36 ሲቪክ ማሕበራት ዝርግሐ ዘረባ ጽልኣትን ግጉይ ሓበሬታታትን ጠጠው ክብል ሓቲተን

03 ጷጉሜ 2015 ዓ.ም

  1. ሲቪክ ማሕበራት ዝርግሐ ዘረባ ጽልኣትን ግጉይ ሓበሬታታትን ጠጠው ክብል ሓቲተን። እተን ማሕበራት ሓድሽ ዓመት ኢትዮጵያ ኣመልኪተን ኣብ ዘቕረብኦ ጻውዒት ሰላም ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት “ዘረባ ጽልኣትን ጐንጺ ዘለዓዕሉ መልእኽታትን ናዕቢ ዝተሓወሶም ጐንጺታት ዘስዕቡን ዘጋድዱን ምዃኖም ተገንዚብና ኢና” ብምባል ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚዲያን ካልኦትን ግጉያት ሓበሬታታት ካብ ምውዛዕ ከምኡ’ውን ህዝቢ ብጃምላ ካብ ዝኹንኑ ወይ ጐንጺ ዘልዕሉ ኣጠቓቕማ ቋንቋን መልእኽታትን ክቐጠቡ ኣተሓሳሲቦም።
  1. ዩትዩብ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ንዝርከቡ ሰብ ሞያ ሕክምና መረጋገጺ ብቕዓት ባጅ ምሃብ ጀሚሩ። እዚ ኣብቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝውዝዑ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ንምክልኻል ዝዓለመ ምዃኑ ጸብጻብ ቢቢሲ የመልክት። ዶኳትር፣ ነርሳትን ሰብ ሞያ ስነ ልቦናን እዚ ባጅ ንምርካብ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ክምዝገቡ ከም ዝጀመሩ ተገሊጹ። እዚ ምዝገባ ካብ ሞንጐ ዝሓቶም መዐቀኒታት ፍቓድ ሕክምናን ቅድሚ ሕጂ ናይ ሓሶትን ግጉይን ትሕዝቶ ዘለዎም ሓበሬታታት ዘይምውዛዕ ዝብሉ ይርከቡዎም። እቲ ባጅ ዝረኽቡ ሰብ ሞያ ዘካፍሉዎ ሓበሬታ ድማ ኣቐዲሙ ክርኣይ ከም ዝግበር ተሓቢሩ። ዩትዩብ ኣብቲ ዓውዲ ናይ ሓሶት መልእኽታት ንምቁጽጻር ዝሕግዞ ምምሕያሻት ፖሊሲ ከም ዝገበረ ይፍለጥ።
  1. ጉግል ኣብ ውሽጢ ኣብ ትሕቲ ውጽኢት ኣለሻ ዘርእዮም ጭራማት (Snippets) ሽም ጸሓፍቲ ዜናን ካልኦት ትሕቶታትን ንምክታት ፈተነ ጀሚሩ። እዚ ድማ ኣንበብቲ ዝሓሸ ሓበሬታ ንክረኽቡ ከም ዝሕግዞም ሰራውንድቴብል ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ገሊጹ። ጉግል ቅድሚ ሕጂ ርእሲ ዜና፣ ምስልን ኣገደስቲ ነጥብታትን የርኢ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።

መላግቦታት ቴሌግራም ኣብዚ ሰሙን ዘቕረብናዮም ጸብጻባት

– ኣብ መልእኽቲ ዕለተ ሰኑይ ብዛዕባ ጥዕና ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝቐርቡ ሓበሬታታት ዝምልከት ክንገብሮ ዝግባእ ጥንቃቐ ኣቕሪብና:

https://t.me/ethiopiacheck/2169

– ብሽም ባንክ ሕብረት ኦሮሚያ ዝተኸፍተ ናይ ሓሶት ቻነል ቴሌግራም ኣቃሊዕና:

https://t.me/ethiopiacheck/2172

-ኣብ እግሪ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝውሃቡ ርኢይቶታት ምንባብ ትኽክለኛ ሓበሬታ ንምርካብ ዘለዎ ግደ ዝምልከት መብርሂ:

https://t.me/ethiopiacheck/2173

https://t.me/ethiopiacheck/2174

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::