ሽምን ምስልን ኣሉላ ሰለሞንን ጋዜጠኛ ስታሊን ገብረስላሰን ብምጥቃም ዝተመስርሐ ኣካውንት ፌስቡክ

fake facebook screenshot impersonating alula solomon and stalin gebreselassie's facebook accounts

27 ሰነ 2015 .

ትማሊ ሽምን ምስልን ኣሉላ ሰለሞንን ጋዜጠኛ ስታሊን ገብረስላሰን ብምጥቃም ዝተሰርሑ ናይ ፌስቡክ ቅዳሓት ክልቲኦም ኣንጻር ብተናጸል ዝሰርሑሎም ሚዲያታት ከም ዝዘመቱ ዝገልጹ መልእኽታት ክዝርግሑ ተዓዚብና።

እቲ ብሽም ኣሉላ ሰለሞን ምዃኑ ዝርኣይ ናይ ፌስቡክ ገጽ “ሞት ለዛራ ሚዲያ፤ ድል ለቲኤምኤች” ዝብል ብቋንቋ ኣምሓርኛ ዝተዳለወ ጽሑፍ ክሕዝ እንከሎ፡ ብተመሳሳሊ ብሽም ስታሊን ዝተመስርሐ ኣካውንት ድማ “ሞት ለቲኤምኤች፤ ድል ለዛራ ሚዲያ” ዝብል መልእኽቲ ኣለዎ።

እዞም መልእኽታት ኣብ ሓደ ለጊቦም ኣብ ገሊኡ ዋዛ ብዝመስል መገዲ ክውዝዑ እንከለው፡ ገለ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ድማ ክልቲኦም ውልቀሰባት ብውልቃዊ ቅርሕንቲ ኣብ ጽልኢ ከም ዝርከቡ ዝገልጹ ዘይብሎም መልእኽታት ከሕልፉሎም ኢትዮጵያ ቼክ ክዕዘብ ክኢሉ’ዩ።

ገሊኦም ድማ፡ እዚ ብሽም ክልቲኦም ውልቀሰባት ዝተኸፍተን ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ዘቕንዐ ብዝመስልን ዝቐረበ ምስሊ ‘ሼር’ ብምግባት ኣብ ልዕሊ ኣሉላ ሰለሞን ዘቕንዑ ክስታት ከቕርቡ’ውን ይርኣዩ።

ኣብዚ ጉዳይ ኢትዮጵያ ቼክ ንጋዜጠኛ ስታሊን ገብረስላሰ ከምኡ’ውን ኣሉላ ሰለሞን ዘዘራረበ ኰይኑ፡ እቶም ብሽሞምን ምስሎምን ዝተዳለው መልእኽታት “ምስሩሓትን ሓሶትን” ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

ኣሉላ እቲ ብሽሙን ምስሉን ዝተመስርሐ ምስሊ ስኑዕ ከም ዝዀነ ብምግላጽ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ግጉይ ምስልን ሓበሬታን ዘሕልፉ ጽሑፋት ብሽሙ ክውዝዑ ምጽንሖም ሓቢሩ።

ጋዜጠኛ ስታሊን ብወገኑ እቲ መልእኽቲ “ስኑዕ” ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ኢትዮጵያ ቼክ ኣብ ወግዓዊ ናይ ፌስቡክ ገጽ እቶም ውልቀሰባት ብዝገበሮ ዳህሳስ’ውን እዞም መልእኽታት ኣይርኣዩን።

ክሳብ ሕጂ ትኽክለኛ ኣካውንት ፌስቡክ ኣሉላ ሰለሞን ‘Alula Solomon’ ዝብል ሰማያዊ መረጋገጺ ምልክት ፌስቡክን ልዕሊ 300 ሽሕ ሰዓብቲን ዘለዎ https://www.facebook.com/alulasolomonk ኰይኑ፡ ወግዓዊ ናይ ፌስቡክ ኣካውንት ጋዜጠኛ ስታሊን’ውን Stalin Gebreselassie ዝብል ሰማያዊ መረጋገጺ ምልክት ዘለዎ https://www.facebook.com/stalinna ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣሉላ ሰለሞን መስራቲ ትግራይ ሚዲያ ሃውስ ዝተባህለ ኣብ ማሕበረ ፖለቲካዊ ጉዳያት ትግራይ ትኹረት ገይሩ ዝሰርሕ ቴሌቪዥን ሳተላይትን ተንታኒ ፖለቲካን ምዃኑ ይፍለጥ።

ጋዜጠኛ ስታሊን ገብረስላሰ ብወገኑ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክን ዩትዩብን ብሰፊሑ ዝፍለጥ ተንታኒ ፖለቲካ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ‘ዛራ ሚዲያ’ ኣብ ዝተባህለ ናይ ዩትዩብ ሚዲያ ክሰርሕ እንከሎ፡ ቅድም ኢሉ ጋዜጠኛ ትግራይ ሚዲያ ሃውስ ከም ዝነበረ ይዝከር።

ተመሳሲሎም ዝኽፈቱ ናይ ሓሶት ገጻትን ኣካውንታትን ብዘይምስዓብ ካብ ዝርግሐ ናይ ሓሶትን ስኑዓትን ሓበሬታታት ዓርስና ንሓሉ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::