ስግኣት ሰብ ሰርሖ-ብልሒ ንምንካይ ኣህጉራዊ ምውዳድ ንክህሉ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ

09 ሰኔ 2015 ዓ.ም
- ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት ዘሎ ምውሳኽ ናይ ሓሶት ሓበሬታታትን ዘረባታት ጽልኣትን ከምኡ’ውን ስግኣት ሰብ ሰርሖ-ብልሒ ንምንካይ ዝተዋደደ ኣህጉራዊ መልሲ ከም ዘድሊ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ ገሊጹ። መንግስታት፣ ኩባኒያታት ቴክኖሎጅን መወዓዋዕትን ዝግዝእሉ መትከል ስነ-ምግባር (code of conduct) እውን ከም ዘድሊ ኣገንዚቡ። እዚ ጉዳይ ዝምልከቶ ሳይንሳዊ ኣማኻሪ ቦርድ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ከም ዘቑም ዝገለጸ ጉተረስ ስግኣት ሰብ ሰርሖ-ብልሒ ንምቁጽጻር ከም ኤጀንሲ ኣቶሚካዊ ሓይሊ ዝበለ ትካል ክቐውም ከም ዝድግፍ ተዛሪቡ።
- ዩትዩብ ትሕዝቶ ዝፈጥሩ ሰባት ካብ መውዓውዒ እቶት ናብ ዝረኽብሉ መስርሕ ዝኣትውሉ መዐቀኒ ክፈኵስ ከም ዝገበረ ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ ሓድሽ መዐቀኒ ናብዚ መስርሕ ዝኣትው ሰባት 500 ዓማዊል (ሳብስክራይበራት) ምፍራይ፣ ሰለስተ ቪድዮታት ምጽዓን፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት 3000 ናይ ምርኣይ ሰዓታት ምውህላል ወይ’ውን ኣብ ውሽጢ 90 መዓልታት ሓደ ሓጺር ቪድዮ ዝርኣየሉ ብዝሒ ሰለስተ ሚሊዮን ዘመዝገበ ክኸውን ኣለዎ። ቅድም ኢሉ ናብቲ መስርሕ ንምጽንባር፡ ሓደ ሽሕ ዓማዊል ምፍራይ፣ 4000 ቪድዮታት ዝተርኣዩሎም ሰዓታት ምውህላል፣ ሓደ ሓጺር ቪድዮ ዝርኣየሉ ብዝሒ 10 ሚሊዮን ክኸውን ይጠልብ ነይሩ። እዞም መዐቀኒታት ምፍኳሶም ግን ብዝሒ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዝውዝዑ ሰባት ክውስኽ ምኽንያት ክኸውን እዩ ዝብል ስክፍታታት ፈጢሩ ኣሎ።
- ትዊተር ናይ ሰማያዊ ባጅ ዓማዊሉ (Twittet Blue Subscribers) ሓደ መልእኽቲ ምስ ጠቅዑ እርማት ወይ ‘ኤዲት’ ዝገብርሉ ግዜ ናብ ሓደ ሰዓት ከም ዝናዋሕ ገይሩ። ትዊተር፡ ‘ኤዲት’ ዝብል ኣገልግሎት ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ንናይ ሰማያዊ ባጅ ዓማዊሉ ጥራይ ከም ዘተኣታተወ ክገልጽ እንከሎ እቶም ተጠቀምቲ መልእኽታቶም ምስ ጠቅዑ እርማት ንምግባር ዘፍቅደሎም ዝነበረ ግዜ ሓንቲ ደቒቕ ጥራይ’ያ ነይራ።
️ መላግቦታት ቴሌግራም ኣብዚ ሰሙን ዘካፈልናዮም ሓበሬታታት፡
– ኣብ መልእኽቲ ሰኑይ ማሕበራዊ ሚዲያታት ትኽክለኛ ምዃኖም ዘረጋግጹ ምልክታት ብኸመይ ንረክብ ዝብል ዘረድእ ጽሑፍ ብትግርኛ ኣቕሪብና፤
https://t.me/ethiopiacheck/2031
– ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ካብ ሕሳብ ዓማዊሉ ብዛዕባ ዝፍጸም ዘሎ ጕሕለት ኣመልኪቱ ዘውጽኦ መተሓሳሰቢ ብቋንቋታት ኣምሓርኛን ትግርኛ ኣቕሪብና፤
https://t.me/ethiopiacheck/2033
https://t.me/ethiopiacheck/2034
– ኣካቢ ቦርድ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ ግርማ ዋቆ ተዛሪቡዎም ተባሂሎም ብቲክቶክ ክመሓላለፉ ዝቐነዩ ቪድዮታት’ውን ኣጻሪና፤
https://t.me/ethiopiacheck/2035
https://t.me/ethiopiacheck/2036
ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ
ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::