ቀረባ ዓመታት ንድሓር እቲ ፈተና ኣብ ትሕቲ ጥቡቕ ክትትል ኣብታ ሃገር ኣብ ዝርከባ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ይወሃብ ከም ዘሎ ይፍለጥ።

ኣብ ትግራይ ፈተና 12 ክፍሊ ዝወስዱ ተመሃሮ በቲ ዝጸንሐ ስርዓተ ትምህርቲ ካብ 11ን 12ን ክፍሊ ዝወጽኡ ፈተናታት ዝዳለወሎም ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ 2012 ዓ.ም 11 ክፍሊ ዝነበሩ ተመሃሮ እቶም ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩ ሸውዓተ ዓይነታት ትምህርቲ ክወስዱ እዮም።

ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ተመሃሮ 10ይ ክፍሊ ዝነበሩ ድማ ክሳብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዘሎ ግዜ ናይ 11 ክፍሊ ትምህርቲ ወዲኦም ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይ 12 ክፍሊ ትምህርቲ ዝመሃሩ ዘለው ኰይኖም ሚኒስትር ትምህርቲ ኣብ 2016 ዓ.ም ኣብ ዘውጽኦ ናይ ፈተና ፕሮግራም ዝፍተኑ ክዀኑ’ዮም።

ስለ ዝዀነ ድማ፡ ተመሃሮ ካብዚ ወጻእ ብዘለው ሓበሬታታት ከይተደናገሩ ትኹረት ገይሮም ክዳለው፣ ኣብያተ ትምህርቲ’ውን እቶም ተመሃሮ ናብ ውጽኢት ንክበቕዑ ክሰርሕኦ ዝግባእ ስራሕቲ ክሰርሓ ተላብዩ።

እዚ ከምዚ እንከሎ፡ እቲ ቢሮ ካብ ዝጥቀመሉ ናይ ፌስቡክ ገጽ ወጻእ ካልእ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ዘይብሉ ኣዘኻኺሩ።

እዚ፡ https://www.facebook.com/Tigrayeducation?mibextid=ZbWKwL ብዝብል መላግቦ ዝርከብ ኰይኑ 8.4 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለውዎ እዩ።

ተመሳሲሎም ካብ ዝቐርቡ ሓበሬታታትን ዝኽፈቱ ናይ ሓሶት ኣካውንታትን ዘብጽሑዎ ክሳራታት ዝርግሐ ናይ ሓሶትን ግጉይን ሓበሬታን ዓርስና ንሓሉ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::