ጉግል ዜና ዝጽሕፍ ቴክኖሎጂ ሰብ ሰርሖ ብልሒ ናብ ስራሕ ንምእታው ፈተነ ከም ዝጀመረ ተገሊጹ

14 ሓምለ 2015 .

  1. ጉግል ዜና ዝጽሕፍ ቴክኖሎጂ ሰብ ሰርሒ ብልሒ ናብ ስራሕ ንምእታው ፈተነ ከም ዝጀመረ ጋዜጣ ዘ ኒውዮርክ ታይምስ ጸብጺቡ። ጉግል ነዚ ኣመልኪቱ ንዋና ዋሽንግተን ፖስት፣ ኒውዮርክ ታይምስን ዎል ስትሪት ጆርናልን ኒውስ ኮርፕ መግለጺ ምሃቡ’ውን ተሓቢሩ። እዚ ዜና ዝጽሕፍ ቴክኖሎጂ ሰብ ሰርሖ ብልሒ ዋላ’ውን ንጋዜጠኛታት ዝትክእ እንተዘይኰነ ሓጋዛይ ኰይኑ ስርሖም ዘፋኹስን ብቴክኖሎጂታት መልሲ ዝህብ ሰብ ሰርሖ ብልሒ (Generative AI) ዝምስርሑ ናይ ሓሶት ጸብጻባት ንምፍላይ ከም ዝሕግዝን ጉግል ይገልጽ። ነቲ ጋዜጣ ርኢይቶኦም ዝሃቡ ሰብ ሞያ ሚዲያ ብወገኖም ዓቕሚ ምርዳእ ዓውዲ ትሕዝቶታት እቲ ቴክኖሎጂ ከም ዝጠራጠሩዎ ኣረዲኦም።
  1. ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝውዝዑ ናይ ሓሶት ሓበሬታታትን ጐንጺ ዘለዓዕሉ ተንቀሳቐስቲ ምስልታትን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ፍርሕን ስግኣትን ፈጢሮም’ዮም ክብል ሓላፊ ዳይሬክቶሬት መርመራ ገበን ኬንያ መሓመድ ኣሚን ተዛሪቡ። ንሱ ኣብዚ ሰሙን ንካፒታል ኤፍኤም ኣብ ዝሃቦ ቃል ቤት ጽሕፈቱ ነቲ ተግባር ብትኹረት ይከታተሎ ከም ዘሎ ብምግላጽ መልእኽታት ናይ ሓሶት ሓበሬታትን ጐንጽን ዝውዝዑ ኣካላት ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ኣተሓሳሲቡ። ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ ተቓውሞን ዘይምርግጋእን ስዒቡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ከም ዝሞቱ ይፍለጥ።
  1. ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚዲያታት ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ከም ዝተላዕለ ተዓዚብና። ካብ መጀመርታ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ፌስቡክ፣ ቲክቶክ፣ ዩትዩቱብ፣ ቴሌግራምን ሜሴንጀርን እገዳ ተነቢሩ ምጽንሑ ይፍለጥ። መብዛሕትኦም ተጠቀምቲ ድማ ብቪፒኤን (VPN) ኣገልግሎት ክረኽቡ ጸኒሖም።

መላግቦታት ቴሌግራም ኣብዚ ሰሙን ዘቕረብናዮም ጸብጻባት:

– ኣብ መልእኽቲ ሰኑይ ቴክኖሎጂ ሰብ ሰርሖ ብልሒ ሒዙዎ ዝመጽእ ዘሎ ስግኣታት ዝጥምት ጽሑፍ ብቋንቋ ኣፋን ኦሮሞ ኣቕሪብና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2086

– ኣብ ኢትዮጵያ ንኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚዲያታት ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳታት ምልዓሉ ዝሕብር ዜና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2088

– “ማሕበራዊ ሚዲያ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዎ ጽልዋ ክሳብ ምንታይ’ዩ?” ብዝብል ዘቕረብናዮ መሕትት ስዒቡ ዝረኸብናዮ ምላሽ’ውን ኣቕሪብና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2089

– ኣዛዚ ፖሊስ ምምሕዳር ከተማ ወረታ ተቐቲሉ ብዝብል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ኣመልኪቱ ምምሕዳር እታ ከተማ ዝሃቦ ምላሽ፡

https://t.me/ethiopiacheck/2090

– ካብ ዓውዲ ወጻኢ ዝተወስዱ ምስልታት ንምፍላይ ዝሕግዙ መገዲታት ዝምልከት ሓበሬታ’ውን ኣቕሪብና፡

https://t.me/ethiopiacheck/2091

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::