ዝተቐየረ ስርዓተ ትምህርቲ የለን፤ ኣምሓርኛውን ካብቲ ስርዓተ ትምህርቲ ኣይወጽአን” – ፕሮፌሰር ክንደያ /ህይወት ንኢትዮጵያ ቼክ

False information about Tigray region’s education curriculum

19 ሚያዝያ  2015 ዓ.ም

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ትምህርቲ ቋንቋ ኣምሓርኛ ካብ ስርዓተ ትምህርቲ እቲክልል ወጻእ ክኸውን ከም ዝገበረ ዝገልጹ ሓበሬታታት ብሰፊሑ ክዝርግሑ ተራእዮምዮም።

እቲ ሓበሬታ ምስሊ ኣወሃህባ ትምህርቲ ዘርኢ ሰሌዳ ኣተሓሒዙ ዝወጽአ እዩ።

ኢትዮጵያ ቼክ ርጉጽነት እዚ ሓበሬታ ዝምልከት ንኣተሓባባሪ ክላስተር ማሕበራዊ ጉዳይ ግዝያዊ ምምሕዳርትግራይ ዝዀነ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረህይወት ኣዘራሪቡ ኣሎ።

ፕሮፌሰር ክንደያ፡ዝተቐየረ ስርዓተ ትምህርቲ የለን፤ ቋንቋ ኣምሓርኛውን ካብቲ ስርዓተ ትምህርቲ ክወጽእኣይተገብረንብምባል እቲ ሓበሬታ ግጉይ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብቲ ክልል ብምኽንያት ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝነበረ ኲናት ተመሃሮ ንድሕሪት ምትራፎም ዝገለጸ እቲኣተሓባባሪ እዚ ንምክሕሓስ ዝተቐላጠፈ (accelerated) ሜላ ኣወሃህባ ትምህርቲ ተግባራዊ ክኸውን ከምዝተወሰነ ኣረዲኡ።

በዚ መሰረት ገለ ዓይነታት ትምህርቲ ካብ ክፍሊ ወጻኢ ክወሃቡ ክግበር እዩ ኢሉ። እዚኦም ኣካል እቲ ስርዓተትምህርቲ ከም ዝዀኑ ድማ ኣመልኪቱ።

ምስቲ ሓበሬታ ብዝተሓሓዝ ዝተዘርግሐ ሰሌዳ ዓይነታት ትምህርቲ ድማኰነ ተባሂሉ ተቘሪጹ ዝተዘርግሐምዃኑ ገሊጹ።

ኣብቲ ተቛሪጹ ዝተዘርግሐ ሰሌዳ ድማ ኣብ ክፍሊ ውሽጢ ዝወሃቢ ዓይነታት ትምህርቲ ተባሂሎም ዝተዘርግሑጥራይ ከም ዘርእይ ኢትዮጵያ ቼክ ንምርዳእ ክኢሉ ኣሎ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::