ሰሙናዊ ዳህሳስ ዕለተ ዓርቢ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ዘረባ ጽልኣትን ዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ብሰፊሑ ከም ዝተራእየ ተገሊጹ

1 መጋቢት 2015 ዓ.ም
- ማኔጂንግ ዳይሬክተር መጽሄት ፍትህ ተመስገኝ ደሳለኝ ካብ ዝተኸሰሰሉ ገበን ምውዛዕ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብናጻ ከም ዝተሰናበተ ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ብሮቡዕ ጸብጺቡ። እቲ ጋዜጠኛ ብናጻ ዘሰናበተ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ልደታ ቀዳማይ መጋብኣያ ጸረ ራዕድን ሕገመንግስትን ከም ዝዀነ’ውን ሓቢሩ። ጋዜጠኛ ተመስገን “ወተሃደራዊ ጉዳያት” ብዝብል ርእሲ ብ2012 ዓ.ም፣ “ሰራዊት ምክልኻል ትካላዊ ዶስ ኔትዎርክ” ብዝብል ርእሲ ድማ ብ2014 ዓ.ም ኣብቲ መጽሄት ብዘሐተሞም ጽሑፋት ብዝተሓሓዝ ካብ ዝቐረብሉ ክስታት’ዩ ናጻ ከም ዝተባህለ ዝግለጽ ዘሎ። እቲ ቤት ፍርዲ መበገሲ እቲ ክሲ ዝዀኑ ጽሑፋት ብፍሉይ ኩነታት ዝሕለፉን እቲ ሕትመት ናይ ጽልኣት ሓበሬታ ንምሕላፍ ዘይኰነ ተጠቒሙሉ፡ ጸብጻብ ዜና ንምሕላፍ ከም ዝዀነ ብምግንዛብ ብናጻ ክሰናበት ከም ዝወሰነ ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።
- ፕሬዝደንት ቱኒዝያ ኬይስ ስዒድ ኣንጻር ስደተኛታት ዘስምዖ ዘረባ ጽልኣት ስዒቡ ባንኪ ዓለም ኣብታ ሃገር ተግባራዊ ዝገብሮም ድጋፋት መርሖ ስራሕቲ ከም ዝገትአ ተሓቢሩ። ኤኤፍፒ ንፕሬዝደንት እቲ ባንኪ ጸሪሑ ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ዘረባ እቲ ፕሬዝደንት “ዓሌት ተኰር፤ ኢሉ’ውን ጐንጺ ዘለዓዕል’ዩ” ከም ዝበለ ገሊጹ። ፕሬዝደንት ኬይስ ስዒድ ካብ ደቡባዊ ሰሃራ ዝመጽኡ ስደተኛታት ብገበን ከምኡ’ውን ምዝባዕ ምጣነ ስነ ህዝቢ ዝኸስስ ዘረባ ድሕሪ ምስምዑ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ትካላት ነዚ ዝኹንን መግለጺታት ከም ዘውጽኣ ይፍለጥ።
- ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣመታት ዘረባ ጽልኣትን ዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ጐሊሑ ከም ዝተራእየን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተርኣዩ ጸገማት’ውን መንቀሊ ይኸውን ከም ዝነበረን ሚኒስትሪ ዲኤታ ሚኒስትር ሰላም ዶክተር ስዩም መስፍን ተዛሪቡ። እቲ ሚኒስትሪ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዙርያ ኣዋጅ ዘረባ ጽልኣትን ዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ንሙሁራት፣ ሰራሕተኛታት ሚዲያ፣ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚዲያን ፍሉጣን ሰባትን መዕበዪ ግንዛበ ስልጠና ሂቡ። ዶክተር ስዩም ኣብዚ መድረኽ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ “ዘረባ ጽልኣት ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ዝፈጥሮ ካብ ውሉድ ወለዶ ዝመሓላለፍ ሕማቕ በሰላ ካብ ኲናት ንላዕሊ’ዩ” ኢሉ።
ኣብዚ ሰሙን ዘቕረብናዮም ሓበሬታታትን ዝርከብሉ ፈለጋት ቴሌግራምን
- ኣብ መልእኽቲ ሰኑይ “ዜጋታት ዘይተገደበ ሓበሬታ ክረኽቡ ምግባር ንናይ ሓሶት ሓበሬታ ናይ ምቅላዕ ዕድሎም ይንኪ” ብዝብል ጽሑፍ ኣካፊልና https://t.me/ethiopiacheck/1892
- ኣብ ቦረና ምስ ዝተኸሰተ ደርቂ ብዝተሓሓዝ ዝተወዝዐ ስእሊ’ውን ኣጻሪና
https://t.me/ethiopiacheck/1893
https://t.me/ethiopiacheck/1894
- ኣብዚ ሰሙን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብዛዕና ዝዘውር ዘሎ ሜላ ምትላላት’ውን ፈቲሽና ኣቕሪብና
https://t.me/ethiopiacheck/1899
ብተወሳኺ ግንዛበ ኣጠቓቕማ ሚዲያ ዘዕብዩ ብምስሊ ዝተደገፉ ዝተፈላለዩ መልእኽታት ኣቕሪብና
https://t.me/ethiopiacheck/1895
ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ
ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::