ናይ ሓሶትን ግጉይን ሓበሬታ ነቲ ዝምዕብል ዘሎ ዲሞክራሲ ጋና ሓደጋ ስግኣት ምዃኑ ተገሊጹ

11 መስከረም፣ 2016 ዓ.ም

  1. ቲክቶክ ቴክኖሎጂ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ (ሰብ-ሰርሖ ብልሒ) ብምጥቃም ዝስርሑ ትሕዝቶታት ዘለልን ምልክት ዝገብርን ሓጋዚ መሳርሒ ንምጅማር ምድላዋት ከም ዝገበረ ኣፍሊጡ። እዚ ብቴክኖሎጂ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዝተሰርሑ ትሕዝቶታት ብቐሊሉ ከምዝፈሊ ይግለጽ። ቲክቶክ ዲፕፌክ ሓዊሱ በቲ ቴክኖሎጂ ዝስርሑ ትሕዝቶታት ክሳብ ምኽልካል ዘብጽሕ ጥቡቕ ፖሊሲ ከም ዘለዎ ይፍለጥ።
  1. ሜታ ፌስቡክን ኢንስታግራምን ንዝጥቀሙ ትካላት ሰማያዊ ባጅ ምሻጥ ከም ዝጀመረ ኣፍሊጡ። ሜታ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ሰማያዊ ባጅ ቁጽሪ ርኣይቲ እቶም ትካላት ከም ዝውስኽን ተመሳሲሎም ዝኽፈቱ ኣካውንታት ብቐሊሉ ከተለሊ ከም ዘኽእልን ሓቢሩ። ሜታ ቅድም ኢሉ ንውልቃዊ ኣካውንት ዘለዎም ዓማዊል ሰማያዊ ባጅ ምሻጥ ምጅማሩ ይፍለጥ።
  1. ምውሳኽ ዝርግሐ ናይ ሓሶትን ግጉይን ሓበሬታ ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ጋና ከየዳኽሞ ስግኣት ከም ዘለዎ ሚኒስተር ኮሚኒኬሽን እታ ሃገር ኣፍሊጡ። ሚኒስተር ኮጆ ኦፖንግ ንኩሩማሄ፡ መራኸቢ ብዙሓን ነቲ ጸገም ኣብ ምክልኻል ዘርኣየኦ ዕሽሽታ ከም ዘሻቐሎ’ውን ገሊጹ። ንሱ: ኩለን ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ምዝርጋሕ ናይ ሓሶትን ዝተዛብዐን ሓበሬታ ይነጥፋ ምህላወን ኣብሪሁ።

መላግቦታት ቴሌግራም ኣብዚ ሰሙን ዘቕረብናዮም ሓበሬታት፤

– ኣብ መልእኽቲ ሰኑይ ብዛዕባ ንቕሓት ኣጠቓቕማ ሚድያ ዝምልከት ጽሑፍ ኣካፊልና።https://t.me/ethiopiacheck/2188

– ኣብ ኣምቦ ዩኒቨርስቲ ሰልፊ ተቓውሞ ተኻይዱ ብዝብል ዝቐረበ ግጉይ ስእሊ ኣቃሊዕና:https://t.me/ethiopiacheck/2190

– ናይ ጽልኢ መልእኽትታት ንምክልኻል ክህልወና ዝግበኣና ኣበርክቶ ዝገልጽ ጽሑፍ እውን ኣቕሪብና: https://t.me/ethiopiacheck/2191

-ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ ሚድያ ብመንጽር ጥዕና ኣእምሮ ዝድህስስ መልእኽቲ እውን ኣካፊልና ኣለና: https://t.me/ethiopiacheck/2192

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::