ፈረንሳ: ሕጹያት ተወዳደርቲ ቅድሚ መረጻ ኣብ ዘለው ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሰማያዊ ባጅ ትዊተር ክጥቀሙ ከም ዘይኽእሉ ኣፍሊጣ

21 ሓምለ 2015 .

1. ፈረንሳ ቅድሚ መዓልቲ ምርጫ ኣብ ዘለው ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሕጹያት ሰማያዊ ባጅ ትዊተር ክጥቀሙ ከም ዘይኽእሉ ኣፍሊጣ። ሃገራዊ ኮሚሽን ምክትታል ፖለቲካዊ ፋይናንስ (CNCCFP) ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ እቲ ብኽፍሊት ዝርከብ ሰማያዊ ባጅ ሕጊ መረጻ ፈረንሳ ዝጥሕስ ምዃኑ ገሊጹ። ሕጊ መረጻ ፈረንሳ፡ ቅድሚ መዓልቲ መረጻ ኣብ ዘለው ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብኽፍሊት ዝግበር ጐስጓሳት ሚድያ ከም ዝኽልክል ይፍለጥ።

2. ሓጸርቲ ቪድዮታት ንምዝርጋሕ ብዙሓት ዝመርጹዎ ቲክቶክ፡ ዓማዊሉ ጽሑፍ ዘካፍልሉ ሓድሽ ስርዓት ከም ዘተኣታተወ ኣፍሊጡ። እዚ ሓድሽ ኣገልግሎት ዓማዊሉ ሓሳቦት ዝገልጽሎም ኣማራጺታት ከስፍሕ’ዩ ክብል ቲክቶክ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

3. ትዊተር ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ስሙን ምልክት ንግዱን ናብ ‘X’ ይቕይር ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። በዚ መሰረት እታ ኣብ ትዊተር እትርከብ ጻዕዳ ዑፍ ብ’X’ ተተኪኣ ኣላ። ምቕያር ምልክት ንግድን ሽምን ትዊተር እቲ ኣገልግሎት ማሕበራዊ ሚዲያ ዝህብ መድረኽ ናብ ኩለ መዳያዊ መተግበሪ (the everything app) ንምቕያር ዝዓለመ ምዃኑ ዋና ትዊተር ኢለን መስክ ገሊጹ።

መላግቦታት ቴሌግራም ኣብዚ ሰሙን ዘቕረብናዮም ጸብጻባት:

– ኣብ መልእኽቲ ሰኑይ ቴክኖሎጂ ሰብ ሰርሖ ብልሒ ዝምልከት ብትግርኛ ኣቕሪብና:

https://t.me/ethiopiacheck/2093

– ከምኡ’ውን ፈተና 12 ክፍሊ ተሰሪቑ ወጺኡ ዝብል ሓበሬታ ኣጻሪና:

https://t.me/ethiopiacheck/2095

– ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብሰፊሑ ክዝርጋሕ ዝቐነየ ቪድዮ’ውን ኣጻሪና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2099

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::