ሰሙናዊ ዳህሳስ ዕለተ ዓርቢ፡ ትዊተር ኣብ ፖሊሲ መነዓቢ ዘረባ ምምሕያሽ ገይሩ

TikTok agrees to have its content moderated in Kenya

ለካቲት 24/2015 ዓ.ም

  1. ትዊተር ኣብ መፋርቕ እዚ ሰሙን ኣብ ፖሊሲ መነዓቢ ዘረባ (Violent Speech Policy) ምምሕያሽ ከም ዝገበረ ኣፍሊጡ። እቲ ምምሕያሽ ዝርዝር ብመነዓቢ ዘረባ ክውሰዱ ዝኽእሉ ትሕዝቶታት ኣቐሚጡ ኣሎ። ሰባት ንምቕታል፣ ንምስርጣይ፣ ጾታዊ መጥቃዕቲ ንምብጻሕ ምሕናይ ዘቕጽዑ ትሕዝቶታት ምዃኖም ዘርዚሩ። ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ መዕቆብን ቤትን ውልቀሰባት፣ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝህቡ መሰረተ ልምዓት ጉድኣት ንምብጻሕ ምፍርራሕ ኽልኩል’ዩ ይብል። ናዕቢ ምልዕዓልን ምትብባዕን’ውን ኣብቲ ዝርዝር ሰፊሩ ይርከብ። እዞም ፖሊሲታት ዝጥሕሱ ተጠቀምቲ ብደረጃ ጥፍኣቶም ግዝያውን ዘላቕን እገዳ ከም ዝግበረሎም ገሊጹ።
  2. ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቱኒዝያ ኣንጻር ስደተኛታት ኣፍሪቃውያን ተሰሚዑ ዝበሎ ናይ ጽልኣት ዘረባ ኰኒኑ። እቲ ኮሚሽን ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ቐዋሚ ተወካሊ ቱኒዝያ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ብህጹጽ ጸዊዑ ከም ዘዘራረቦ ሓቢሩ። ፕሬዝደንት እታ ሃገር ኬይስ ስዒድ ካብ ደቡባዊ ሰሃራ ንዝመጽኡ ስደተኛታት ብገበነኛ ከምኡ’ውን ምዝባዕ ምጣነ ስነ ህዝቢ ዝኸስስ ዘረባ ከስምዕ እንከሎ ንዕኡ ስዒቡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ትካላትን ሲቪክ ማሕበራትን ነዚ ዝኹንን መግለጺታት ከም ዘውጽኡ ይፍለጥ።
  3. ኣብ 2022 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኣውሮፓ) ኣብ 35 ሃገራት እገዳ ኢንተርነትን ምትእጉጓልን ከም ዝተራእየ ኣክሰስ ናው (Access Now) ዝተባህለ ትካል ኣብዚ ሰሙን ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። እዚ ትካል ምስ ካልኦት መሓዙት ትካላት ብምዃን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ከምዚኦም ዝበሉ ተግባራት ክምዝገቡ ካብ ዝጀመርሉ ግዜ ኣትሒዙ ዝተራእየ እቲ ዝለዓለ እገዳ እዩ ኢሎም። እቲ ስጉምቲ ብፍላይ ሰባት ዝሓሸ ሓበሬታ ኣብ ዝደልይሉ ዘይምርግጋእ፣ ኲናት፣ ቅልውላው ሰባትን ካልኦትን ኣብ ዝተኸሰቱሎም እዋናት ዝተራእየ ምዃኑ’ውን እቲ ጸብጻብ የመልክት። ዘይምርግጋእ ኣብ ዝህልወሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝግበር እገዳን ምትእጉጓልን ንዝርግሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታ፣ ትንተና ውዲትን ቤላ ቤሎን ዝደፍእ ምኽንያት ክኸውን ከም ዝኽእል ሰብ ሞያ ይገልጹ።

✅️ ኣብዚ ሰሙን ዘቕረብናዮም ሓበሬታታትን ፈለጋት ቴሌግራምን፡

– ኣብ መልእኽቲ ሰኑይ ሓቃውነት ኣብ መርበብ ሓበሬታ እንረኽቦም ሓበሬታታት ንምፍላጥ ዝሕግዙ ነጥብታት ብትግርኛ ኣቕሪብና፤ https://t.me/ethiopiacheck/1875

-ከምኡ’ውን ኣብዚ ሰሙን ኣብ ሰማያት ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ ዝተራእያ ነፈርቲ ሓበሬታ ኣቕሪብና፡ https://t.me/ethiopiacheck/1878

– ኢትዮ ኣሜሪካን ዴቨሎፕመንት ካውንስል ኣብ ዙርያ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኣዲስ ኣበባ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣጻሪና፡ https://t.me/ethiopiacheck/1881

https://t.me/ethiopiacheck/1882

– “ሓደ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብሰፊሑ ክዝርጋሕ ዝገብር ምኽንያት እንታይ’ዩ?” ዝብል ውጽኢትን ትንታነን መሕትት ህዝቢ ኣቕሪብና፡

https://t.me/ethiopiacheck/1876

https://t.me/ethiopiacheck/1883

https://t.me/ethiopiacheck/1885

https://t.me/ethiopiacheck/1886

–ብተወሳኺ ዝተፈላለየ ኣጠቓቕማ ሚዲያ ንምዕባይ ዝሕግዙ ብቪድዮ ዝተደገፉ መልእኽታት ናባኹም ኣብጺሕና፡ ኢና

https://t.me/ethiopiacheck/1877

https://t.me/ethiopiacheck/1879

https://t.me/ethiopiacheck/1880

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::