እዚ ቪድዮ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተቐድሐ ኣይኰነን፤ ኣብ ዕዳጋ ዝሽየጣ ደቂ ኣንስትዮ’ውን ኣየርእን

False message shared on twitter referring “Muslim women's market” in Ethiopia

24 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

እዚ፡ ብቕዳሕ ስእሊ ዝርኣይ ዘሎን “ዕዳጋ እስላም ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኢትዮጵያ” ምስ ዝብል ጽሑፍ ኣብ ትዊተር (X) ዝተዘርግሐ ቪድዮ ብርክት ዝበሉ ሰባት የጋውሑዎን ዝተፈላለዩ ርኢይቶታት ይህብሉ ከም ዘለውን ተዓዚብና።

ኣባል ባይቶ ሆላንድን ኣቦ መንበር ሰልፊ ናጽነትን (PVV) ጌርት ዊልደርስ (Geert Wilders) ድማ ነቲ ቪድዮ ኣብ ትዊተር https://x.com/geertwilderspvv/status/1695757261224694160?s=46&t=dmcdufxK8i9nmLEWi2- yGQ ዝጠቅዐ ውልቀሰብ እዩ።

እዚ ኣብቲ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰዓብቲ ዘለውዎ ዝተረጋገጸ (verified ዝዀነ) ኣካውንት እቲ ፖለቲከኛ ዝተኻፈለ ቪድዮ፡ ልዕሊ 213 ሽሕ ርእይቶታት ረኺቡ።

ልዕሊ 800 ተጠቀምቲ ትዊተር እውን ዳግማይ ናብ ካልኦት ኣካፊሎምዎ። ከምኡ’ውን ብዙሓት ተጠቀምቲ ትዊተር ሓሳብን ርእይቶን ሂቦምሉ።

ካልእ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለዎ ቡርሂ (Burhi) ዝተባህለ ዝተረጋገጸ ናይ ትዊተር ኣካውንት እውን ነቲ ቪድዮ ኣካፊሉዎ ኣሎ።

ምስኡ “ኣብ 2023 ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ንግዲ ጊላ። ኣብ ኢትዮጵያ እዩ ይብሃል” ዝብል ጽሑፍ እውን ቀሪቡ። https://x.com/burhimum/status/1691841437133164726?s=48&t=dmcdufxK8i9nmLEWi2-yGQ

ኢትዮጵያ ቼክ ግን ነቲ ቪድዮ መርሚሩ እቲ ቪድዮ ኣብ ኢትዮጵያ ከም ዘይተቐድሐ ኣረጋጊጹ።

እቶም ኣብቲ ቪድዮ ዝረኣዩ ጻዕዳ ክዳን ዝለበሱ ሰባት ንመሸጣ ዝቐረቡ ምዃኖም ዝገልጹ ጽሑፋዊ ሓበሬታታት እውን ሓሶት ምዃኖም ክዕዘብ ክኢሉ’ዩ።

እዚ ቪድዮ ኣብ ኣፍሪቃዊት ሃገረ ሰኔጋል ኣብ እትርከብ ጂላሰ (Djilasse) ዝተባህለት ዓዲ ዝተቐድሐት ኰይኑ ደቂ እቲ ዓዲ ‘ንዱት’ (Ndut) ተባሂሉ ንዝፍለጥ ባህላዊ ስነ ስርዓት ከቕርቡ ተኣኪቦም የርኢ።

እዚ ባህላውን ሃይማኖታውን ስርዓት ኣብ ኣብ ሰኔጋል፣ ጋምብያን ሞሪታንያን ዝርከቡ ህዝብታት ሰረር (Serer) ዝፍጽሙዎ ኰይኑ፡ ህጻናት ናብ ዕድመ ንእስነት ዝሰጋገሩሉ እዩ።

በዚ መሰረት ኣብቲ ቪድዮ እቶም ጻዕዳ ክዳን ተሸፊኖም ዝተራእዩ ካብ ቁልዕነት ናብ ንእስነት (ጉርዝውና) ዝሰጋገሩ ደቂ ተባዕትዮ ሰረር እዮም።

እዚ ኣብ ጂላስ ዝተፈጸመ ስርዓት ዘርእዩ ቪድዮታት ኣብ ቲክቶክን ዩትዩብን እውን ተዘርጊሖም ኣለው።

እዚ ቅድሚ 8 ወርሒ ዝተዘርግሐ ናይ ዩትዩብ ቪድዮ ድማ መስርሕ እቲ ስርዓት ብዝግባእ ዘርኢ እዩ፤  https://www.youtube.com/watch?v=nlRp1pzvwmQ

እቲ ስርዓት ብኻልእ ኩርናዕ ክቕረጽ ዘርኢ ቪድዮ እውን ቅድሚ 8 ኣዋርሕ ኣብ ቲክቶክ ተኻፊሉ ነይሩ፤ ኣብዚ መላግቦ ድማ https://www.tiktok.com/@lang.simal.tv/video/7181753490769825030 ይርከብ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::