መድሃኒት ተመሓላለፊ ቫይረስ ኤችኣይቪ ተረኺቡ ድዩ?

21 ሓምለ፣ 2016 ዓ.ም
ኣብ ዝሓለፋ መዓልታት ክታበት ቫይረስ ኤችኣይቪ ተረኺቡ ዝብሉ ሓበሬታታት ክወጽኡ ተዓዚብና።
እዚኦም፡ እቲ ክታበት ኣመሪካዊ ትካል ጊሊያድ ዝረኸቦ ‘ሳንሌንካ’ ዝተባህለ ሓድሽ ክታበት ከም ዝዀነን “ኣብ ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ግዳያት ተፈቲኑ ኵሎም ካብቲ ቫይረስ ነጻ ምዃኖም ከም ዝተረጋገጸን” ይገልጹ።
ነዚ መሰረት ብምግባር ብዙሓት፡ እዚ ሓበሬታ እንታይ ማለት’ዩ? ንግዳያት ዝፍውስ ድዩ? መረጋገጺ ዝኸውን ሓበሬታ ኣበይ ኣሎ? ዝብሉን ካልኦት ሕቶታትን ከልዕሉ ተዓዚብና።
እዚ ብሮቡዕ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ሒዞምዎ ዝወጽኡ ሓበሬታ፡ እዚ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ብመርፍእ ዝውሰድ ክታበት፡ ሓድሽ ረኽሲ ኤችኣይቪ ንምክልኻል ክሕግዝ ከም ዝኽእል እዮም ዘመልክቱ።
እዚ ክታበት ድማ፡ ክሳብ ሕዚ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዝተገብረ ፈተነ ኮይኑ፡ ረኽሲ ኣብ ምክልኻል “100 ሚእታዊት ውጽኢታዊ ምዃኑ” ከም ዝተረጋገጸ ተመራመርቲ ይገልጹ ኣለው።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኡጋንዳን ኣብ ኣስታት 5 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ኣብተን ነዚ መድሃኒት ዝወሰዳ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ሓድሽ መልከፍቲ ከም ዘይተራእየ ተመራመርቲ ገሊጾም።
እዚ ክታበት ጊሊያድ ሳይንስስ ዝተባህለ ትካል ዘፍረዮ ኮይኑ ‘ሳንሌንካ’ ብዝብል ኣብ ኣመሪካ ረኽሲ ኤችኣይቪ ንምክልኻል ጥራይ ክሽየጥ ዝጸደቐ ምዃኑ ይሕብር።
ዕላማ ናይቲ ፈተነ፡ ኣብ መንእሰያት ኣዋልድን መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ንዝፍጠር ረኽሲ ንምክልኻል ድሕንነቱን ውጽኢታውነቱን ንምርግጋጽ እዩ። ንደቂ ተባዕትዮ ዝምልከት ፍሉይ ፈተነ ገና ይካየድ ኣሎ።
እቲ ኩባንያ፡ እቲ ክታበት ረኽሲ ንምክልኻል ኣብ ጥቕሚ ንክውዕል ፍቓድ ቅድሚ ምሕታቱ፡ ውጽኢት ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ዝተገብረ መርመራ ይጽበ ከም ዘሎ ገሊጹ ይብል እቲ ጸብጻብ።
እቲ መጽናዕቲ ብሮቡዕ ኣብ መጽሄት ሕክምና ኒው ኢንግላንድ ዝተሓተመ ኮይኑ ኣብ ሙኒክ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኤይድስ ተዘትይሉ ኣሎ።
እቲ ጸብጻብ ኣብ ከም ዩሮኒውስ፣ ዋሽንግተን ፖስት ዝበሉ ማዕናት ዜና ዝወጽአ ኮይኑ፡ ነዚ መላግቦ ብምስዓብ ሙሉእ ትሕዝትኡ https://www.euronews.com/health/2024/07/24/stunning-study-shows-twice-a-year-jab-could-offer-100-protection-against-hiv-infection ከተንብቡ ትኽእሉ።
ረኽሲ ኤችኣይቪ ንምክልኻል ዝውዕሉ ከም ኮንደም ወይ መዓልታዊ ዝውሰድ ከኒና ዝበሉ ካልኦት ኣማራጺታት ከም ዘለው ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን፡ ኣብ ዌልስ ኣብ መርመራ ዝጸንሐን ኣብ ውሽጢ ሰብነትና ዝርግሐ ቫይረስ ኤችኣይቪ ዝዓግትን ‘ፒኣርኢፒ’ ዝተባህለ መድሃኒት ውጽኢታውን “ዘተኣማምንን” ምዃኑ ብመጽናዕቲ ከም ዝተረጋገጸ ወግዓዊ ኰይኑ ነይሩ።
እዚ ኣብ ሜዲካል መጽሔት ላንሴት ኤችኣይቪ ዝተሓተመ ርኽበት መጽናዕቲ፡ እቲ መድሃኒት መልከፍቲ ኤችኣይቪ ብ86 ሚእታዊት ከም ዝከላለኸል የርኢ።
ክሊኒካዊ ፈተነታት ድማ፡ 99 ሚእታዊት ውጽኢታዊ ከም ዝዀነ ኣመልኪቶም’ዮም።
ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ
ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::