ብሽም ትካል ድምጺ ወያነ ትግራይ ዝተኸፍቱ ዝተፈላለዩ ግጉያት ኣካውንታት ማሕበራዊ ሚዲያ

ድምጺ ወያነ

02ታሕሳስ፣ 2016 ዓ.ም

ሽምን ምስልን መደብር ቴሌቭዥን ድምጺ ወያነ ትግራይ ብምጥቃም ዝተኸፍቱ ዝተፈላለዩ ናይ ፌስቡክን ቴሌግራምን ኣካውንታት ምህላዎም ክንርዳእ ክኢልና ኣለና።

እዞም ኣካውንታት፡ እቲ ማዕከን ዜናን እዋናዊ ሓበሬታታን ካብ ዝፍኑዎም ትሕዝቶታት ወጻእ ዝዀኑ፣ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ዘጋግዩ ሓበሬታታትን ቅኑዓት ዘይኰኑ መልእኽታትን ዝሓልፈሎም ዘለውን እዮም።

18 ሽሕ ኣባላት ዘለውዎ ‘ድምፂ ወያነ ግሩፕ/ Dimsti Weyane group’ ብዝብል ሽምን ኣርማ ትካል ሬድዮን ቴሌቭዥንን ድምጺ ወያነ ትግራይ ኣብ ዝተኸፍተ ናይ ፌስቡክ ኣካውንት፡ ባህላዊ መድሓኒታትን ካልኦት ጥዕናዊ ሳዕቤን ክህልዎም ዝኽእል ዘይተለምዱ ሓበሬታታትን ብገለ ኣባላት እቲ ጉጅለ ዝመሓላለፈሉ ዘሎ እዩ።

ካልእ ‘Dimsti weyane’ – ‘ድምጺ ሕዝቢ’ ብዝብል መጥቀሚ ሽም ዝተኸፍተ ኣካውንት ቴሌግራም ድማ፡ መለለዪ ምልክት እቲ ትካል ዝተጠቐመ 152 ኣባላት ዘለውዎ ጉጅለ ክኸውን እንከሎ፡ በቲ ማዕኸን ዜና ካብ ዝስርሑ ጸብጻባት ወጻእ ዝዀኑ ርኢይቶታትን ብብዝሒ ዝለዋወጥሉ ምዃኑ ኢትዮጵያ ቼክ ክዕዘብ ክኢሉ ኣሎ።

ካልእ 717 ‘ሰብስክራይበራት’ ከምኡ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ዝተኸፍተ 73 ‘ሰብስክራይበራት’ ዘለውዎ ኣካውንታት ድማ፡ በቲ ትካል ዝስርሑ ጸብጻባትን ዝሓልፉ ሓበሬታታትን የካፍሉ።

በዚ መሰረት፡ ድምጺ ወያነ ትግራይ፡ ኣብ ቴሌግራም https://t.me/dwetinternational ብዝብል መላግቦ ዝርከብ ኰይኑ፡ 779 ‘ሰብስክራይበራት’ን መለለዪ ምልክት እቲ ትካል ዘለዎ ምዃኑ እቲ ትካል ንኢትዮጵያ ቼክ ኣረጋጊጹ። ትኽክለኛ ናይ ፌስቡክ ኣካውንት እቲ ትካል ድማ፡  https://www.facebook.com/dimtsiweyane?mibextid=ZbWKwL ኣብ ዝብል መላግቦ ዝርከብ 688 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለውዎ ኣካውንት እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ድወት ማሕበራዊ መራኸቢታት ዩትዩብን ትዊተርን ዝጥቀም ኰይኑ፡  https://twitter.com/dimtsiweyane?t=u5UMeb3HzXW2eaEf-QbVLA&s=08 ብዝብል ኣድራሻ ዝርከብ ልዕሊ 20 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለውዎ ኣካውንት ‘ኤክስ’ ከም ዘለዎን፡ https://www.youtube.com/@DimtsiWeyaneTV ድማ 394 ሽሕ ሰብስክራይበራት ዘለውዎ ናይ ዩትዩብ ገጹ ከም ዝዀነ ይፍለጥ።

ድምጺ ወያነ ትግራይ፡ ብቐንዱ ብቋንቋታት ትግርኛን ኣምሓርኛን ኣገልግሎት ዜናን እዋናዊ ሓበሬታን ዝህብን ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዝድህስሱ ምድላዋት ዘቕርብን ኣብ ትግራይ መደብሩ ዝገበረ ትካል ሬድዮን ቴሌቪዥንን ምዃኑ ይፍለጥ።

ተመሳሲሎም ካብ ዝኽፈቱ ናይ ሓሶት ኣካውንታትን ዘብጽሑዎ ክሳራታት ዝርግሐ ናይ ሓሶትን ግጉይን ሓበሬታን ዓርስና ንሓሉ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::