ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ብዲፕፌክ ዝተሰርሐ ቪድዮ ኣብ ምፍላጥ ይሕግዝ

social media discussions during conflict

17 ሓምለ 2015 .

ቴክኖሎጂ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ (AI) ብዝለዓለ ፍጥነት ይምዕብል፤ ንብዙሕ መዳያት ዘመናዊ ህይወት ድማ ይቕይር ኣሎ።

ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ይኹን ስነ-ጽሑፍ፡ ሙዚቃ ይኹን ስእሊ፡ ብኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ (AI) ዝፍጠር ትሕዝቶ እናወሰኸ ይኸይድ ክመጽእ እንከሎ ቻትዲጂፒ ወይ ባርድ ኣዝዩ ዝገርም ድርሰት እንከይተረፈ ክጽሕፉ ኣብ ዝኽእልሉ ደረጃ በጺሖም’ዮም ክብሃል ይክኣል።

እቲ በዚ ኣገባብ ዝፍጠር ዘሎ ትሕዝቶ ኣዝዩ ምዕቡል ስለ ዝዀነ፡ ሓቀኛን ምስርሑን ንምፍላጥ ኣጸጋሚ እናዀነ ይመጽእ ምህላው’ውን ይፍለጥ።

ካብዚ ብዝብገስ ገለ ክኢላታት፡ ንጐዳኢ ዕላማታት ክውዕል ከም ዝኽእልን፡ ንስራሕ ደቂ ሰባት ኣብ ሓደጋ ከእቱ ከም ዝኽእልን ይገልጹ።

ካብኣቶም ሓደ ንብዙሓት ዘቘጥዐን ግጉይ ሓበሬታታት ኣብ ምውዛዕ ልዑል ተኽእሎ ዘለዎን ዲፕፌክ (DeepFake) እዩ።

እዚ ቴክኖሎጂ፡ ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ተጠቒሙ ገጽ ሓደ ሰብ ብምልውዋጥ ወይ ብዲጂታል መገዲ ገጽ ብምቕያር ሙሉእ ንሙሉእ ዘእምን ልበወለዳዊ ምስልታት ይፈጥር።

ብተወሳኺ፡ ድምጺ’ውን ብዲፕፌክ ክስራሕ ይኽእል እዩ። እዚ ማለት ሓደ ሰብ ኣብ ሓቃዊ ስእልታትን ምስልታትን ዝርከቡ ገጻት ብኻልእ ዝተመስርሐ ገጽ ብምትካእ ኣብ ውሽጢ ፍጹም ነቲ ክዀኖ ዝደሊ ሰብ ንምምሳል ዲጂታላዊ ኰይኑ ይረኽቦ ማለት’ዩ።

በዚ መገዲ ሰባት ናይ ባዕሎም ቪድዮ ክስንዑ ምግባር ኣዝዩ ዝቐለለ እናዀነ ይመጽእ ብምህላው ንርእስኻ ኣብ ዝደለኻዮ ናይ ፊልሚ ስራሕ ከተእቱ ትኽእል፣ ወይ’ውን ናይ ፍሉጣት ሰባት ገጽ ኣብ ናይ ዕርቃን ምስሊ ብምእታው ክሸማቐቑ ክግበር ተራእዩ።

ምዕባለታት ሰብ ሰርሖ ብልሒ (AI) ዲፕፌክ ብቐሊሉ ኣብ ምፍራይ ሓጋዛይ ተራ ክህልዎ እንከሎ ከምዚኦም ዝበሉ ምስሩሓት ምስልታት ብቕልጡፍ ምፍላጥ ድማ ዝያዳ ኣገዳሲ ኰይኑ ኣሎ።

ካብዚ ብዝብገስ ብርክት ዝበሉ ኩባኒያታት በዚ ቴክኖሎጂ ዝስርሑ ስኑዓት ናይ ሓሶት ሓበሬታት ንምቁጽጻርን ንምፍላጥን ዝሕግዝ ኣገባብ ንምንዳይ ዘኽእሉ ስራሕቲ ክሰርሑ ጸኒሖም ኣለው።

ካብኣቶም ሓደ ዝዀነ ‘ኢንቴል’ ኣብዚ ሕጂ እዋን ነዚ ስግኣት ዝርግሐ ግጉይን ናይ ሓሶትን ዝዀነ ፍታሕ ክኸውን እዩ ዝበሎ ‘ፌክካቸር” – “FakeCatcher” ዝብል መጸውዒ ዝሃቦ ስርዓት ሒዙ መጺኡ ኣሎ።

እዚ ስርዓት ‘ፎቶፕለቲዝሞግራፊ’ (PPG) ዝበሃል ሜላ ኰይኑ፡ ኣብ ገጽና ዝፍጠር ለውጢ ዋሕዚ ደም ይፈልጥ። ብዲፕፌክ ዝስርሑ  ገጻት ነዚ ምልክታት ከም ዘይህቡ ሰብ ሞያ እቲ ትካል ይገልጹ።

ብተወሳኺ እዚ ስርዓት ሓቅነት ሓደ ቪድዮ ንምምርማር ምንቅስቓስ ዓይኒ እውን ይትንትን እዩ።

ኢንቴል ነዚ ክልቲኡ ባህርያት ብምርኣይ፡ ኣብ ሞንጐ ሓቀኛ ቪድዮን ናይ ሓሶት ቪድዮን ዘሎ ፍልልይ ኣብ ውሽጢ ካልኢታት ምፍላጥ ከም ዝኽእል ይኣምን። እቲ ኩባንያ፡ ‘ፌክካቸር’ 96 ሚኢታዊት ቅኑዕ ምዃኑ ይገልጽ።

ብሰንኪ ዲፕፌክ ዝመጽእ ምትላል ኣብ ዋሕዚ ሓበሬታ ከም ምጉዳል እምነት ዝበለ ጽልዋ ክፈጥርን ኣሉታዊ ሳዕቤን ከኸትልን ልዑል ተኽእሎ ኣለዎ።

‘ፌክካቸር’ ተጠቀምቲ ኣብ ሞንጐ ሓቀኛን ናይ ሓሶትን ትሕዝቶ ዘሎ ኣፈላላይ ብምፍላጥ ትኽክለኛ ሓበሬታ ክረኽቡ ክሕግዝ እዩ ዝብል ተስፋ ተነቢርሉ ኣሎ።

እዚ ድማ ማሕበራዊ መራኸቢታት ነቲ ቴክኖሎጂ ተጠቒሞም ተጠቀምቲ ጎዳእቲ ዲፕፌክ ቪድዮታት ከይሰቕሉ ክኽልክሉ ይኽእሉ። ማዕከናት ዜና’ውን ነዚ ቴክኖሎጂ ተጠቒመን ምንጪ ከምኡ’ውን ሓቃውነት ብዝተፈላለየ መገዲ ዝረኽብኦም ቪድዮታታት ከረጋግጻ ይኽእላ።

ቅድም ኢሉ ኩባኒያ ቴክኖሎጂ ማይክሮሶፍት ዲፕፌክ ንምፍላጥ ዝሕግዙ መገዲታት ከናዲ ጸኒሑ እዩ። ኣብ 2020 ንስእልታት ወይ ቪዶታት ዝትንትንን እቲ ትሕዝቶ ብዲጂታላዊ መገዲ ዝተመስርሐ ድዩ ኣይኰነን ዝፈርድ ‘ማይክሮሶፍት ቪድዮ ኣውተንቲኬተር’ ኣላልዩ ምንባሩ ይዝከር።

እዚ ብኸፊል ዝሃሰሱ ሓሙኽሽታይ ባእታታትን ብዓይኒ ወዲ ሰብ ጥራይ ክረኣዩ ዘይክእሉ ደቀቕቲ ዝርዝራትን ክፈልጥ ከም ዝኽእል እቲ ትካል ገሊጹ ነይሩ።

ወቅታዊ መረጃዎችን ቀጥታ በኢሜልዎ ለማግኘት ይመዝገቡ

    ያቀረቡትን የግል መረጃ በግላዊ መመሪያችን መሠረት እንጠብቃለን::